እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ መቐለ ዝበፅሑ ልኡኻት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መራሕቲ ትግራይ እንታይ ተዘራሪቦም?
ብኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኹ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ንግሆ ናብ መቐለ ምብፃሕ ኣካይዱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ’ሎ።
ኣባላት እቲ ጉጅለ ናብ ከተማ መቐለ ምስ ኣተዉ፡ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ክልልን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ኣቀባብላ ከም ዝተገበረሎም ድማ ማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣቃሊሐን።
ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተልኣኸ ጉጅለ ምስ መራሕቲ ትግራይ ኣብ እንታይ ዛዕባታት ዘትዩ? ፃንሒቱ እንታይ ይመስል ነይሩ?
ቢቢሲ ንሓደ ካብ ተላዘብቲ ትግራይ ዝኾኑ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ረኺቡ ኣዘራሪብዎም ኣሎ።
ቢቢሲ፡ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ኣትዩ’ሎሞ ዕላማ ናይዚ ምብፃሕ እንታይ እዩ?
ኣምባሳደር ወንድሙ፡ እወ ዓብዪ ጉጅለ እዩ መፂኡ። ብኣፈ ጉባኤ [ባይቶ ኢትዮጵያ] ኣይተ ታገሰ ጫፎ ዝምራሕ ልኡኽ እዩ። ነቶም ተላዘብቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣምባሳደር ሬድዋንን ጌዲዮንን ሓዊሱ ሸውዓት ሚንስትራት እውን መፂኦም’ዮም።
40 ሰብሞያ ባንኪን ቴሌኮምን ምስ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ሓላፊት ኢትዮ ቴሌኮም፡ ሓላፊ ሓይሊ መብራህቲ ዓበይቲ ሰበስልጣን እዮም መፂኦም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ መስርሕ ሰላም ዘለዎ ድልውነት ከምኡ’ውን ነቲ ስምምዕ ከተግባር ድልው ከም ዝኾነ ዘርእይ እዩ። ኣገልግሎታት ባንኪ፡ መብራህቲ፡ ስልኪን መጓዓዝያን ንምምላስ ዝገብርዎ ፃዕርታት ነጊሮምና ኣለዉ። ዝተወሰነ ቴክኒካዊ ጉዳያት ኣብ ምውጋን እዮም ዘለዉ።
ምስ ቴሌፎን ብዝተሓሓዝ ብሰንኪ ኲናት ዝተሃሰየ ፋይበራት እናፀገኑ እዮም። ዛጊድ ልዕሊ 900 ኪሎሜትር ፋይበር ፀጊኖም ኣለዉ። ስለዚ ነዚ ኣብዚ ቐረባ ከም ዝውድእዎ እዮም ነጊሮምና። ምስኡ ተታሓሒዙ ናይ ባንኪ ኣገልግሎት ክጅምር እዩ። ነቲ ናይ ባንኪ ኣገልግሎት ንምጅማር ድማ ኣስታት 18 ሰብሞያ ኣብ መቐለ ተሪፎም ኣለዉ።
ቴሌኮምን መንገዲ ኣየርን ንምጅማር እውን ተዘራሪቦም ኣለዉ። ስለዚ ዕላማኡ [እቲ መገሻ] ነቲ ዝተጀመረ ኣገልግሎታት ናይ ምጅማር ስራሕ ንምቅልጣፍ እዩ። ብወገንና ድማ ኣብቲ ሰላም ዘለና ምትእምማን ኣርኢናዮም ኢና። ተስፋ ድማ ጌርናለና።
ቢቢሲ፡ ኣገልግሎታት ናብ ዝነበሮ ምምላስ ብዝምልከት ካብ ዝተገበረ ዘተ ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ዛዕባታትከ ተዘራሪብኩም’ዶ ትኾኑ?
