እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሑቲ ትሕቲ ባሕራዊ 'ገመዳት ፋይበር' ኢንተርነት ከዕንዉዎ ይኽእሉ ዶ?
ሕነ ምፍዳይ ብዙሕ መልክዕ ኣለዎ። ኣብ የመን ዝርከቡ ሑቲ፡ ነቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ዒላማ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን ሃገራት ሕነ ንምፍዳይ ዘለዎም ቆራጽነት ምስጢራዊ ኣይገበርዎን።
ሑቲ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ መራኽብ ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲታት፡ ንፍልስጤማውያን ኣብ ቓዛ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ከምዝዀነ እዮም ዝገልጹ።
ኣብ ዓደን ዝርከብ ሕጋዊን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዘለዎን መንግስቲ የመን፡ እቶም ኣብ 2014 ንመብዛሕትኡ ክፋል የመን ዝሓዙ ሑቲ፡ ሕጂ ነቲ ኣብ ትሕቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝኸይድ - ንኤስያ ምስ ኣውሮጳ ዘራኽብ መስመራት ኢንተርነት ዝርከቦ ወሳኒ ኬብላት መራኸቢ ከበጣጥስዎ ምዃኖም ኣጠንቂቘም ኣለዉ።
እዚ መጠንቀቕታ ዝወጸ፡ ምስ ሑቲ ምትእስሳር ዘለዎ ቻነል ተሌግራም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ መስመራት ገመድ ትሕቲ ባሕሪ ዘርኢ ካርታ ድሕሪ ምልጣፉ እዩ።
ነዞም መስመራት ግን ብሓቂ ከዕንውዎም ይኽእሉ ድዮም?
እቲ ጕጅለ፡ በቲ 32 ኪ.ሜ ጥራይ ስፍሓት ዘለዎ መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ ክሓልፍ እንከሎ፡ ንገማግም ባሕሪ ሓሊፎም ዝተዘርግሑ ገመዳት መራኸቢ ትሕቲ ባሕሪ ዘርኢ ካርታታት ብቐሊሉ ከም ዝረኽቦ ይግለጽ።
17 ሚእታዊት ትራፊክ ኢንተርነት ዓለም ዝስከሙ ፋይበር ገመዳት ግን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ብኣማኢት ሜትሮታት ተቐቢሮም ዝርከቡ ኰይኖም ካብ ጠሓልቲ ኣዝዮም ዝረሓቝ’ዮም።
ኣሜሪካን ሩስያን ነቶም ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝተቐበሩ ገመዳት ናይ ምቝራጽ ተኽእሎ ከምዘለወን’ዩ ዝግመት። እዚ ካብ ኣደ መርከብ ተበጊሰን ኣብ ዓሚቝ ባሕሪ ዝጥሕላ መራኽብ ብምውፋር ነቲ ኣብ ምድሪ ውቅያኖስ ዘሎ ገመዳት ንምቝራጽ፡ ዓቢ መቝረጺ መቐስ ምጥቃምን የጠቓልል።
እንተዀነ ግን ንሑቲ ዝያዳ ምኸበዶም።
ኣዛዚ ሳብማሪን ሮያል ነቪ ነበር ሪር ኣድሚራል ጆን ጎወር ብዛዕባ እቲ ጕጅለ ነቲ ገመዳት ከበላሹ ተኽእሎ ከምዘለዎ ዘፈራርሖ ዘሎ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ "ኣብ ተርሚናል መጥቃዕቲ ክፍጽም እንተዘይኰይኑ፡ ምትላል ምዃኑ እየ ዝግምግም" ይብል።
ንሱ ኣስዒቡ "ዓቕሚ ዘለዎ መሻርኽቲ፡ ክደሊ ክግደድ’ዩ” ኢሉ።
ሑቲ ብርግጽ መሻርኽቲ ኣላቶ። ሑቲ ብሓገዝ ሓለዋ ሰውራ ኢራንን ሕዝቦላህ ሊባኖስን፡ ዘስደምም ኣጽዋር ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሃኒጾም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ናብ መራኽብ ውግእ ስዑዲ ዓረብ፡ ኢማራት ዓረብ፡ እስራኤል፡ ኣሜሪካን እንግሊዝን - ከምኡ'ውን ምስ እስራኤል፡ ኣሜሪካ ወይ ዓባይ ብሪጣንያ ርክብ ኣለዋ ኢሎም ናብ ዝጠርጠርዋ መርከብ ተኲሶም እዮም።
ኢራን ንሑቲ ነቲ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዘሎ ገመዳት ክቘርጽዎ ከተኽእሎም ትኽእል ድያ?
