እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣቦ 550 ቆልዑ ዝዀነ ሰብኣይ፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምልጋስ ደው ከብል ተኣዚዙ
ኣብ መላእ ዓለም ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብምልጋስ ኣቦ ልዕሊ 550 ቆልዑ ከምዝኾነ ዝተጠርጠረ ሆላንዳዊ፡ ዘርኢ ምሃብ ደው ከብል ተኣዚዙ።
እቲ ጆናታን ዝተብሃለ ወዲ 41 ዓመት ውልቀሰብ፡ እንደገና ዘርኡ ንምልጋስ እንተፈቲኑ፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ዩሮ ክቕፃዕ ይኽእል እዩ።
ኣብ 2017 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ዘርኢ ተባዕታይ ብምልጋስ ልዕሊ 100 ቆልዑ ከምዝወለደ ምስ ተረጋገፀ፡ ኣብ ሆላንድ ንዝርከባ ክሊኒካት ምርባሕ (ፍርያምነት) ዘርኢ ከይህብ ተኣጊዱ ነይሩ።
ጆናታን ግና ኣብ ክንዲ ደው ምባል፡ በቲ ዝተነበረሉ እግድ እንከይተዓገተ፡ ኣብ ሃገራት ወፃእን ብመገዲ ኢንተርነትን ተባዕታይ ዘርኢ ምልጋስ ቀፀለ።
ኣብ ሄግ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ፡ ክሳብ ሕዚ ዘርኢ ተባዕታይ ናይ ዝለገሰለን ክሊኒካት ዝርዝር ከቕርብ ኣዚዝዎ ኣሎ። እዚ ድማ እተን ክሊኒካት ዝተቐበልኦ ናይ ጆናታን ዘርኢ ተባዕታይ ንከወግዳ ብይን ንምሕላፍ ዝዓለመ እዩ።
እዚ ሰብኣይ፡ ንኣማኢት ደቂኣንስትዮ ከም ዘታለለ ተገሊፁ።
ብመሰረት ክሊኒካዊ መምርሕታት ሆላንድ፡ ሓደ ለጋሲ ዘርኢ ተባዕታይ ኣብ 12 ስድራቤታት፡ ኣቦ ልዕሊ 25 ቆልዑ ክኸውን ኣይኽእልን።
ይኹን’ምበር ዳያኑ ቤት-ፍርዲ፡ ጆናታን ኣብ 2007 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዘርኢ ተባዕታይ ምልጋስ ካብ ዝጅምር ንነዘ፡ ካብ 550 ክሳብ 600 ቆልዑ ክውለዱ ከም ዝሓገዘ ገሊፆም።
ጆናታን፡ ብልግሲ ተባዕታይ ዘርኢ ንዝተወለዱ ህፃናት ብዝሕለቕ ፋውንዴሽንን፡ ብናህቱ ዘርኢ ከምዝወለደት ትገልፅ ኣደን እዩ፡ ናብ ቤት-ፍርዲ ተወሲዱ።
ወሃቢቃል እቲ ቤት-ፍርዲ ገርት-ማርክ ስሜልት፡ “እቲ ቀንዲ ነጥቢ፡ እዚ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ብኣቦ ኣሓትን ኣሕዋትን ዝኾኑ ዘለዎ መርበብ ዝምድና ኣዝዩ ዓብይ እዩ” ኢሉ።
ካብቶም እዚ ውልቀሰብ ዝወለዶም ቆልዑ እቶም ልዕሊ 100 ዝኾኑ ኣብ ክሊኒካት ሆላንድ ዝተወለዱ እንትኾኑ፡ ካልኦቶም ድማ ብውልቂ ዝተወለዱ እዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ናህቱ ዘርኢ ተባዕታይ ናብ ብዙሓት ሃገራት ንዘከፋፍል ሓደ ናይታ ሃገር ክሊኒክ እውን ለጊሱ እዩ።
ዳኛ ቴራ ሄሰሊንክ፡ “እዚ ፍርዲ፡ ተኸሳሲ ንካልኦት ስድራ ዘርኢ ተባዕታይ ከይልግስ ዝኽልክል እዩ” ኢላ።
እቲ ብይን፡ ጆናታን “ንመፃኢ ስድራ ክኾኑ ምስ ዝደልዩ ሰባት ክራኸብ፣ ዝህቦ ኣገልግሎት ከወዓውዕ ኰነ ክወልዱ ንዝደልዩ ስድራ ምስ ዘራኽብ ዝኾነ ይኹን ትካል ክራኸብ ኣይፈቅድን” ክትብል፡ እታ ዳኛ ወሲኻ ገሊፃ።
ተኸሳሲ ጆናታን፡ ውላድ ንክረኽቡ ንዝብህጉ ወለዲ፡ ቅድሚ ሕዚ ክንደይ ከም ዝወለደ “ኮነ ኢሉ ስኑዕ ሓበሬታ” ከም ዝሃበ ድማ እዚ ኣብ ሄግ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ኣፍሊጡ።
እቲ ቤት-ፍርዲ፡ “ኩሎም እዞም ወለዲ፡ ደቆም ብዘይ ድሌቶም፡ ናይቲ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኣሓትን ኣሕዋትን ዘለዎ ዝዓበየ መርበብ ዝምድና ኣካል ከም ዝኾኑ ምስ ሓቂ ተፋጢጦም ኣለዉ” ኢሉ።
እዚ ከኣ ኣብቶም ቆልዑ፡ ኣሉታዊ ስነ-ኣእምራውን ስነ-ልቦናውን ከም ዘለዎን ወይ ክህልዎ ከም ዝኽእልን ገሊፁ።
ክልተ ኣሕዋት እንከይፈለጡ ሰብኣይን ሰበይትን ዝኾኑሉን ቆልዑ ዝወልድሉን ዕድል ንምንካይ፡ ለገስቲ ዘርኢ ተባዕታይ ኣገልግለቶም ዘቕርብሉ ግዘ ክድርቱ ይንገሮም።
ሆላንድ ቅድሚ ሕዚ እውን ተመሳሳሊ ፅያፋት ፍርያምነት (ምርባሕ) ኣጋጢምዋ ነይሩ።
ኣብ 2019፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዘርኢ ብዘይፍቓድ ኣብ ተሓከምቲ ብምድቓል ዝተኸሰሰ ሓደ ሆላንዳዊ ዶክተር ፍርያምነት፡ ኣቦ 49 ቆልዑ ምዃኑ ተረጋጊፁ እዩ።