ኣምባሳደር ወንድሙ፡ ብርግፅ ካብዚ ዝዓብይ ነገር የለን [ጉዳይ ምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎታት]። ግን ድማ ናይ ኤርትራ ጉዳይ እውን ኣልዒልናሎም ኣለና። ዓበይቲ ዓዲ’ውን ኣዘራሪቦምዎም እዮም። ስክፍትኦም ነጊሮምዎም ኣለዉ።
ሰራዊት ኤርትራ ከይወፅአ ዘላቒ ሰላም ኣይሕሰብን። እዚ’ውን ንኸሳልጥዎ ኣዘኻኺርናዮም ኢና። ንፕረዚደንት ደብረፅዮን እውን ረኺቦም ኣዘራሪቦምዎም እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰራዊት ኤርትራን ንሓይልታት ኣምሓራን ቐልጢፉ ከውፅኦም እዩ ዝብል እምነት ፈጢርና ኣለና።
ኣብ ናይሮቢ’ውን ዝተልዓለ ጉዳይ እዩ ነይሩ። እቲ ናይ ሎሚ ዘተ ብቐንዱ ኣብ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዘትኮረ’ኳ እንተነበረ ነዚ ዛዕባ ከየልዐልናዮ ግን ኣይተረፍናን።
ቢቢሲ፡ ውዕሊ ሰላም ካብ ዝኽተም ናብ ካልኣይ ወርሑ ተፀጊዑ ኣሎ። ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ክምለሱ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት እውን ብዘይገደብ ክቐርቡ እዮም ተባሂሉ እንተነበረ’ኳ ምድንጓያት ከም ዝተረኣየ ግን ይዝረብ እዩ። እዚ ምድንጓይ መንቀሊኡ እንታይ ይኸውን? ብወገን እቶም ልኡኻት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ምኽንያት ነይሩ’ዶ ይኸውን?
ኣምባሳደር ወንድሙ፡ እቲ ፀገም ግሁድ እዩ። ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት ኣሕሊፍና ኢና። ነዚ ደማዊ ኲናት ደው ኣቢልና ናብ ንቡር ርክብና ክንምለስ ክንብል ከለና እቲ ከይዲ ቀሊል እዩ ኢልና ኣይገመትናን።
ድሕሪ እቲ ስምምዕ ረድኤት ክመፅእ፡ ኣገልግሎት እውን ብቕልጡፍ ክጅመር ድልየትና እዩ ነይሩ። ግን ድማ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉ። እቲ ሓደ ቴክኒካዊ እዩ።
እዚ ማለት ንኣብነት ስልኪ ብዝምልከት ብሰንኪ ኲናት ዝተበላሸወ ብዙሕ ፋይበር ከም ዘሎ ነጊሮምና እዮም። ስለዚ ነዚ ብኣማኢት ኪሎሜትራት ዝግመት ንምፅጋን ግዜ ከም ዝወስድ ይርዳኣና እዩ።
ባንኪ ድማ ቴሌፎን እንተዘይተዓርዩ ነቲ ኣገልግሎት ክትጅምር ኣይትኽእልን። ግን ከኣ ኣብቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት እናቐልጠፈ ኣብቶም ንሕና ዝሓዝናዮም ክደናጎይ ከሎ ምኽንያታዊ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን።
ቢቢሲ፡ ኣብቶም መንግስቲ ፌደራል ዝተቖፃፀሮም ከባብታት ብጭቡጥ ዝተመለሱ ኣገልግሎታት እንታይ እንታይ እዮም? ምስ ምጅማር ባንኪ ብዝተሓሓዝ ምሉእ ኣገልግሎት ከም ዘይተጀመረ ሓበሬታ በፂሑና’ሎ። ዓማዊል “ገንዘብ የለን” እዮም ዝብሃሉ።
ኣምባሳደር ወንድሙ፡ እቲ ምስ ኣገልግሎት ቴሌኮም ብዝተሓሓዝ ዝተጀመረ ኣናኣኢስና ኣይንሪኦን። ምስ ባንኪ ብዝተሓሓዝ ዝለዓል ግን ትኽእል እዩ።
