ሕጽረት ሸርፊ ወጻእን ምንካይ ዓቕሚ ብርን ኢትዮጵያ እንታይ ውጽኢት ይህልዎ?

ኢትዮጵያ ኣዝዩ ውሑድ ዕቑር ሸርፊ ወጻኢ እዩ ዘለዋ።

ባንክ ዓለም፡ ኣብ 2020 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ዕቑር ትሕዝቶ ዶላርን ወርቅን እታ ሃገር፡ ኣስታት ሰለስተ ቢሊዮን ዶላር ጥራይ ከም ዝነበረ ይሕብር።

ንኣብነት፡ እታ ሃገር ምስ ጐረቤታ ኬንያ ዘለዋ ኣፈላላይ እንተርኢና፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ ኬንያ 8.3 ቢሊዮን ዶላር ነይሩዋ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት [2021] ናብ 9.4 ቢሊዮን ዶላር ዓብዩ።

ኬንያ፡ ብልማድ ጸሊም ዕዳጋ እንብሎ ዶላር ዝሽየጠሎም ድዃናት የብላን።

እኳ ድኣ፡ መንግስትን ህዝብን ዝፈልጦም መዓልታዊ ዘሎ ዝርዝር ዕዳጋ ሸርፊ ወጻኢ ሰቒሎም ብወግዒ ዶላር ዝሸጡን ዝገዝኡን ድዃናት እዮም ዘለውዋ።

ባንክታት’ውን ብተመሳሳሊ፡ ሸርፊ ወጻኢ ተሚነን ይሸጣን ይዕድጋን።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሸርፊ ወጻኢ ዝደለየ ውልቀሰብ ኰነ ትካል ናብ ባንክታት እዩ ዝኸይድ። ብፍላይ ኣምጻእቲ [Importers] ክንድ’ቲ ዝደልዩዎ መጠን ዶላር ካብ ባንክ ስለ ዘይውሃቦም፡ ናብ ጸሊም ዕዳጋ’ዮም ዝኸዱ።

ኣብዚ እዋን ዶላር፡ ኣብ ባንክን ጸሊም ዕዳጋን ዘለዎ ኣፈላላይ ኣዝዩ እናሰፍሐ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ።

ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ዶላር ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ልዕሊ 90 ብር ክሽየጥ እንከሎ ኣብ ባንክ ድማ ኣስታት 53 ብር ነይሩ።

እዚ፡ ሕጽረት ዶላር ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኢትዮጵያ ዋጋ ብር ብተደጋጋሚ ክትሕት ገይራ እያ።

ይኹን’ምበር፡ እዚ ነቲ ጸገም ዝፈትሖ ኣይመስልን። ዓለምለኸ ትካላት ገንዘብ ግን፡ ሕጂ’ውን ዋጋ ብር ክወርድ እዮም ዝደልዩ። ስለ ምንታይ?

ኢትዮጵያን ዶላርን

ቴድሮስ መኮንን፡ ክኢላ ስነ ቑጠባ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኢንተርናሽናል ግሮውዝ ሴንተር ኣብ ዝተባህለ ትካል ይሰርሕ።

ንሱ፡ ኢትዮጵያ ኣብ 2005/06 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ] ‘ኢንተርባንክ ፎሬይን ኤክስቼንጅ’ ዝተባህለ መገዲ ትጥቀም ከም ዝነበረት ይገልጽ።

እዚ ማለት፡ ዶላር መሊኡ ዝተረፎም ባንክታት፡ ዶላር ንዝሓጸሮም ባንክታት ዝህብሉ ስርዓት እዩ። ብሄራዊ ባንክ ድማ ነዚ ይቘጻጸሮ።

ሕጂ፡ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ዋጋ ዶላር፡ ኣብ ሞንጐ ባንክታት ብዝግበር ዕድግን ቑጽጽር ብሄራዊ ባንክን እዩ ዝትመን።

