ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ክትከውን ዝተመረጸት ሊዝ ትራስ መን እያ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሊዝ ትራስ ጓል ሸውዓተ ዓመት እንከላ፡ ኣብ ቤት ትምህርታ ኣብ ዝተኻየደ ከይዲ መረጻ ኣብ ዘርኢ ድራማ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ነበር ማርጋሬት ታቸር ኰይና ተዋሲኣ።
እንተዀነ ከምታ ኣብ 1983 ብዝለዓለ ድምጺ ዝተዓወተት ታቸር፡ ኣይተዓወተትን።
ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት “ነቲ ዕድል ክጥቀመሉ ወሲነን ካብ ልበይ ዝመንጨወ መደረታት ምረጹኒ ኣስሚዐን፤ እንተዀነ ባዶ ድምጺ እየ ረኺበ። ንባዕለይ'ኳ ድምጺ ኣይሃብኩን” ክትብል ትዝክር።
ድሕሪ 39 ዓመታት ግን ኣሰር ናይታ ‘ሓጺናዊት’ እናተባህለት እትጽዋዕ ማርጋሬት ታቸር ስዒባ መራሒት ዓቃባዊ ሰልፊን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያን ኰይና።
እታ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ንመናሓንሕታ ሪሺ ሱናክ ኣብ ሓሙሽቲኦም ዙራት በሊጻቶ።
ምስ መዛኑኣ ርክባ ክተደልድልን ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ዘሕለፈን ናይ መወዳእታ ሕማቕ እዋናቱ እምንቲ ኰይና ዝጸንሐትን ትራስ፡ ከምእትዕወት ብዙሓት ገሚቶም ነይሮም።
ከምቲ ብዙሓት ዝገመትዎ ግን እቲ ፍልልይ ገፊሕ ኣይነበረን።
57 ሚእታዊት ድምጺ ዝረኸበት ትራስ፡ ብብዙሕ መገዲ ምችእቲ ዓቃባዊት ኣይኮነትን።
ሜሪ ኤልሳቤጥ ትራስ፡ ብ1975 ኣብ ኦክስፎርድ ተወሊዳ። ፕሮፌሰር ሕሳብ ዝነበረ ኣቦኣን ነርስ ኣደኣን ‘ጸጋማውያን’ ምንባሮም ትገልጽ።
ኣደኣ ኣብ ንእስነታ ኣንጻር ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ኲናት ይካየዱ ኣብ ዝነበሩ ተቓውሞታት ትሳተፍ ነይራ። እዚ ድማ ምስ ቅዋም መንግስቲ ማርጋሬት ታቸር ዝጓነጽ ነይሩ።
ሓዋ ምስ ቢቢሲ ራድዮ ፎር ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ ቤተሰቡ ናይ ቦርድ ጸወታ ይፈትዉ ከምዝነበሩን ክትሰዓር ዘይትፈቱ ትራስ ድማ ተጻዊታ ካብ እትሰዓር ዘይምጽዋት ትመርጽ ምንባራ ገሊጹ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ምስታፍ ዝጀመረት ትራስ፡ ኣብ መጀመርታ ኣባል ሊበራል ዲሞክራትስ እያ ነይራ።
እቲ ሰልፊ ኣብ 1994 ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ ንምፍራስ ዘውዳዊ ስርዓት ደጊፋ ተዛሪባ ነይራ።
“ንሕና ሊበራል ዲሞክራትስ ንዅሉ ማዕረ ዕድል ኣብ ዝብል ኢና እንኣምን። ሰባት መራሕቲ ኰይኖም ይውለዱ ኢልና ኣይንኣመንን።”
ጕዕዞ ምስ ዓቃባዊ ሰልፊ
ሊዝ ትራስ ኣብ ኦክስፎርድ እናሃለወት እያ ናብ ዓቃባዊ ውድብ ቀዪራ።
ድሕሪ ምረቓ ኣብ ሼልን ኬብል ኤንድ ዋየርለስን ኣካውንታንት ኰይና ሰሪሓ፤ ኣብ 2000 ከምኣ በዓል ሞያ ሕሳብ ምስ ዝነበረ ሁፍ ኦሊሪ ተመርዕያ። ክልተ ቈልዑ እውን ወሊዶም።
ኣብ 2001ን 2005ን ኣባል ዓቃባዊ ሰልፊ (ቶሪ) ንምዃን ተወዳዲራ ተሳዒራ።
ኣብ 2006 ግና ቀኒዕዋ፤ ካብ 2008 ጀሚራ ድማ ራይት ኦፍ ሰንተር ንዝተባህለ ቲንክታንክ ክትሰርሕ ጀሚራ።

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ኣብ 2010 መራሒ ዓቃባዊ ፈልፊ ዝነበረ ደቪድ ካሜሩን ንሊዝ ትራስ ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝሰረዖም ተወዳደርቲ ገይሩ መሪጽዋ።
