ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ፡ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ምምላስ ኣገልግሎታት ክቀላጠፍ መምርሒ ምሃቡ ተገሊጹ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ምቕራብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክቀላጠፍ መምርሒ ከም ዝሃበ ተገሊጹ።

ኣማኻሪ ድሕነት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ እቲ ብኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ንዝነበሮ ጻንሒት ዝምልከት መብርሂ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ከም ዝሃበ ብትዊተር ሓቢሩ።

እቲ ትማሊ ናብ ትግራይ ዘቕንዐ ጉጅለ ልኡኽ፡ ኣብቲ ምስ መራሕቲ ህወሓት ዝተኻየደ ዘተ፡ ንመንግስቲ ወኪሎም ዝተሳተፉ ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒስተር ፍትሒ ዶክተር ጌዲዎን ጢሞቲዮስን ዝሓዘ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ሚኒስተራት፣ ላዕለዎት ሰብ መዝን ፈጻሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም፡ ፍረህይወት ታምሩን ምስቲ ጉጅለ ልኡኽ ተጓዒዞም እዮም።

ነዚ ስዒቡ፡ ፈጸምቲ ስራሕ ዝተፈላለዩ ትካላት ፌደራል፡ ኣብ ትግራይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ ዝጀመሩዎ ስራሕቲ ከቀላጥፉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ መምርሒ ከም ዝሃበ ኣምባሳደር ሬድዋን ገሊጹ።

በዚ መሰረት፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብ ጽባሕ ረቡዕ ጀሚሩ ናብ መቐለ ስሩዕ በረራ ከም ዝጅምር ሎሚ ብፌስቡክ ገጹ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ በረራ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ዝካየድ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የመልክት። እዚ፡ እቲ ዘሎ ድልየት ዓማዊል ኣብ ግምት ብምእታው ቁጽሩ ክውስኽ ከም ዝኽእል እቲ መገዲ ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ኢትዮ ቴሌኮም ኣብዚ ሰሙን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ’ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ከም ዝግበር ሓበሬታ እቲ ኣማኻሪ የመልክት።

ብዘይካ'ዚ "ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ናይሮቢ ዝተበጽሐ ምርድዳእ ክሳብ ሓሙስ፡ ከበድቲ ኣጽዋር ምርካብን ሰራዊት ምክልኻል ኣብ መቐለ ሕገ መንግስታዊ ሓላፍነቱ ምፍጻም ክቕጽል ትጽቢት ይግበር” ክብል ኣምባሳር ሬድዋን ብትዊተር ሓቢሩ ኣሎ።

ሰብ መዚ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ትማሊ ኣብ መቐለ ኣብ ዝነበሮም ዘተ፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሙሉእ ንሙሉእ ተግባራዊ ንክኸውን ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብ ትግራይ ንክወጽኡ ምሕታቱ መንግስታዊ ማእከን ዜና ኢትዮጵያ ኢቢሲ ጸብጺቡ።

እዚ፡ ሰብ መዚ ፌደራል ናብ ትግራይ ዝገበሩዎ ጉዕዞ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝዘለቐ ኲናት ብዘላቕነት ጠጠው ንምባል ኣብ ዝተገብረ ስምምዕ ወሳኒ ስጉምቲ ምዃኑ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብማሕበራዊ ሚዲያ ገሊጹ።

ብሸነክ ትግራይ፡ እቲ ስምምዕ ንምፍጻም ድልውነት ምህላው ብምግላጽ፡ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ወገናት ምትእምማን ከም ዝተፈጥረ ብምሕባር፡ “ናይዚ መርኣያ ሓደ ካብ ኣባላት እቲ ልኡኽ'ውን ናይ ቀረባ ሓለውቲ ዘይምምጽኦም እዩ" ኢሉ።

እቲ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶሪያ ዝተኻየደ ድርድር ስዒቡ ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦ፡ ኲናት ደው ከም ዝበለ ይፍለጥ።

እዚ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ከም ዘብጽሐ ይፍለጥ።