“እቲ ሕጊ፡ ዋጋ ዶላር ብዕድጊ’ዩ ዝውሰን ይብል። ይኹን’ምበር፡ ትሕቲ እቲ ዝድለ ከይኸውንን ከይልዕልን ብሄራዊ ባንክ ይቈጻጸሮ። እዚ ማኔጅድ ፍሎቲንግ ይብሃል” ይብል።

እንተዀነ፡ ኢትዮጵያ ቀስ ብቐስ ዶላር እናሓጸራ መጺኡ። ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ 2010/11 ባንክታት ዳርጋ ጥርሐን ተሪፈን።

ሕጂ፡ ብር ምስ ዶላር እንትነጻጸር ዘለዎ ዋጋ ብሄራዊ ባንክ’ዩ ዝትምኖ። እቲ ባንክ፡ መዓልታዊ ዶላር ብብር ክቕየር እንከሎ ክንደይ ዝኣክል ክኸውን ከም ዝግብኦ ተሚኑ ንባንክታት የቕርብ።

ይኹን’ምበር፡ እዚ ዶላር ኣብ ባንክታት ዝሽየጠሉ ዋጋ፡ ነቲ ትኽክለኛ ዋጋ ዶላር ዝውክል ኣይኮነን፤ እኳ ድኣ፡ እቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘሎ ዋጋ ዶላር’ዩ ነቲ ሓቂ ዘርኢ ዝብሉ ተንተንቲ ኣለው።

እዞም ተንተንቲ፡ ሕጂ’ውን ዋጋ ብር ክትሕት ኣለዎ ይብሉ። ዓለምለኸ ትካላት ገንዘብ’ውን፡ ዋጋ ዶላር ሓፍ ኢሉ ዋጋ ብር ክትሕት ኣለዎ ዝብል ርኢይቶ ይህቡ።

“ዲቫሉዌት ምግባር ማለት፡ ባጤራ ሓንቲ ሃገር ምስ ባጤራ ካልኦት ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ዓቕሙ ምድኻም ማለት’ዩ። ንኣብነት፡ 'ብር ምስ ዶላር ክነጻጸር እንከሎ ክንደይ ክኸውን ይግባእ' ዝብል ተመዚኑ ክትሕት ይግበር” ዝብል ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣባል ማሕበር ክኢላታት ሕሳብ ዝዀነ ጥላሁን ግርማ እዩ።

እታ ሃገር፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ክልተ ግዜ፡ ብር ምስ ዶላር ዘለዎ ተመን ዋጋ ክንኪ ገይራ እያ። መጀመርታ ብ2010 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኰይኑ፡ ኣብ 2017 ድማ ንኻልኣይ ግዜ ለውጢ ገይራ።

እንተዀነ፡ እዚ ‘ዲቫሉዌሽን’ እንታይ ዓይነት ለውጢ ኣምጺኡ ዝብል ንሰብ ሞያ ስነ ቑጠባ ዘካትዕ እዩ።

ንግዲ ኣታውን ወጻእን

ንግዲ ኣታውን ወጻእን ኢትዮጵያ፡ ዘይመጣጠን ምዃኑ፡ ሓደ ምኽንያት ምንሃር ዋጋ ዶላር ከም ዝዀነ ክኢላታት ስነ ቑጠባ ይሰማምዑ።

እዚ ማለት፡ ኢትዮጵያ ናብ ወጻኢ እትልእዀ ምህርቲ [ኤክስፖርት] ካብቲ ናብ ውሽጢ ሃገር እተእትዎ ኣዝዩ ትሑት እዩ።

ኣብ 2017፡ ፎረም ቁጠባ ዓለም ኣብ ዘውጽኦ ሓደ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ብብዝሒ፡ ኣታዊ ካብ እትገብሮም ምህርታት ሓደ ዝተጻረየ ፔትሮልየም ከም ዝኾነ የመልክት።

ትካል ንግዲ ዓለም፡ ኢትዮጵያ ነዳዲ ጥራይ ዘይኰነ መድሃኒት፣ ተሽከርከርቲ ከምኡ’ውን ድኹዒ ብብዝሒ ከም እተእቱ ብ2020 ዘውጽኦ ጸብጻብ ይገልጽ።

