ኢትዮጵያ፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ፌደራል ናብ መቐለ ኣትዮም

ብኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኹ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ንግሆ ናብ መቐለ ኣቲዮ።

እቲ ጉጅለ ናብ ከተማ መቐለ ምስኣተወ፡ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ክልልን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሎም ማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣቃሊሓን።

ብኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ ትግራይ ከም ዘምርሐ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን ነይረን።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መቐለ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ብዛዕባ መስርሕ ግባራውነት ስምምዕ ሰላምን ካልኦት ጉዳያትን ኣልዒሉ ክዘራረብ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ነቲ ኣብ ሞንጐ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ህወሓትን ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ደው ዘብል ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶሪያ ከምዝተገብረ ይዝከር።

እዚ ደማዊ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ድሕሪ ምብጽሑ፡ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦ ንምግባር ዘኽእል ስምምዕ ብምፍራም እቲ ኲናት ጠጠው ክብል ክኢሉ’ዩ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣፈጻጽማኡ ብዝምልከት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝተሳተፉሉ ስምምዕ ኣብ ኬንያ ብምፍራም፡ ተግባራዊ ይግበር ከም ዘሎ ይግለጽ።

እቲ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምኽታሙ፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ፌደራል ናብ ትግራይ ክጉዓዙ እዚ ናይ ፈለማ ኰይኑ፡ እዚ፡ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ርክብ ምምሕያሹ የርኢ።

እቲ ሎሚ ናብ ትግራይ ዘመርሐ ጉጅለ ልኡኽ፡ ኣብቲ ምስ መራሕቲ ህወሓት ዝተኻየደ ዘተ ንመንግስቲ ወኪሎም ዝተሳተፉ ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒስተር ፍትሒ ዶክተር ጌዲዎን ጢሞቲዮስን ይርከቡዎም።

ብተወሳኺ፡ ሚኒስተራት፣ ላዕለዎት ሰብ መዝን ፈጻሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም፡ ፍረህይወት ታምሩን ምስቲ ጉጅለ ልኡኽ ከም ዘምርሑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ተቛሪጾም ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ገለ ከባቢታት ኣገልግሎት መብራህቲ፣ ቴሌፎንን ባንክን ከም ዝጀመረ ይግለጽ።

ዕላማ እቲ ጉጅለ ልኡኽ፡ ኣፈጻጽማ እቲ ኣብ ሞንጐ መንግስትን መራሕቲ ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምግምጋም ምዃኑ መንግስታዊ ማዕኸናት ዜና ጸብጺበን።

ብሰንበት፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ብምዃን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ካልኣይ ዘተ መስርሕ ሰላም ከም ዝገምገመ ገሊጹ ነይሩ።