ኰይኑ ግን ምስ ዓቃባዊ ኣባል ቤት ምኽሪ ማርክ ፊልድ ፍቕራዊ ርክብ ከምዝነበራ ምስተፈለጠ፡ ካብ ዝርዝር ተወዳደርቲ ክትእለ ጐስጓስ ተጀሚሩ።
እቲ ጐስጓስ ስለዘይሰመረ ግን 13 ሽሕ ድምጺ ብምርካብ ኣባል ቤት ምኽሪ ኰይና ተዓዊታ።
ኣብ 2010 ምስ ዝተመረጹ ኣርባዕተ ኣባላት ቤት ምኽሪ ብምዃን ዝጸሓፈቶ ‘ብሪጣንያ ኣንቸይንድ’ ዝብል መጽሓፍ፡ ካብ ዓቃባውያን ከም ቀንዲ ጎስጓሲት ነጻ ዕዳጋ ኰይና ክትረአ ገይርዋ።
ኣባል ቤት ምኽሪ ኰይና ድሕሪ ምምራጻ ድሕሪ ክልተ ዓመት ሚኒስተር ትምህርቲ ኰይና ዝተመረጸት ሊዝ ትራስ ኣብ 2014 ድማ ጸሓፊት ክሊማ ኰይና ተሸይማ።
ብረግዚት
ኣብ ጋዜጣ ዘ ሳን ብረግዚት ኣመልኪታ ኣብ ዝጸሓፈቶ ሊዝ ትራስ፡ ብረግዚት ቢሮክራሲ ዝበዝሖን ኣብ መሸጣ ምድንጓይ ዝፈጥርን እዩ ብምባል፡ ብሪጣንያ ኣብቲ ሕብረት ክትጸንሕ ከምዝግባእ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣቕሪባ።
እቲ ዝደገፈቶ ወገን ምስተስዓረ ግን፡ ሓሳባ ቀይራ ብረግዚት ነገራት ዝስርሓሉ መገዲ ንምቕያር ዕድል ከምዝፈጠረ ክትካታዕ ጀሚራ።
ኣብ እዋን ተሬሳ መይ ጸሓፊት ፍትሕን ሓላፊት ቤት ግምጃን ኰይና ሰሪሓ።
ቦሪስ ጆንሰን ኣብ 2019 ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ምስተመረጸ ድማ ጸሓፊት ዓለምለኻዊ ንግዲ ኰይና፤ እዚ ድማ ዓለምለኻዊ መራሕቲ ፖለቲካን ንግድን ክትረክብ ኣኽኢልዋ።
ኣብ 2021 ጓል 46 ዓመት ምስኰነት፡ ካብቶም ኣብ ብሪጣንያ ዝለዓሉ ሓላፍነታት መንግስቲ ዝዀነ፡ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኰይና።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ጻንሒታ ኣብ ኢራን ተኣሲሮም ዝነበሩ ክልተ ኢራናውያን ብሪጣንያውያን ክፍትሑ ዝገበረት ኰይና፡ ብረግዚት ስዒቡ ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ዘጋጠመ ጸገም ንምፍታሕ ዝወሰደቶ ገለ ክፋል ውዕል ብረግዚት ናይ ምፍራስ ስጕምቲ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ወቐሳ ኣስዒቡላ።
ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብዕቱብ ዝተቓወመት ትራስ፡ ንዩክረይን ደጊፎም ክዋግኡ ንዝደልዩ ብሪጣንያውያን ብምሕጋዝ እውን ትውቀስ።
ምቅዋም ሓገዝ
ንሳ ንመሪሕነት ዓቃባዊ ሰልፊ ዘካየደቶ ጐስጓስ ምረጹኒ'ውን ኣከራኻሪ ነይሩ።
ቅልውላው ክብሪ ዋጋ ብኸመይ ከምእትፈትሕ ዝተሓተተት ሊዝ ትራስ፡ “ምጽዋት ብምሃብ ዘይኰነስ ናይ ግብሪ ጸቕጢ ብምቕናስ” ክትብል መሊሳ።
መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ምስ ዞባዊ ዋጋ ዕዳጋ ንምትእስሳር ዝነበራ ትልሚ፡ ላዕለዎት ኣባላት ዓቃባዊ ሰልፊ ብዘቕረብዎ ካብ ለንደን ወጻኢ ዝነብሩ ሚልዮናት ሰራሕተኛታት ውሑድ መሃያ ክረኽቡ ዝገብር እዩ ዝብል ተቓውሞ ክትስርዞ ተገዲዳ።
ንመራሒት ስኮትላንድ ኒኮላ ስተገን “ረአዩኒ በሃሊት” “ሸለል ክንብላ ይሓይሽ” ብምባላ እውን ኣዘራራቢት ኰይና ነይራ።
ገለ ሰባት ሊዝ ትራስ ብኣከዳድናኣ ንማርጋሬት ታቸር ንምምሳል ከምእትፍትን ይገልጹ።
ንሳ ግን ንደቂ ኣንስትዮ ፖለቲከኛታት ምስ ማርጋሬት ብምውድዳር ዝወሃብ ርእይቶ ከምእትቃወም ገሊጻ ነይራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