ንሕና’ውን ነዚ ከብርሁልና ሓቲትናዮም ኔርና። ካብ ደገ ዝተልኣኸ እምበር ካብ ዝነበሮም ሕሳብ ከውፅኡ ኣይክእሉን። መንቀሊ እዚ ፀገም ከረድኡና ከለዉ ድማ ኦዲት ምግባር ከም ዘድልይ እዮም ነጊሮምና። ንኣብነት ሓደ ሰብ 100 ሽሕ ብር ኔሩኒ ኢሉ ክሓትት ይኽእል እዩ ግን ድማ ኣብ ሞንጎ ዘውፅኦ ነይርዎዶ ኣይነበሮን ምፅራይ ከድልይ እዩ።
ኦዲት ስለ ዘይተገበረ ምሉእ ኣገልግሎት ኣይጀመርናን ኢሎም ነጊሮምና እዮም። እቲ ቀንዲ ፍታሕ ግን ምስ ምጅማር ኣገልግሎት ቴሊፎን ዝተሓሓዝ እዩ። ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት ብዝሓሸ መጠን ይኣትው ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ሰሜን ምዕራብ፣ ዓድዋን ዓድግራትን ይኣትው ኣሎ።
መንድሓኒት ግን ዓብዪ ፀገም ኣሎ። ብእኹል ኣይኣትውን ዘሎ። ካብቲ ዝድለ ኣዝዩ ዝተሓተ መጠን ይኣትው ከምዘሎ ድማ ሓቢርናዮም ኣለና።
ቢቢሲ፡ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ መሬት ትግራይ ከም ዘለዉ ይፍለጥ። እዞም ሓይልታት ክወፅኡ ዘይከኣሉ ድማ ምስ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ከም ዝተሓሓዝ ይዝረብ እዩ። እቲ ምፍታሕ ዕጥቂ ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ ይርከብ?
ኣምባሳደር ወንድሙ፡ ጉዳይ ምውፃእ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ምስ ምፍታሕ ዕጥቂ ዝተሓሓዝ ኣይኮነን። ከቢድ ኣፅዋር ሰራዊት ትግራይ ኣብ ሓደ ቦታ ክእከብ እሞ ብተዓዘብቲ ክረኣይ እዩ ክግበር። ጉዳይ ፎኮስቲ ኣፅዋር እውን ገና ዝምከረሉ እዩ።
ንሕና እቲ ከበድቲ ኣፅዋር ኣዳሊናዮ ኢና ዘለና። ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ምውፃእ ምስ ጀመሩ ድማ ናብቲ ዝተዳለወ ቦታ ክነቐምጦ ኢና። እዚ ኣብ ናይሮቢ እውን ዘቲናሉ ኢና፤ ስለዚ ኣብ ቀረባ መዓልታት ክጅመር እዩ ኢልና ኢና ንኣምን። ብሓቂ ድንጉዩ እዩ።
ምስቶም ልኡኻት እውን ተዘራሪብናሉ ኢና። ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክፍፀም እዩ ኢሎምና ኣለዉ። እቲ ዝርዝር ምኽንያቶም [ዝተደናጎየሉ] ንሳቶም እዮም ዝፈልጥዎ። ንሕና’ውን ዝተወሰነ ንፈልጦ ኣለና ግን ድማ ናብ ሚድያ እንተዘይገለፅናዮ ይሓይሽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ከውፅኦም ኣለዎ። ሓንቲ ለይቲ ብዝሓደሩን ብዝወዓሉን ቁፅሪ ብዙሕ ጥፍኣት እዮም ዘብፅሑ ዘለዉ። ብሓፈሻ ክረአ ከሎ ግን እዚ ምብፃሕ ልኡኻት መንግስቲ ናብ ትግራይ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ንምጅማር ከምኡ’ውን ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ክወፅኡ ንምግባር ዘለዎም ውፉይነት ዘረጋግፅ ጌርና ኢና ንሓስቦ። ተስፋ ድማ ጌርናለና።