ሊዝ ትራስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ክትከውን ተመሪጻ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሊዝ ትራስ መራሒት ዓቃባዊ ሰልፊ ብሪጣንያ ኮይና ብምምራጻ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትከውን'ያ።
እታ ጸሓፊት (ላዕለወይቲ ሚኒስተር) ጉዳያት ወጻኢ ኮይና ከተገልግል ዝጸንሐት ትራስ፡ ነቲ ጽባሕ ስልጣኑ ዘረክብ ቦሪስ ጆንሰን ብምትካእ'ያ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትከውን።
ንሳ፡ ነቲ ቻንስለር ፋይናንስ ዝነበረን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ካብ መዝነቱ ዝወረደን ሪሺ ሱናክ ብምስዓር'ያ ተመሪጻ ዘላ።
ኣብቲ ኣባላት ዓቃባዊ ሰልፊ ዝሃብዎ ድምጺ፡ ሊዝ ትራስ 57 ሚእታዊት ብምርካብ'ያ ተዓዊታ። እቲ ዓቃባዊ ኣባል ፓርላማ ዝኾነ ሱናክ በወገኑ፡ 43 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ።
ጓል 47 ዓመት ሊዝ ትራስ፡ ጽባሕ ሰሉስ ብወግዒ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብምዃን ስልጣን ክትርከብ'ያ።
ኣብታ ታሪኽ ሃገር ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትከውን ዝበቕዐት ሳልሰይቲ ጓልኣንስተይቲ እያ።
ቅድሚኣ ዝነበራ ቀዳሞት ሚኒስተራት፡ እታ ቦሪስ ጆንሰን ዝተከኣን ንሰለስተ ዓመታት ዝመርሐት ተሬዛ መይን፡ ኣብ 1979 ናብ ስልጣን ዝደየበትን ክሳብ 1990 ኣብ ስልጣን ዝነበረትን ማርጋሬት ታቸርን እየን።
ኣብታ ሃገር ዓቢ ቅልውላው ከይፈጥር ተሰጊኡ ዘሎ ናህሪ ወጻኢታት ጸዓት ቀዳምነት ሂባ ክትሰርሓሉ ምዃና ትራስ ቃል ኣትያ'ላ።
ድሕሪ ምዕዋታ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ ነቲ ዓቃባዊ ሰልፊ ኣብ ምርጫ 2019 ዝኣተዎ መብጻዓታት ብምትግባር፡ ኣብቲ ኣብ 2024 ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ንሰልፊ ዕዮ ንምስዓር ክትጽዕት ምዃና ተዛሪባ።
ኣብ መደረኣ፡ ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ዘሎ "መሓዛይ" ዝበለቶ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ዘለዋ ናእዳ ብምግላጽ፡ "ካብ ኪቭ ክሳብ ካርልኣይል ዝድነቕ'ዩ" ክትብል ኣመጒሳቶ።
"ቦሪስ፡ ብረክዚት ፈጺምካዮ፡ ንጀረሚ ኮርቢን [መራሒ ሰልፊ ዕዮ ነበር] ስዒርካዮ፡ ክታበት ኣዊጅካን፡ ኣብ ቅድሚ [ፕረዚደንት ሩስያ] ቭላድሚር ፑቲን ደው ኢልካን ኢኻ" ኢላቶ።
"ግብሪ ብምጉዳልን ቁጠባና ብምዕባይን. . .ከም ዓቃባዊት ከመሓድር'የ" ክትብል'ውን ኣዊጃ።
"ንወጻኢታት ተጠቀምቲ ብምቁጽጻር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቀረብ ጸዓት ዘለና ናይ ነዊሕ-እዋን ጉዳያት እንኮላይ ኣብ ግምት ብምእታው ዘሎ ቅልውላው ጸዓት ክፈትሖ'የ"።
ብዘይካ'ዚ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ልዑል መጠን ዝቕባበ ንምግታእ፡ ናይ ኣስታት 30 ቢልዮን ፓውንድ ግብሪ ዘጉድል ባጀት ከተቕርብ ምዃና ቃል ኣትያ'ላ።
መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዕዮ ኪር ስታርመር ብወገኑ፡ እታ ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር መሓዛ ሸቃሎ ኣይኮነትን ክብል ድሕሪ ምንቃፉ፡ ዋጋ ጸዓት ደረት ክትገብረሉን፡ ኩባንያታት ብሕቲ ዝያዳ ግብሪ ክኸፍሉ ክትገብርን ጸዊዑ'ሎ።
ጉዳይ ናይቲ ብሩስያ ዝተኣወጀ ኲናት ዩክረይን'ውን ሓደ ካብ ዓበይቲ ብድሆታት ሊዝ ትራስ ክኸውን'ዩ። ብሪጣንያ፡ ንዩክረይን ርእሳ ንምክልካል ወተሃደራዊ፡ ገንዘባውን ሰብኣውን ደገፋት ክትህባ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ዓቃባውያን ቀዳሞት ሚኒስተር ዝነበሩ፡ ተሬዛ መይን ዴቪድ ካሜሩንን ነታ ሓዳስ መራሒት ዮናኦም ገሊጾም ኣለዉ።
እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ '10 ዳውኒስትሪት' ዝሰናበት ዘሎ ቦሪስ ጆንሰን፡ ባዕሉ ንዝኣወጆ እገዳታት ኮቪድ-19 ጥሒሱን፡ ብጾታዊ ምስርጣይ ንዝተኸሰሰ ሓደ ኣባል ባይቶ ዓቃባውያን ተኸላኺልሉን ብዝብል'ዩ ካብ ስልጣኑ ክወርድ በቲ ሰልፊ ተወሲንሉ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ንዓቃባውያን መሪሑ፡ ድሕሪ 1987 ኣብ ምርጫ ዝዓበየ ዓወት ዘመዝገበ ጆንሰን፡ እታ ሃገር ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ከትወጽእ'ውን ዓቢ ግደ ዝነበሮ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







