ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ንዕዉታት ዝወሃብ ማልያታት ትርጕሙ ትፈልጡዎ'ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ካብ 21 መድረኻት ዘለዎ ካብ 29 ሰነ 2024 ጀሚሩ ሰንበት 21 ሓምለ 2024 ዝተዛዘመ ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ ታሪኽ እቲ ውድድር ዓበይቲ ሓደስቲ ታሪኽ ኣመዝጊቡ ተዛዚሙ።
ኣብዚ ውድድር ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ቢንያም ግርማይ ኣብቲ ልዕሊ 120 ዓመት ዘቍጸረንን ንመበል 111 ግዜ ዝተኻደን ቱር ዲ ፍራንስ 2024 ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ተዓወታይ ቀጠልያ ማልያ ብምዃን ታሪኽ ክሰርሕ ከም ዝኸኣለ ክንገር ቀንዩ እዩ።
ብዘይካ'ዚ ቢንያም፡ ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ በቲ ሎሚ ዓመት ዘመዝገቦ ሰለስተ ናይ መድረኽ ዓወታት፡ ኣብቲ ውድድር ቀዳማይ ሰለስተ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ ክኸውን’ውን በቒዑ’ዩ።
እቲ ካልእ ኣብዚ ውድድር ዝተመዝገበ ሓድሽ ክብረ ወሰን፡ እንግሊዛዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን ማርክ ካቫንዲሽ፡ በታ ሎሚ ዓመት ዘመዝገባ ሓንቲ ናይ መድረኽ ዓወት ተሓጊዙ፡ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ 35 ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ እንኮ ተቐዳዳማይ ብምዃን ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊቡ። ኣብ 60ታትን ኣብ 70ታትን ዝወዳደር ዝነበረ ቤልጂማዊ ማርከስ ኤዲ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ 34 ናይ መድረኽ ዓወታት ኣመዝጊቡ ዝነበረ ተቐዳዳማይ’ዩ።
ኣብዚ ብሰንበት ዝተዛዘመ ቱር ዲ ፍራንስ 2024 ኣብ ብጫ ማልያ ተቐዳዳማይ ዩኤኢ ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻ ቀዳማይ ብምዃን ውድድሩ ክዛዝም እንከሎ፡ ዴንማርካዊ ጆናስ ቪንገጋርድ ካልኣይ፡ ቤልጂማዊ ሬምኮ ኤቨንፖል ከኣ ሳልሳይ ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ኣብ ቀጥልያ ማልያ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ብ387 ነጥቢ ቀዳማይ፡ ቤልጂማዊ ጃስፐር ፍሊፕሰን ብ354 ካልኣይ ፈረንሳዊ ብርያን ኮካርድ ከኣ ብ208 ነጥቢ ሳልሳይ ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ኣብ ንኣንበሳ ዓቐበት ትወሃብ ነጠብጣብ ማልያ ኢኳዶራዊ ሪቻርድ ካራፓዝ ብ127 ቀዳማይ፡ ታደይ ፖጋቻ ካልኣይ፡ ጆናስ ቪንገጋርድ ሳልሳይ።
ኣብ ጻዕዳ ማልያ ከኣ ቤልጅማዊ ሬምኮ ኤቨንፖል ቀዳማይ፡ ካርሎስ ሮድሪገዝ ካልኣይ፡ ማትዮ ጆርገንሰን ሳልሳይ ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
እተን ዕዉታት ዝሽለምወን ማልያታት ትርጕመን እንታይ እዩ
ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ 1903’ዩ ጀሚሩ፡ ኣብ ቀዳማይን ኣብ ካልኣይን ኲናታት ዓለም ብድምር ንዓሰርተ ዓመታት ዝተቋረጾ ገዲፍካ ሎሚ ዓመት ንመበል 111 ግዚኡ’ዩ ተኻይዱ።
