6 ሽሕ ዓመት ዘቝጸረ ሳእኒ ተረኺቡ

ካብ ሳዕሪ ተኣሊሙ ዝተሰርሐን ኣስታት 6 ሽሕ ዓመት ዝገበረን ኣብ ኣውሮጳ ዝነውሐ ዕድመ ዘቝጸረ ሸበጥ ከምዝረኸቡ ተመራመርቲ ገሊጾም።

እቲ ሸበጥ ካብቶም ኣብ 19 ክፍለ ዘበን ኣብ በዓቲ ብዓደንቲ ዝተረኸቡ ብዙሓት ቅርስታት ኰይኑ፡ ኣብ ቀረባ ብዝተገበረ ሓድሽ መጽናዕቲ እዩ ተፈሊጡ።

ኣብቲ በዓቲ ዝነበረ ትሑት ጠልን ዝሑል ንፋስን ከይተበላሸዉ ነዊሕ ዓመታት ንኽጸንሑ ከምዝሓገዞም'ውን ተገሊጹ።

እቶም ተመራመርቲ ኣብቲ እዋን ዝተረኸቡ ዘናቢልን መሳርሒታትን እውን መርሚሮም።

ካብ ተሳተፍቲ እቲ መጽናዕቲ ዝዀነት ማርያ ሀረሮ ኦታል፡ እቶም ኣቝሑ “ዛጊት ኣብ ደቡባዊ ኣውሮጳ ካብ ዝተረኸቡ ካብ ኣትክልቲ ዝተኣለሙ ኣቝሑ፡ እቶም ብዕድመ ዝነውሑን ብጽቡቕ ኵነታት ተዓቂቦም ዝርከቡን እዮም” ኢላ።

“እቲ ዝተመዝገበ ብዙሑነት፡ ቴክኖሎጅን ኣገባብ ምድላው ኣቝሑን፡ ክእለት ማሕበረሰባት ቅድመ ታሪኽ ዘመላኽት እዩ” ክትብል ወሲኻ።

እቲ ሓድሽ ኣብ ተግባር ዝወዓለ ዕድመ መፍለጢ መንገዲ፡ እቶም ኣብቲ በዓቲ ዝተረኸቡ 76 ቅርሲታት፡ ዕድመኦም ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተገመተ ብኽልተ ሽሕ ዓመት ከምዝዛይድ የመልክት።

ካብቶም ቅርሲታት ገሊኦም ኣስታት 9 ሽሕ ዓመት ዘቝጸሩ እዮም።

እቶም ተመራመርቲ ከምዝገለጽዎ እቲ መጽናዕቲ ዝተገበረሉ ሸበጥ ካብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሳዕሪ ከምኡ ድማ ቆርበትን ተኽልን ዝተሰሐ እዩ።

እቲ ሳእኒ ኣብ ዘበነ ኒዮሊቲክ ዝተሰርሐ ብምዃኑ፡ ካብቶም ኣብ 2008 ኣብ ሓደ በዓቲ ኣርመንያ ዝተረኸበ 5500 ዕድመኡ ካብ ቆርበት ዝተሰርሐ ሳእኒ ዝዓበየ እዩ።

እቲ 6 ሽሕ ዕድመ ዝገበረ ሸበጥ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ስጳኛ ኣብ ዝርከብ በዓቲ ‘ኲቫ ዲ ሎስ ሙርስያላጎስ’ እዩ ተረኺቡ።

እቶም ተመራመርቲ ከምዝብልዎ እቲ በዓቲ ንፈለማ እዋን ኣብ 1831 ብሓደ ድኹዒ ዝእልሽ ዝነበረ ውልቀሰብ እዩ ተረኺቡ።

ድሕሪ ዕስራ ዓመታት ድማ ኣብቲ በዓቲ ዝዕድኑ ዝነበሩ ሰባት ብውሱን ብመሚ ዝተዓቀበ ሬሳ፣ ዘናቢልን፡ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሑ መሳርሒታትን ካልእን ረኺቦም።