እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና ብጃክ ማ ንዝውነን ትካል ከባቢ 1 ቢልየን ዶላር ቀጺዓ
ቻይና ኣብ ልዕሊ እቲ ብ ጃክ ማ ዝውነን ትካል ‘ኣንት ግሩፕ’ ዝርከቦም ኩባንያታት፡ ናይ ልዕሊ 1 ቢልየን ዶላር መቕጻዕቲ ከምዝበየነት ገሊጻ።
እቶም ኩባንያታት ሕጋጋት ምክልኻል ዓማዊልን ካልእን ከምዝጠሓሱ መንግስቲ እታ ሃገር ሓቢሩ።
መንግስቲ ብኦንላይን ዝፍጸም ክፍሊታት ዘሎ ምቁጽጻር ንምሕያል ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ብጃክ ማ ዝውነን ‘ዓሊፔይ’ ሓደ ካብቶም ዕላማ ዝኾኑ ትካላት እዩ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ኣንት ግሩፕ ዝተበየነ መቕጻዕቲ ምህጋር “ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዝተረኽበ” ልዕሊ 550 ሚልዮን የን (76 ሚልየን ዶላር) ከምዘጠቓልል እቲ ማእከላይ ባንክ ሓቢሩ።
ብኣማኢት ሚልዮናት ንዝቑጸሩ ዓማዊልን ንኣሽቱ ትካላትን ልቃሕ፡ ኢንቨስትመንትን ኢንሹራንስን ዝህብ ኣንት ንመምርሒታት መቕጻዕቲ ከኽብር ምዃኑ ገሊጹ።
ድሕሪ እቲ መግለጺ፡ ቀንዲ ወናኒ ኣንት ዝኾነ ኩባንያ ዓሊባባ ኣብ ኣሜሪካ ዝተመዝገበ ብርክታቱ ብ10 ሚእታዊት ክብ ክብል ተራእዩ። እዚ ከኣ እቲ መንግስቲ ቻይና ክወስዶ ዝጸንሐ ስጉምቲ ምዝዛሙ ብምግላጹ ዝሰዓበ ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ብሰንኪ ብዛዕባ ሓደገኛ ልቓሕን ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ዝሓየለ ምቁጽጻር ክህሉ ጸቕጢ ይገብር ብምንባሩ ዝለዓሉ ሕቶታትን ናይ ኢንቨስትመንት መጻኢታት እቲ ቻይናዊ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ጽልግልግ እዩ ኢሉ ኔሩ።
መንግስቲ፡ ልቓሕ ወሲድካ ምስዋርን ኣብ ብሕታዊ ጽላት ዘሎ ልቃሕ ስክፍታታቱ ድሕሪ ምግላጹ፡ ምትንሳእ ኣንት፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝዕብለል ፋይናንስያዊ ባይታ እታ ሃገር ብሰፊሑ ከም ስግኣት እዩ ዝርአ።
ብዘይካ’ዚ እታ ሃገር ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ምክልኻል ሓበሬታን ምውድዳርን ኣብ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ናብ ትካላት ቴክኖሎጂ ዝዓለሙ ሓደስቲ ሕጋጋት ኣተኣታትያ እያ።
ኣብ 2021 ኣብ ዓሊባባ ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ በይነ-ዕብለላ መርመራ፡ 2 ነጥቢ 8 ቢልየን ዶላር መቕጻዕቲ ከፊሉ እዩ። ካብ መንጎ እቶም ዝተቐጽዑ ትካላት፡ ቻይናዊ ኩባንያ ታክሲ ዲዲን መግቢ ዘበጻጽሕ ትካል መይቱዋን ይርከብዎም።
ኣብቲ ብዓርቢ ዝተገለጸ መቕጻዕቲ፡ ተቐናቓኒ ኣንት ግሩፕ ዝኾነ ‘ቴንሰንት’ እውን ክቕጻዕ እንከሎ 415 ሚልየን ዶላር ክኸፍል እዩ።
ኣቦ መንበር ቴንሰንት ማ ሃውተንግ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሕጂ መንግስቲ ናብ “ምሕጋዝን ምትብባዕን ኩባንያታት” ክሰግር ከምዝትስፎ ተዛሪቡ።
ኣብ 1999 ንዓሊባባ ድሕሪ ምምስራት ቢልየነር ዝኾነ መምህር ቋንቋ እንግሊዝ ነበር ጃክ ማ፡ ኣብ ጥሪ ካብ ሓላፍነት ኣንት ግሩፕ ክወርድ እንከሎ፡ ንነዊሕ እዋን ከይተርኣየ ጸኒሑ ኣብ መጋቢት እዩ ኣብ ቻይና ተራእዩ።