ኣብዚ ውድድር ከኣ ኣርባዕተ ማልያታት ንሽልማት ዝወሃባ ኣለዋ፡ ብጫ፡ ቀጠልያ፡ ቀይሕ ነጠብጣብ ዘለዋ ጻዕዳ ዝምድራ ማልያን ጻዕዳ ማልያን እየን።
ኣብዚ ውድድር ተቐዳደምቲ ኣብ 21 መዓልታት ብሓፈሻ ኣስታት 3500 ኪሎሜተር’ዮም ዘዊሮም።
ብጫ ማልያ ነዚ 3500 ኪሎሜተር ብዝወሓደ ግዜ ንዝወድአ ተቐዳዳማይ’ያ ትወሃብ።
እዚ ሎሚ ዓመት ኣብ ብጫ ማልያ ቀዳማይ ኰይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ታደይ ፖጋቻ ከኣ ነዚ 3500 ኪሎሜተር ኣብ 83 ሰዓታት፡ 38 ደቂቕን 56 ካልኢትን ብምዝዛም’ዩ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ክኸውን ክኢሉ።
እቲ ኣብ ብጫ ማልያ ካልኣይ ኰይኑ ዝዛዘመ ጆናስ ቪንገጋርድ ከኣ ካብ ታደይ ፖጋቻ ብ6 ደቂቕን 17 ካልኢት ድሒሩ’ዩ ውድድሩ ዛዚሙ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እታ ሎሚ ዓመት ቢንያም ግርማይ ሓድሽ ታሪኽ ብምጽሓፍ ዝተዓወተላ ቀጠልያ ማልያ ከኣ ነቲ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድርን ኣብ መንጐ ጸወታ ንዝተሰርዐ ነጥቢ ዘውህብ ሕንጻጽ ዝበዝሐ ነጥቢ ንዘዋህለለ እትወሃብ ማልያ’ያ።
ኣብዚ ውድድር ከኣ ቢንያም ሰለስተ ግዜ ቀዳማይ፡ ክልተ ግዜ ካልኣይ፡ ሓንሳብ ራብዓይ ክልተ ግዜ ከኣ ታሽዓይ ብምውጻእ፡ ኣብ መንጐ ጸወታ ኣብ ዝነበረ ነጥቢ ዘውህብ ሕንጸጽ ከኣ ብሓፈሻ 148 ነጥቢ ብምውህላል ብድምር 387 ነጥቢ ሒዙ’ዩ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ክኸውን ክኢሉ።
ንቢንያም ተኸቲሉ ኣብ 2023 ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ እዚ ውድድር ዝነበረ ቤልጂማዊ ጃስፐር ፍሊፕሰን ብ33 ነጥቢ ድሒሩ ብ354 ካልኣይ ኰይኑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀይሕ ነጠብጣብ ዘለዋ ማልያ ከኣ ኣብ ምሕኳር ዓቐበት ንዝበለጸ ተቐዳዳማይ እትወሃብ ማልያ ኰይና፡ ብሓፈሻ ኣብ 21 መድረኻት ኣብ ዝተሰርዐ ዓቐበታት ዝበዝሐ ነጥቢ ንዘዋህለለ ተቐዳዳማይ እዛ KING of Mountain ተባሂላ እትጽዋዕ ማልያ ትወሃቦ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ዲ ፍራንስ ከኣ ኢኳዶራዊ ሪቻርድ ካራፓዝ ብ127 ቀዳማይ፡ ታደይ ፖጋቻ ብ102 ነጥቢ ካልኣይ ጆናስ ቪንገጋርድ ከኣ ብ70 ነጥቢ ሳልሳይ ኰይኖም ተዓዊቶም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጻዕዳ ማልያ ከኣ ንብሉጽ መንእሰይ እትወሃብ ማልያ ኰይና፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብዚ ውድድር ዓወት ንዘየመዝገቡ ዕድመኦም ትሕቲ 26 ዓመት ንዝዀኑ ተቐዳደምቲ ትወሃብ።
ኣብዛ ማልያ ካብቶም መንእሰያት ኣብ 21 መዓልታት ነቲ 3500 ኪሎሜተር ብዝወሓደ ግዜ ንዝወደኦ ተቐዳዳማይ’ያ ትወሃብ።
ኣብ ብጫ ማልያ ሳልሳይ ኰይኑ ውድድሩ ዝዛመን ኣብዚ ውድድር ንመጀመርታኡ ዝተሳተፈን ቤልጂማዊ ሬምኮ ኤቨንፖል ከኣ ብ83 ሰዓታት፡ 48 ደቂቕን 15 ካልኢትን ብምውዳእ ተዓዋቲ ጻዕዳ ማልያ ኰይኑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ንዝተዓወቱ ዝወሃብ ገንዘባዊ ሽልማት ክንደይ’ዩ?
ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ ብጫ ማልያ እቲ ኣብ 2020 ከምኡ ከኣ 2021 ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ስሎቬንያዊ ታደይ ፖጋቻ’ዩ።
ፖጋቻ፡ ብዘይካ'ዚ ኣብ ሓሙሽተ መድረኻት እቲ ዓመት ቀዳማይ ብምውጻእ’ውን ዝያዳ ኵሎም ተቐዳደምቲ ክደምቕ ክኢሉ’ዩ።
ቅድድም ብሽክለታ ምስ ከም ኩዕሶ እንርእዮ ካልእ ዓይነት ስፖርትን ውድድርን ብምዝማድ ሃልኩ ከቢድ ክንሱ እቲ ዝወሃብ ሽልማት ግን ውሑድ’ዩ ኢልካ ክግለጽ ይከኣል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ውድድር ብሓፈሻ 2.3 ሚልዮን ዩሮ’ዩ ንሽልማት ተዳልዩ፡ ካብዚ እቲ 20 ሚእታዊት ማለት እቲ ፍርቂ ሚልዮን ዩሮ ንተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዝወሃብ እዩ።
ኣብ ብጫ ማልያ ብሓፈሻ ንቀዳማይ ፍርቂ ሚልዮን ዩሮ፡ ንካልኣይ 200 ሽሕ፡ ንሳልሳይ 100 ሽሕ፡ ንራብዓይ 70 ሽሕ፡ ንሓምሻይ 50 ሽሕ፡ ንሻድሻይ 23 ሽሕ፡ ንሻውዓይ 11500፡ ንሻሙናይ 7600፡ ንታሽዓይ 4500 ንዓስራይ 3800 ዩሮ ከምኡ እናበለ መበል 20 ኰይኑ ውድድሩ ንዝዛዘመ 1000 ዩሮ ይወሃብ።
ኵሎም ነዚ 21 መድረኻት ዝዛዘሙ ተጻወትቲ ከኣ ነፍሲ ወከፎም 1000 ዩሮ ሽልማት ኣለዎም።
ናይ መድረኽ ዝተዓወቱ ከኣ ንቀዳማይ 11 ሽሕ ዩሮ፡ ካልኣይ 5500፡ ሳልሳይ 2800፡ ራብዓይ 1500፡ ሓሙሻይ 830 ዩሮ እናበለ ካብ 15 ክሳብ 20 ደረጃ ንዝወጽኡ’ውን ነፍሲ ወከፎም 300 ዩሮ ሽልማት ይወሃቦም።
ኣብ ቀጠልያ ማልያን ንኣንበሳ ዓቐበትን ዝተዓወቱ፣ ነዚ 21 መድረኻት ዝዛዘሙ ተቐዳደምቲ ነፍሲ ወከፎም 25 ሽሕ ዩሮ ሽልማት ኣለዎም።
ኣብ ክልቲኡ ማልያታት ንኻልኣይ 15 ሽሕ፡ ሳልሳይ 10 ሽሕ፡ ራብዓይ 4000 ሽሕ፡ ሓምሻይ 3500፡ ሻዱሻይ 3000፡ ሻውዓይ 2500፡ ሻሙናይ ከኣ 2000 ዩሮ ሽልማት ይወስዱ።
ኣብ ናይ መንእሰያት ተዓዋቲ ጻዕዳ ማልያ ከኣ እቲ ብገፊሕ ፍልልይ ቀዳማይ ኰይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ቤልጂማዊ ሬምኮ ኤቨንፖል 20 ሽሕ ዩሮ ክሽለም እንከሎ፡ ካልኣይ 15 ሽሕ ዩሮ፡ ሳልሳይ 10 ሽሕ ዩሮ ራብዓይ ከኣ 5000 ዩሮ ሽልማት ይወስዱ።
ብዘይካ'ዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ ዝበለጸ ጸወታ ዘርኣየ ተጻዋታይ 2000 ዩሮ ይሽለም፤ ኣብ ምሉእ ውድድር ዝበለጸ ተሃላላኻይ ኰይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ተቐዳዳማይ ከኣ 20 ሽሕ ዩሮ ሽልማት ይወስድ።
ብጋንታ ቀዳመይቲ ዝዀነት ክለብ 50 ሽሕ ዩሮ ሽልማት ይወሃባ። እዚ ከኣ ኣብ መንጐ ተቐዳደምቲ ናይታ ጋንታ ዝምቀል’ዩ።
በዚ መሰረት ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ዲ ፍራንስ ሽዱሽተ መድረኻት ብምዕዋት ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዝኾነ ታደይ ፖጋቻ ብሓፈሻ 806 ሽሕን 810 ዩሮ ሽልማት ብምርካብ ርእሲ ኩሎም ተቐዳደምቲ ክኸውን እንከሎ፡ ሩምኮ ኤቨንፖል 248 ሽሕን 860 ዩሮ ሽልማት ረኺቡ።
ቢንያም ግርማይ ከኣ ካብ 85 ክሳብ 90 ሽሕ ዩሮ ሽልማት ከምዝረኸበ ይግለጽ።
ውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ብኸመይ’ዮም ዝፈላለዩ?
