ሩስያ፡ 'ጎርባቸቭ ታሪኽ ዝቐየረ'ዩ፡ ብዛዕባ ዝምድና ምስ ምዕራብ ግን ተጋግዩ'ዩ'

ጎርባቸቭ (ጸጋም) ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጎርባቸቭ ኣብ ዳሕረዎት ዓመታቱ ኣብ ልዕሊ ቭላድሚር ፑቲን ነቐፌታ ከስምዕ ጸኒሑ'ዩ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝዓረፈ ናይ መወዳእታ መራሒ ሕብረት ሶቬት ነበር ሚካኤል ጎርባቸቭ "ኣብ ታሪኽ ገዚፍ ጽልዋ" ከምዝገደፈ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ገሊጹ።

ጸግናታት ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ዝተረድአ መራሒ ምንባሩ'ውን ፑቲን ኣፍልጦ ሂብዎ።

ጎርባቸቭ ብወግዓዊ ሃገራዊ ስነስርዓት ከይቅበር ዝወሰነ ፑቲን፡ ኣብቲ ዝግበር ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ከምዘይሳተፍ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ'ሎ። ኣብ ወግዓዊ ስነስርዓት መራሕቲ ዓለም ክዕድም ኣለዎ።

ኣፈኛ ቤተመንግስቲ ክረምሊን ግና፡ ጎርባቸቭ ምስ ሃገራት ምዕራብ "ዘልኣለማዊ ፍቕሪ" ክህሉ ምሕሳቡ ግጉይ'ዩ ነይሩ ክብል ይነቕፎ።

ሚካኤል ሰርገይቪች ጎርባቸቭ ኣብ 1985 እዩ መራሒ ናይታ ኣብ 1991 ዝፈረሰት ሕብረት ሶቬት ብምዃን ስልጣን ተረኪቡ።

ነታ እናተዳኸመት ትኸይድ ዝነበረት ብዴሳዊ ሰልፊ ትምራሕ ዝነበረት ሕብረት ሶቬት ንምሕያል ጸገናታት'ኳ እንተካየደ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ካብ ምፍራስ ከድሕና ኣይክኣለን።

ብዙሓት ሩስያውያን ድማ በቲ ድሕሪ ሃንደበታዊ ውድቀት ዝሰዓበን ንዓመታት ዝቐጸለን ቅልውላው ይኸስዎ።

ፕረዚደንት ፑቲን፡ ድሕሪ ሞቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ጸግናታት ከምዘድሊ ኣጸቢቑ'ዩ ተረዲኡዎ፣ ነቲ ዝነበረ ህጹጽ ጸገማት ናይ ባዕሉ ፍታሓት ንምርካብ ጽዒቱ" ኢሉ።

ኣብ መንጎ ጎርባቸቭን ፑቲንን ዝነበረ ርክብ ኣብ ዳሕረዎት ዓመታት እናሓርፈፈ ምምጽኡ ይፍለጥ። ንመወዳእታ ግዜ ብኣካል ዝተራኸብሉ ኣብ 2006 ምንባሩ'ውን መርኣያ ናቱ'ዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ፑቲን ንዩክረይን ምውራሩ'ውን ንጎርባቸቭ ባህ ከምዘየበሎ'ዩ ዝግለጽ፡ ዋላ'ኳ ኣብ 2014 ኣብ ልዕሊ'ታ ኣካል ዩክረይን ዝነበረት ዞባ ክሪሚያ ዝተኻየደ ጎበጣ እንተደገፈ።

ኣፈኛ ፕረዚደንት ሩስያ ዝኾነ ዲሚትሪ ፐስኮቭ፡ ጎርባቸቭ "ዝሑል ኲናት ከብቅዕ ብቅንዕና ድሌት ነይሩዎ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ዝተሓደሰት ሕብረትን ዓለምን፡ ምዕራብን ዘልኣለማዊ ፍቕሪ ክፈጥር'ዩ ዝብል እምነት ነይሩዎ። እቲ ስምዒታዊ ፍቕሪ ግን ግጉይ ኮይኑ'ዩ ተረኺቡ"።

ፐስኮቭ፡ ንወራር ዩክረይን ዝተቓወማ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሃሳዪ ቁጠባዊ እገዳታት ምንባረን ከም ኣካል ናይቲ ምጉት ብምግላጽ ብትሪ ኮኒኑ።

እቲ ድሕሪ ነዊሕን ጽኑዕን ሕማም ኩሊት ኣብ ሆስፒታል ከምዝዓረፈ ዝተነግረሉ ጎርባቸቭ፡ ኣብ ርእሰከተማ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ መካነ-መቓብር ኖቮደቪቺ ጽባሕ ቀዳም ሓመድ ኣዳም ክለብስ'ዩ።

