እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትሕዝቶ ሳልሳይ ዙር ዝርርብ ወከልቲ መንግስቲን ህወሓትን እንታይ'ዩ?
ካብ ረቡዕ 21 ክሳብ 22 ታሕሳስ ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ሳልሳይ ርክብ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ትማሊ ሓሙስ ተዛዚሙ'ሎ።
እቲ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር ኣብ ፕሪቶርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ቀዋሚ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ንካልኣይ ግዜ ዝተገብረ'ዩ።
ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣብዚ ናይ ሕጂ ኣኼባ ከምዝተሳተፉ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓቢሩ።
ብ12 ሕዳር፡ ክልቲኦም ኣዘዝቲ ንኣፈጻጽማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ኣብ ናይሮቢ ድሕሪ ዘካየድዎ ፈላሚ ርክብ ናይ ሓባር ኣዋጅ ኣወጺኦም ምንባሮም ይዝከር።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይን ኣተገባብራኡን ዝምልከት መደብ ንኸውጽእ ዝቘመ ሓባራዊ ኮሚቴ ውጥንን ተክኒክን ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት'ውን ኣብ ከተማ ሽረ ኣኼባ ኣካይዶም ነይሮም።
እዚ ናይ ትማሊ ልዝብ፡ ብመንጎኝነት ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦቦሳንጆ፡ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚለ ምላምቦ-ንጹካን ኡሁሩ ኬንያታን ዝርከብዎ ላዕለዋይ ፓነል ኣደራደርቲ ሕብረት ኣፍሪቃ'ዩ ተሳሊጡ።
ኩሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ልዝብ፡ ሓደ ናይ ሓባር ኣካልን፡ ጉጅለ ኪኢላታትን ብምቛም ንትግባረ ስምምዕ ሰላም ናብ ምዕራፉ ከብጽሕዎ ተሰማሚዖም።
ነቲ መስርሕ ክመርሑ ዝጸንሑ ላዕለዎት ኣደራደርቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ክኸዱ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣሊጦም ኣለዉ።
ናይ ሓባር ኮሚተ
ልቲኦም ወገናት፡ ንጉዳይ ሓባራዊ ምክትታልን ምርግጋጽን ትግባረ ናይቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተበጽሐ ስምምዓት ፕሪቶርያን ናይሮቢን ብዝምልከት ኣብ ምርድዳእ በጺሖም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ንትግባረ ስምምዓት ዝከታተልን ዘረጋግጽን ወከልቲ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናትን
ላዕለዋይ ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃን ዝርከብዎ ሓባራዊ ኮሚተ ክቐውም ተሰማሚዖም።
ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርባትን ስምምዓትን ዘሳልጥ ዘሎ ላዕለዋይ ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃ (ጉጅለ ኣደራደርቲ)፡ ከምኡ'ውን ዞባዊ ወድብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ነፍሲ ወከፎም ሓደ ወኪል ኣብቲ ተቖጻጻሪ ኮሚተ ክህልዎም'ዩ።
እቲ ጉጅለ ብኣቦመንበርነት ላዕለዋይ ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ክኸውን እዩ።
እቲ ናይ ሓባር ኣካል ዝጥቀመሉ ቅጥዒታት ኣገባባትን ብዝምልከት'ውን ተሰማሚዖም ኣለዉ።
እቲ ተቖጻጻሪ ኣካል፡ ንትግባረ ስምምዓት ተኸታቲሉ ዝጎደለ ነገር እንተሎ ኣለልዩ ንምእራሙ ጸብጻብ ከቕርብ ዝቖመ'ዩ።
ኪኖ ትግባረ ስምምዓት ፕሪቶርያን ናይሮቢን ምክትታትል ድማ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ክብጻሕ ተደልዩ ዘሎ ፖለቲካዊ ልዝብ ከተባብዕን ከሳልጥን ሓላፍነት ተዋሂብዎ'ሎ።
ኣደራደርቲ ሕብረት ኣፍኢቃ ዝርከብዎ ላዕለዋይ ኣካል ድማ ነቲ ብኪኢላታት ሕብረት ኣፍሪቃን ወከልቲ ተጻባእቲ ወገናትን ንዝቐርበሉ ጸብጻባት ትግባረ ስምምዓት ተዛትዩ ፍታሕ ክረኽበሉ ትጽቢት ይግበረሉ።
መስርሕ ምውራድ ዕጥቂ ሓይልታት ህወሓት ዝፍጸመሉን፡ ብዘይፍቓድ ሓደስቲ ኣጽዋር ከይሕዙን ከየዘዋውሩን፡ ከምኡ'ውን ፈንጂ ከይተኽሉን እቲ ሓባራዊ ጉጅለ ክቆጻጸር'ዩ። ህወሓት ንካልኦት መሻርኽቶም ይኹን ካልኦት ወገናት ዕጥቂ ከይህቡ ኣካል ናይቲ ሰምምዕ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ።
እቲ ዘውረድዎ ወተሃደራዊ ዕጥቂ ኣብቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘዳለዎ ቦታታት ከምዝኣተወ ብጉጅለ ኪኢለታት ክረጋገጽ'ውን ከምዝግብኦ'ውን ስምምዕ ሰነድ ናይሮቢ ይጠቅስ።
ኪኢላታት ሕብረት ኣፍሪቃ