ልክዕ ከምቲ ፊፋ ንውድድራት ኩዕሶ እግሪ ዘመሓድሮ እቲ ንቅድድም ብሽክለታ ዘመሓድርን ዘካይድን ዩሲኣይ ንውደድር ደረጃታት ዝስይመይሉን ዝድርጀሉን ናቱ ኣገባባት ኣለዎ።
ንኣብነት 2.UWT፡ 1 pro፡ 2.1፡ 2.2 እናበለ እዩ ዝሰርዖ።
መጸውዒኡ 1 ኢሉ ዝጅምር ውድድር ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ዘመልክት ክኸውን እንከሎ፣ 2 ኢሉ ዝጅምር እንተዀይኑ ከኣ ንልዕሊ ኣርባዕተ መድረኻት ዝካየድ ውድድር’ዩ ዘመልክት።
ንደረጃ ውድድር ንምግላጽ ከኣ ዎርልድ ቱር፡ ፕሮ፡ 2.1 ከምኡ ከኣ 2.2 እናበለ ካብ ዝልዓለ ናብ ዝተሓተ ይስራዕ።
ብደረጃ ዓለም ከኣ ብዎርልድ ቱር ዝስራዕ ሰለስተ ውድድራት ጥራይ’ዩ ዘሎ፡ ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ ቱር ደ ፍራንስ፡ ኣብ ስጳኛ ዝካየድ ቮልታ ስጳኛ ከምኡ ከኣ ኣብ ጣልያን ዝካየድ ጂሮ ዲ ኢታሊ ኰይኑ ነፍሲ ወከፉ 21 መድረኻት ዘለዎ’ዩ።
እቲ 1 pro ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውድድር ንሓደ መዓልቲ ዝካየድ ውድድር ኰይኑ ንጽፈቱን ዓይነት ውድድሩን ርእዩ ዩሲኣይ’ዩ እቲ ደረጃ ዝህቦ።
2.1 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውድድር ክሳብ ሸሞንተ መድረኻት ዘለዎ ጸወታ ኰይኑ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብደረጃ 2.1 ዝስርዑ ውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ክልተ ጥራይ’ዮም ዘለዉ፤ ዙር ሩዋንዳን፡ ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጐ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዙር ጋቦንን።
እቲ 2.2 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውድድር ካብ 2.1 ዝተሓተ ደረጃ ዘለዎ ኰይኑ ሓሙሽተ መድረኻት ዘለዎ ውድድር’ዩ።
ዙር ሩዋንዳ ኣብ 2019 ካብ 2.2 ናብ 2.1 ካብ ዝመሓየሽ ኣብ ዘካየዶ ሽዱሽተ ውድድራት ነቲ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ’ዮም ተዓዊቶምሉ።
ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2020 ከምኡ ከኣ 2022 ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣብ 2024 ሄኖክ ምሉብርሃን።
ነዚ ውድድር ኣብ 2021 ስጳኛዊ ክሪስትያን ሮድሪገዝ ኣብ 2024 ከኣ እንግሊዛዊ ጆሴፍ ብላክሙር’ዮም ተዓዊተምሉ።
ኣብ ዙር ጋቦን’ውን እንተዀነ ኤርትራውያን ቀሊል ዘይኰነ ታሪኽ’ዮም ሰኒዶም ዝርከቡ። ናትናኤል ብርሃን ኣብ 2014 ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ቢጫ ማልያ እቲ ውድድር ክኸውን ዝኸኣለ ኤርትራዊ’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