እቲ ብሰንኪ ኣብቲ መዓልቲ ዘለዎ ስራሕ ኣብቲ ስነስርዓት ከምዘይሳተፍ ዝተገልጸ ፑቲን፡ ትማሊ ኣብ ጎኒ'ቲ ህዝቢ ክበጽሖ ኣብ ቅርዓት ክረአ ዝቐነየ ሬሳ ሚካኤል ጎርባቸቭ ዕንባባ ብምንባር ሓዘኑ ገሊጹ'ሎ።

ሚካኤል ጎርባቸቭ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጎርባቸቭ ብዓይኒ መራሕቲ ዓለም

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ንጎርባቸቭ "ዘይሕለል ጠበቓ ሰላም" ክብል ገሊጽዎ።

"ዓለም፡ ብዙሕነታዊነት ዝኣምንን ዘይሕለል ጠበቓ ሰላምን ዝኾነ ዓቢ ዓለምለኻዊ መራሒ ከሲራ" ክብል ጉተረዝ ሓዘኑ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብወገኑ፡ "ፍሉይ መራሒ" ምንባሩ ብምግላጽ፡ ዝነበረ ናይ ዝሑል ኲናት ኑክሌራዊ ምትፍናን ብሰላም ክዓረፍ ምግባሩ ንኢዱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ድማ "ኣብዚ ፑቲን ንዩክረይን ዝወረረሉ እዋን፡ ንሕብረተሰብ ሶቬት ምኽፋቱ ንኹላትና ኣርኣያ እዩ" ኢሉ።

ብዙሓት መራሕቲ ምዕራባውያን ሃገራት'ውን፡ ነቲ ኣብ ዓለም ምሉእ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ዝነበረ ዝሑል ኲናት ብሰላም ከምዝሃድእ ምግባሩን፡ ኣብታ ዝፈረሰት ሕብረት ሶቬት ዝጀመሮም ጸገናታትን ዘለዎም ናእዳ ገሊጾም ኣለዉ።

ሕብረት ሶቬት ካብ 1974-1991 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብእ ኢትዮጵያ ጽዑቕ ምትእትታው ብምግባር፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ይኹን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ንስርዓት ደርግ ኣጽዋርን ኣማኸርትን ብምሃብ ምስታፋ ይዝከር።

ጎርባቸቭ ናስ ስልጣን ድሕሪ ምውጽኡ ግን እቲ ወተሃደራዊ ደገፍ እናደረቐ ከይዱ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣቋሪጹን።

ጎርባቸቭ (ጸጋም) ኣመሪካዊ መዘናኡ ነበር ሮናልድ ሬገን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

'ፐረስትሮይካ' - 'ግላስኖስት'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጎርባቸቭ፡ ኣብ 1985 ዋና ጸሓፊ ዴሳዊ ሰልፊ ሶቬት ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ'ዩ መራሒ ሕብረት ሶቬት ኮይኑ።

ኣብቲ እዋን፡ እቲ ወዲ 54 ዓመት ዝነኣሰ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት (ፖሊት ቢሮ) ናይቲ ሰልፊ'ዩ ነይሩ። ዝበዝሑ መራሕቲ'ቲ እቲ ሰልፊ ብዕድመ ዝደፍኡ ብምንባሮም ድማ ዓይኒ ብዙሓት ዝወደቐሉ ክኸውን ኪኢሉ።

ቅድሚኡ ዝነበረ መራሒ፡ ኮንስታንቲን ቸርነንኮ ንሓደ ዓመት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ መበል 73 ዓመቱ ምስሞተ ድማ'ዩ ስልጣን ተረኪቡ።

ኣብ ኣሰላልፋ ዓለም ከም ጎርባቸቭ ገይሮም ጽልዋ ዝገደፉ መራሕቲ ውሑዳት'ዮም። እንተኾነ ግን፡ ጎርባቸቭ፡ ሶቬት ሕብረት ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዝነበራ ጽልዋ ንከብቅዕ ሓሊኑ ኣይኮነን ናብ ስልጣን ደዪቡ፡ እንታይ ድኣ፡ ንሕብረተሰባ ከሐድሶ'ዩ ተበግሶታት ወሲዱ።

ቁጠባ ናይቲ ሕብረት ምስቲ ናይ ቀንዲ መቀናቕንታ ዝነበረት ኣመሪካ ከነጻጸር እንከሎ፡ ንዓመታት እናተዳኸመ'ዩ ዝኸይድ ነይሩ።

ንምብርባሩ ድማ "ፐረስትሮይካ" (ዳግመህንጻ) ዝብል ፖሊሲ ብምትእትታው፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር መንግስቲ ዝነበረ ስርዓተ-ቁጠባ ናብ ሓውሲ ናይ ዕዳጋ ከሰጋግሮ ሃቂኑ።

ብዓለም ደረጃ፡ ድማ ነቲ ዝነበረ ቅድድም-ኣጽዋር ንምግታእ፡ ምስ ኣመሪካ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምቁጽጻር ዝዓለመን፡ ዝነበረን ብዝሒ ዘጉደለን ውዕል ፈሪሙ።

