መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጽባሕ ረቡዕ ናብ መቐለ ስሩዕ በረራ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብ ጽባሕ ረቡዕ 19 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ናብ መቐለ ስሩዕ በረራ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ።

እቲ መገዲ ኣየር፡ ሎሚ ንጉሆ ብፌስቡክ ገጹ ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር መልእክቲ፡ “ካብ ጽባሕ [ረቡዕ] ጀሚሩ ናብ መቐለ ስሩዕ በረራ ምግባር ክጅምር ምዃኑ ንክቡራን ዓማዊሉ ይገልጽ” ኢሉ።

ማዕኸን ዜና ውሽጢ ሃገር ዝዀነ ኤፍቢሲ፡ ንዋና ፈጻሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው ብምጥቃስ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ’ውን፡ እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተቛሪጹ ዝጸንሐ በረራ ኣዲስ ኣበባ - መቐለ፡ ጽባሕ ክጅምር ምዃኒ ሓቢሩ።

ትማሊ፡ ብኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኹ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ህወሓትን ነበርቲ እታ ከተማን ከም ዝዘተዩ ተገሊጹ ነይሩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መቐለ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ብዛዕባ መስርሕ ግባራውነት ስምምዕ ሰላምን ካልኦት ጉዳያትን ኣልዒሉ ከም ዝተዘራረበ ድማ ተፈሊጡ።

ፈጻሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ መስፍን “ኣብ ሞንጐ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ስዒቡ፡ ሰራሕተኛታት ኣቪየሽን ናብ መቐለ ብምኻድ፡ መገዲ ኣየር መቐለ ንበራራ ምቹእ ምዃኑ ኣረጋጊጾም’ዮም” ኢሉ።

በዚ መሰረት፡ እቲ በረራ ጽባሕ ዝጅምር ኰይኑ፡ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ዝካየድ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

እቲ ብሰንኪ ኲናት ተቋሪጹ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ በረራ፡ ኣብ ኩሎም መዓርፎ ነፈርቲ ትግራይ ንምጅማር ስራሕቲ ይስርሑ ምህላዎም’ውን እቲ ፈጻሚ ስራሕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ ኣሎ።

መንግስቲ፡ ነቲ ኲናት ስዒቡ ኣብቲ ክልል ተቛሪጾም ዝነበሩ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ስልኪ፣ ባንክ፣ ኤሌክትሪክን ካልኦትን ናብ ንቡር ንምምላስ ይሰርሕ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ከተማታት ሽረ፣ ዓድዋን ኣላማጣን ኣገልግሎታት ቴሌፎንን ባንክን ከም ጀመረሩ ሓቢሩ እዩ።

ነቲ ኣብ ሞንጐ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ህወሓትን ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ደው ዘብል ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶሪያ ከምዝተገብረ ይዝከር።

እዚ ደማዊ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ድሕሪ ምብጽሑ፡ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦ ንምግባር ዘኽእል ስምምዕ ብምፍራም እቲ ኲናት ጠጠው ክብል ክኢሉ’ዩ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣፈጻጽማኡ ብዝምልከት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝተሳተፉሉ ስምምዕ ኣብ ኬንያ ብምፍራም፡ ተግባራዊ ይግበር ከም ዘሎ ይግለጽ።