እዚ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ሩዝ፣ ሽኰር፣ ስርናይ ፊኖ ከምኡ’ውን ዘይቲ ኣታዊ ከም እትገብር ሓቢሩ።

ብኣንጻሩ፡ ናብ ወጻኢ እትልእዀም ምህርታት ቡን፣ ዕንበባ፣ ዓለባን ውጽኢታት ቈርበትን እዮም።

እታ ሃገር፡ ዝተፈላለዩ ምህርታት ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታው እተውጽኦ ገንዘብ፡ ምህርታት ናብ ወጻኢ ብምልኣኽ ካብ እትረኽቦ ገንዘብ ኣዝዩ ዝልዓለ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ሚዛን ንግዲ ከይመጣጠን [ትሬድ ዴፊሲት ክፍጥር] ከም ዝገበረ ኣቶ ጥላሁን ይዛረብ።

ስታቲስታ ዝተባህለ ምጣነ ሃብቲ ሃገራት ዝትንትን ድረገጽ፡ ኣብ 2022 ኢትዮጵያ ዝነበራ ኣፈላላይ ንግዲ ኣታውን ወጻእን 12 ቢሊዮን ዶላር ከም ዝበጽሐ የርኢ።

“ንግዲ ኣታውን ወጻእን ሚዛናዊ እንተዘይኰይኑ፡ ድልየት ዶላር ክንኪ’ዩ ዝብል እምነት የብለይን” ዝብል ኣቶ ጥላሁን፡ እዚ ብደረጃ ዓለም መተዓዳደጊ ዝዀነ ዶላር ዋጋኡ ንክውስኽ ምኽንያት ኰይኑ’ዩ ኢሉ።

“ብዙሓት ሸቐጣት ካብ ደገ ኣታዊ ስለ እንገብር፡ ድልየት ዶላር ወሲኹ’ዩ፤ ብዝተኻእለ መጠን እቲ ክፍተት ክጸብብ ኣለዎ”።

እቲ ክኢላ፡ ንግዲ ኣታውን ወጻእን ንምምጥጣን፡ ኢትዮጵያ ሕጂ ካብ እትልእዀ ምህርቲ ንላዕሊ ክትልእኽ ከም ዘለዋን፡ ካብ ወጻኢ ዝኣትው ገለ ምህርታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ክፈርዩን ይምዕድ።

“እቲ ጠለብ ብሓደ ግዜ ክትዓግቶ ኣይትኽእልን፤ ሰባት ጫማ ኣይትውደዩ፣ ክዳን ኣይትከደኑ፣ መድሃኒት ኣይተምጽኡ ክትብሎም ኣይትኽእልን። ግን እዚ ኹሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክፈሪ እንተኽኢሉ፡ ድልየት ዶላር እናነከየ ክመጽእ’ዩ”።

ኣብ ቀረባ፡ መንግስቲ ኣልኮላዊ መስተታትን መመላኽዒ ምህርትታትን ናብ ውሽጢ ሃገር ዘእትው ነጋዶ፡ ሸርፊ ወጻኢ ከይረኽቡ ዝኽልክል ትእዛዝ ኣውጺኡ እኳ እንተነበረ፡ ነዚ ውሳነ ብምኽላስ ገሊኦም ምህርታት ክኣትው ከም ዘፍቀደ ይዝከር።

ዲቫሉዌሽን . . .?