ኣብተን ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሕብረት ሶቬት ዝነበራ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ፡ ኣንጻር ዴሳውያን ስርዓታት ህዝባዊ ተቓውሞታት ምስተላዕለ'ውን፡ ንምድሓኖም ኢድ ካብ ምእታዉ ተሓዪቡ። ኣብ ዝቐጸላ ዓመታት ድማ ሓያሎ ስርዓታት ብደሞክራስያዊ ተቓውሞ ካብ ስልጣን ተኣልዮም።

ብዘይካ'ዚ፡ ንዴሳዊ ስርዓት ኣፍጋኒስታን ንምድጋፍ ሕብረት ሶቬት ካብ 1979 ጀሚራ ተካይዶ ንዝነበረት ደማዊ ኲናት ንምብቃዕ ሰራዊቱ ስሒቡ።

ጎርባቸቭ (ጸጋም) ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነበር ማርጋሬት ታቸር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ጎርባቸቭ፡ "ግላስኖስት" (ምኽፋት) ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓድሽ ፖለቲካዊ ለውጢ ብምብጋስ፡ ዜጋታት ንመንግስቲ ዝነቕፍሉ ዕድል ከፊቱ። እዚ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ እዋን ዘይሕሰብ'ዩ ነይሩ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ስጉምቲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት (ሪፓብሊካት) ናይቲ ሕብረት ሃገራዊ ስምዒታት ኣስዒቡ። እዚ ድማ ጠንቂ ዘይምርግጋእን ምፍራስ ናይቲ ሕብረትን ክኸውን ኪኢሉ።

ኣብ 1991 ኣንጻሩ ዘይዕዉት ፈተነ ዕልዋ ድሕሪ ምክያዱ ኸኣ ሕብረት ሶቬት ክትፈርስ ብምስምማዕ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።

ኣብ ምዕራባዊ ዓለም፡ ከም ሃንዳሲ ለውጢን ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሕብረት ሶቬትን ዝነበረ ሓደገኛ ዝሑል ኲናት ኣብ 1991 ከብቅዕ ዝገበረን ተባሂሉ ይንኣድ።

ኣብ 1990 ከኣ "ኣብ መንጎ ምብራቕን-ምዕራብን ንዝነበረ ዝምድና ዓቢ ምምሕያሽ ኣብ ምምጻእ ብዝተጻወቶ መሪሕ ተራ" ሽልማት ኖበል ሰላም ተዋሂቡ።

ኣብታ ድሕሪ 1991 ከም ብሓድሽ ዝተቐልቀለት ሩሰያ ግን፡ ካብ ፖለቲካ ርሒቑ ኣብ ናይ ትምህርትን ሰብኣዊ ንጥፈታትን'ዩ ተሓጺሩ ነይሩ።

ኣብ 1996 ግን ናብ ፖለቲካ ክምለስ ፍሹል ፈተነ ኣካይዱ ነይሩ። ኣብቲ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተወዳዲሩ 0.5 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ድማ ካብ ንጡፍ ፖለቲካ ተሰናቢቱ።

ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ምምሕዳር ፕረዚደንት ሪቻርድ ኒክሰን ዝነበረ፡ ፍሉጥ ዲፕሎማሰኛ ሄንሪ ኪሲንጀር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ጎርባቸቭ "ንደቂሰብን ህዝቢ ሩስያን ዝጠቐመ ታሪኻዊ ለውጢ ዝገበረ ሰብ ተባሂሉ ኣብ ታሪኽ ዓለም ክዝከር ክነበር'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።

ናይቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሩስያ ዝርከብ ከባቢታት ዘመሓድር ብሩስያ ዝተመዘዘ ቭላድሚር ሮጎቭ ግን "[ንሕብረት] ሶቬት ኮነ ኢሉ ክትዓኑ ዝገበረ'ዩ" ብምባል ብኽሕደት ይኸሶ።

ሩስያውያን ብዛዕብኡ ዘለዎም ስምዒታት ግን በቲ ኣብ 1997 ዝገበሮ ናይ 'ፒዛ ሃት' ዝተባህለ ትካል መግቢ፡ ንዕዳጋ ኣመሪካ ዝዓለመ መወዓዊዒ ተንጸባሪቑ'ሎ።

ኣብቲ መወዓውዒ፡ ክልተ ምጉት ቀሪቡ'ሎ፣ ብሓደ ወገን ዘስዓቦ ቅልውላው ዝዛረቡ በቲ ካልእ ድማ ዝፈጠሮ ዕድላት። ኣብ መወዳእታ ግን ኩሎም ወገናት ብዛዕባ'ቲ ፒዛ ተሰማሚዖም፡ ብሓጎስ ምስኡ ክጽንብሉ ይራኣዩ።