ነቲ ወከልቲ መንግስቲ፡ ህወሓትን፡ ላዕለዋይ ፖነል ሕብረት ኣፍሪቃ (ኦባሳንጆ፡ ኬንያታን ምልምቦ-ንጹካን ዝርከብዎ)፡ ከምኡ'ውን ወኪል ኢጋድ ዝርከብዎ ናይ ሓባር ኮሚተ፡ ዝድግፉ ኪኢላታት ክምደቡ እዮም።
ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ኪኢላታት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብ 10 ዘይውሕዱ ክኾኑ'ዮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስቲ ናይ ኪኢላታት ጉጅለ ዝሰርሑ ሰብሞያ ክምድብ ምዃኑ'ውን ኣብቲ ናይት ትማሊ ስምምዕ ተጠቒሱ'ሎ።
እቶም ኪኢላታት፡ ወተሃደራዊ ፍልጥት፡ ክእለት ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ፡ ናይ መረኻቢታትን ኣፈታትሓ ግጭታትን ተመክሮታት ዝውንኑ ክኾኑ ኣለዎም።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ እቶም ዝሓጸዮም ንመንግስቲን ህወሓትን ድሕሪ ምውካሱ። ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኣብቶም ሕጹያት ዘለዎም ርእይቶ ከቕርቡ ትጽቢት ይግበረሎም።
እቲ ጉጅለ፡ ንትግባረ ስምምዓት ንምርግጋጽ፡ ናብ ባይታ ብምኻድ ሓበሬታ ምእካብ ጸብጻቡ ከቕርብ'ዩ።
ቀንዲ ካብቶም ስምምዓት ድማ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ህወሓትን፡ ምውጻእ ናይ ወጻኢ ሃገራትን ካብ ሰራዊት ፈደራል ወጺኢ ዝኾኑ ሓይልታትን ክኸውን'ዩ።
ሰራዊት ኤርትራን ሓይልልታት ጎረቤት ክልል ኣምሓራን ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ፈደራል ብምስላፍ ኣብ ክልል ትግራይ ኣትዮም ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ክዋግኡ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ጉጅለ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ባንኪ፡ መብራህቲ፡ መራኸቢታትን ናብ ንቡር ምምላሶምንእ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቲ ክልል ምእታዉን ከረጋግጽ ሓላፍነት ተዋሂብዎ'ሎ።
ነቲ ኣመንጎኦም እቶም ተጻባእቲ ዘሎ ወጥሪ ዘጎሃህር ፕሮፖጋንዳዊ ጸለመታትን ጠቐነታትን ከይህሉ'ውን እቲ ጉጅለ ክከታተል'ዩ።
ነዚ ንምግባር፡ ድማ ንወተሃደራዊ ጉዳያት፡ ናይ ማዕዶ መከታተሊ ቴክኖሎጂ፡ ምክትታልን ኣፈታትሓ ምስሕሓባትን ዘወሃህዱ ዝተፈላለዩ ንኡሳት ኮሚታት ከቕውም'ዩ
ጉጅለ ኪኢላታት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ዘድልዮ ሓይሊ ሰብ፡ ቴክኖሎጂካዊ መሳርሒታትን ገንዘብን ብሕብረት ኣፍሪቃ ክወሃቦ'ዩ።
ጉዕዞ ኣዛተይቲ ንመቐለ
ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ትግባረ ስምምዓት ንምዕዛብን ቀጻሊ መደባት ንምስኣልን ላዕለዋይ ኣካል ኣደራደርቲ ሕብረት ኣፍሪቃ (ፓነል) ናብ መቐለ ከምርሕ ምዃኑ ኣነጺሩ'ሎ።
ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኣብቲ ኣብ ናይሮቢ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ንሱ ዝርከቦ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንትግባረ ናይቲ ስምምዕ ንምርግጋጽ "ኣብ ዝመጽእ ሒደት መዓልታት" ናብ መቐለ ክበጽሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ድሕሪ'ቲ ስምምዓት ብ24 ሕዳር ኦባሳንጆን ምላምቦ-ንጹካን ናብ ትግራይ ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ ህወሓት ተዘራሪቦም ምንባሮም ይዝከር።
ፕረዚደንት ኬንያታ፡ ብዛዕባ ምውጻእ ሓይልታት ኤርትራ ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኩሎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ክልል ትግራይ ክወጹ'ዮም፡ ኣስማት ምጥቃስ ኣየድልየናን'ዩ" ክብል ገሊጹ።
"ክልቲኦም ወገናት፡ ትግባረ ናይቲ ስምምዕ ንምክትታልን ንምቁጽጻርን ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ምሉእ ምትሕብባር ከምዝገብሩ ኣፍሊጦም ኣለዉ" ዝበለ ኬንያታ፡ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ዓመት፡ ንኢትዮጵያውያን ናይ ሰላም ዓመት ክኾነሎም ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
ብዛዕባ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ ብመትከል ደረጃ ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም ተወፋይነት ከምዝገለጹ ብምጥቃስ፡ ምሉእ ተበጻሕነት ክህሉ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐን፡ ብድሆታት እንተሊዮም ንምርኣይን ንምርግጋጽን ናብ መቐለ ይኸዱ ከምዘለዉን ሓቢሩ።