ክኢላ ስነ ቑጠባ ቴድሮስ፡ ዋጋ ብር ኢትዮጵያ ብመንጽር ዶላር ክዳኸም ምግባር ግቡእ ኣይኰነን ኢሎም ካብ ዝካትዑ ክኢላታት እዩ።

“ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ፈቲንናዮ ኣይሰመረን” ይብል።

ይኹን’ምበር፡ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ [ኣይኤምኤፍ] ሓዊሱ ካልኦት ትካላት፡ ኢትዮጵያ ዓቕሚ ብር ክተዳኽም [ዲቫሉዌት] ክትገብር ኣለዋ ዝብል ምኽሪ ይህቡ።

ናይዚ ምኽንያት ሓደ፡ ትኽክለኛ ዋጋ ዶላር ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘሎ’ዩ ዝብል መካትዒ ሓሳብ እዩ። እቶም ዘዘራረብናዮም ክኢላታት ግን እዚ ሓሳብ ኣይወሓጠሎምን።

ንኣብነት፡ ሃገራት ዓረብ፡ ድልየት ዶላር ክብ ክብል እንከሎ ካብቲ ዘለዎም ኽዙን ሃብቲ [ሪዘርፍ] ኣውጺኦም ናብ ዕዳጋ ከም ዝዝርግሑ፤ ወይ’ውን ትኽክለኛ ናብ ዝበሉዎ ተመን ከም ዝቕይሩ ዘረድእ ቴድሮስ፡ ኢትዮጵያ ግን እዚ ናይ ምግባር ዓቕሚ ከምዘይብላ ይገልጽ።

“ኣብ ሃገርና፡ መግብን ነዳድን ከይኸብር ብዝብል፡ መንግስቲ ካብ ዕዳጋ ወጻኢ ይኹን ሬሚታንስ [ሓዋላ] ዝመጽእ ዶላር ብሕሳር ዋጋ ገዚኡ እዩ ዝጥቀመሉ። እንተዀነ፡ በቲ ባንክ ዝተመኖ ዋጋ፡ ሕጽረት ዶላር ስለ ዘሎ ኣምጻእቲ ናብ ጸሊም ዕዳጋ ይኸዱ”።

ዓለምለኸ ትካላት ገንዘብ፡ “ዋጋ ዶላር ምስ ጸሊም ዕዳጋ ማዕረ ይኹን፤ ወይ’ውን እቲ ትኽክለኛ ተመን ኣውጽኡ” እኳ እንተበሉ፡ እዚ ክልተ ግዜ ተፈቲኑ ኣይሰመረን ክብል ኣቶ ቴድሮስ ይዛረብ።

ሰባት፡ ዶላር ዝገዝእሉ ክልተ ምኽንያት ኣሎ፤ እቲ ሓደ ኣቕሓ ካብ ወጻኢ ንምእታው ኰይኑ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ሃብቲ ንምቕማጥ እዩ።

ስለዚ ይብል ቴድሮስ፡ “ዋጋ ብር ምድኻም ማለት ሓደ ሃብቶም ብዶላር ዘቐምጡ ሰባት ንክገዝኡ፡ ካልኣይ ድማ ካብ ወጻእ ዝመጽኡ ኣቑሑ ዋግኦም ክውስኽ እዩ ዝገብር”።

በዚ ሓሳብ ዝሰማማዕ ኣቶ ጥላሁን ብወገኑ፡ “ዋጋ ዶላር ወሲኹ ኣሎ ማለት፡ መንግስቲ ካብ ወጻእ ዘእትዎም ከም ነዳዲ ዝበሉ ምህርታት ዋጋኦም ሓፍ ኢሉ ኣሎ ማለት እዩ። ንኣብነት፡ ብር ዲቫሉዌት ገይርካ ሓደ ዶላር 100 ብር ክሽረፍ እንተተገይሩ፡ ናህሪ ዋጋ ክንደየናይ ከም ዝኸውን ንገምቶ። ሰባት ልዕሊ ክጻወሩዎ ዝኽእል ነገር’ዩ ክዀኖም፡ ይብል።

ስለዚ፡ እቲ ዘሎ ኣማራጺ፡ እታ ሃገር ኣፍሪያ ናብ ወጻእ እትልእዀም ምህርታት ክውስኹ ብምግባር፡ ናይ ሸርፊ ወጻኢ ኣታዊ ሓፍ ክብል ምግባርን ካብ ወጻእ ዝኣትው ምህርታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምቕራብን ከም ዝዀነ እቶም ሰብ ሞያ የረድኡ።