"ብወገን እዚ ኲናት ኢራን ነዞም ገመዳት ክትንክፎም ዝኽእል ነገር የለን፤ ብርግጽ ንሳብማሪናቶም ክትንክፍ ዝኽእል ነገር የለን" ይብል ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ሮያል ነበር ቶም ሻርፕ።
"ምጥላቕ ኣማራጺ'ዩ ግን ዓሚቚን ጽዑቕን ስለዝዀነ ዝኸብድ’ዩ ዝመስለኒ" ይብል። ምስ ሪር ኣድሚራል ጎወር ዝሰማማዕ ሲዲኣር ሻርፕ፡ "እዚ ምትላል እዩ ዝመስለኒ" ይብል።
ኢራን ንእትድግፎ ሑቲ ገመዳት ኢንተርነት ትሕቲ ባሕሪ ዓለም ክቘርጽ ምሕጋዝ ድማ ንኢራን ሓደገኛ ስጕምቲ’ዩ ክኸውን።
ኢራን ይዅን ኣሜሪካ ኣብ ነንሕድሕደን ምሉእ ኲናት ክኣትዋ ኣይደልያን እየን ነዚ ድማ ብንጹር ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጐ ወከልትን መሓዙትን ኣሜሪካን ኢራንን ኣብ ዙርያ ማእከላይ ምብራቕ ዝርአ ዘሎ ግጭት ብመጠኑ ዝተዓቀነ እዩ።
ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ብኢራን ዝድገፉ መደበራት ሚልሻ ቅድሚ ምውቃዓ ንሓያሎ መዓልታት መጠንቀቕታ ሂባ፡ ወሰንቲ ኣባላት ካብቲ ቦታ ክወጹ ኣፍቂዳ።
ዓለማዊ ገመዳት መራኸቢታት ምቝራጽ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ባዕላ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ከይተረፈ ከስዕብ ዝኽእል ዓቢ ምዕባለ ክኸውን እዩ።
ከም መደምደምታ፡ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሑቲ ኣብ ተሌግራም ቻነሎም ዝዘርግሕዎ ኬብላት ኢንተርነት ትሕቲ ባሕሪ ናይ ምዕናው ስግኣት ክኸብዶም’ዩ።
ነታ ብዓይኒ ምዕራባውያን ኣብ ኵሉ መጥቃዕቲ ሑቲ ኢዳ ከምዘሎ እትርአ ኢራን ብተክኒካዊ መዳይ በዳህን ፖለቲካዊ ሓደጋኡ ድማ ሰፍ ዘይብልን እዩ።
ሑቲ ግን ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2022 ንጸላእቶም ኣብ ጅዳ ኣብ ዝርከብ መኽዘን ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ብሚሳይላት ብምድብዳብ ንጸላእቶም ኣገሪሞም’ዮም።
ብዘይካዚ፡ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ንኣስታት ሸሞንተ ዓመታት ካብ ዘካየዶ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ኣየር ተጻዊሮም እዮም።
ሎሚ ድማ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ጥምረት ኣብ ልዕሊ መደበራት ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ነፈርቲ እኳ እንተገበረ፡ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ዝገበርዎ ምትፍናን ፈጺሙ ምልክታት ምድሕርሓር የብሎምን።
ካብ ቍጽጽሮም ወጻኢ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት እንከይተረፈ ብብዙሓት የመናውያን ዝጽላእን ዝፍራሕን ሑቲ ነቕ ዘይብል ሓይሊ ኰይኑ ወጺኡ’ሎ።