እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቓዛ፡ ኣብ ራፋሕ ዝካየድ መጥቃዕቲ እስራኤል ‘መቕዘፍቲ’ ከምዘስዕብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቝ
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ቓዛ እትርከብ ራፋሕ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ፡ ቅዝፈት ከስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ማርቲን ግሪፍዝ፡ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ድሮ፡ "ብጽዑቕነቱ፡ ብጭካነኡን ስፍሓቱን መዳርግቲ ዘይብሉ መጥቃዕቲ" ይወርዶም ከምዘሎ ገሊጹ።
ሳዕቤን ወራር ራፋሕ "ኣዕናዊ" ክኸውን'ዩ ድማ ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ኣብታ ከተማ ተሓቢኦም ኣለዉ ዝበሎም ዕጡቓት ሓማስ ክስዕሮም ምዃኑ ተሓንዩ'ሎ።
ሚስተር ግሪፍዝ ብዘይተለምደ ብርቱዕ ቃላት ኣሰኒዩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት "ኣብ ራፋሕ ተጸቒጦም፡ ንሞት ኣብ ገጾም እናጠመቱ" ከምዘለዉ ገሊጹ።
ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ውሑድ መግቢ ወይ መድሃኒት ከምዘይረኽቡን "ዝኸዱሉ ውሑስ ዝኾነ ቦታ ከምዘየለን" ገሊጹ።
እስራኤል ኣብታ ከተማ እተካይዶ ወራር ነቲ እናሓመቐ ዝመጽአ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣመና ከበላሽዎ ከምዝኽእል ወሲኹ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ንፕሮግራም ኒውስሃውር ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሕቡራት ሃገራት ካብ እስራኤል ኣብ ራፋሕ ብዛዕባ ዝተሓሰበ ናይ ምምዝባል መደብ ከምዘይረኸበን ኣብ ዝዀነ ይዅን ግዱድ ምፍንቓል ከምዘይሳተፍን ገሊጹ።
ስቴፋን ዱጃሪክ፡ "ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዀነ ይዅን ግዱድ ምምዝባል ሰባት ደጋፊ ኣይክኸውንን'ዩ" ኢሉ።
ራፋሕ ኣብ ደቡብ ምድረበዳ ቓዛ ኣብ ዶብ ግብጺ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ እያ። ቅድሚ ኲናት ኣስታት 250 ሽሕ ሰባት ዝነብሩላ ዝነበረት እታ ከተማ፡ እስራኤል ሲቪላት ካብ ሰሜን ቓዛ ክወጹ ካብ እትእዝዝ ንደሓር ግን ብዝሒ ህዝባ ናብ 1.5 ሚልዮን ዝግመት ኰይኑ’ሎ።
ብዙሓት ተስፋ ኣብ ዘቝርጽ ኵነታት ኰይኖም ኣብ ቴንዳታት ዝነብሩ ኰይኖም ናብ ዝኸድዎ ቦታ የብሎምን።
ራፋሕ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ከቢድ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ከምዘተኣናገደት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብኡ ብውሕዱ 67 ሰባት ከምዝሞቱ እቲ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።
ሚስተር ግሪፍዝ ብተወሳኺ ኣብ ቓዛ ሕጊን ስርዓትን ስለዝፈረሰ ኣብቲ ከባቢ ዝሰርሑ ሰብኣዊ ሰራሕተኛታት ካብ መግረፍቲ ክሳዕ መቕተልቲ ዝበጽሕ በደል ከምዝተፈጸሞም ገሊጹ።
እስራኤል ንራፋሕ ከይትወርር ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ፡ እስራኤል፡ ግብጽን ቐጠርን ትማሊ ሰሉስ ተራኺቦም ነይሮም።
ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ መጥቃዕቲ ከይትፍጽም እቲ ዝርርብ ዕዉት ክኸውን ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ እስራኤል ሰላማውያን ሰባት ክትሕሉ ኣለዋ ክብል ኣጠንቂቑ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ደቪድ ካሜሮን ብግደኡ እስራኤል ንራፋሕ ቅድሚ ምጥቃዓ "ደው ኢላ ብዕቱብ ክትሓስበሉ" ኣጠንቂቑ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ 7 ብሓማስ ዝምርሑ ዕጡቓት ኣብ እስራኤል ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 1200 ሰባት ከምዝተቐተሉ ይፍለጥ።
ከም ግብረ መልሲ እስራኤል ኣብ ምድረበዳ ቓዛ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣካይዳ። እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ልዕሊ 28 ሽሕን 400 ፍልስጤማውያን መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 68 ሽሕ ድማ ቆሲሎም ከምዘለዉ ሓማስ ይገልጽ።