ኢራን ንቕትለት መራሒ ሓማስ ኣብ ‘ልክዕ ግዜኡ’ ሕነ ክትፈዲ ምዃና ኣፍሊጣ

ግዝያዊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ባቐሪ ዓሊ ባገሪ ካኒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ግዝያዊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጽዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ኣብ ዝዓሰለሉ ኣብዚ እዋን፡ ሃገሩ ንቕትለት መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ ኣብ “ልክዕ ግዜኡ” ብ “ግቡእ” ኣገባብ ምላሽ ከም እትህብ ኣፍሊጡ።

ንሱ ነዚ ዝገለጸ ውድብ እስላማዊ ምትሕግጋዝ፡ ኢራን ነቲ ቅትለት ኣብ እትህቦ ምላሽ ንምዝታይ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ’ዩ።

ኣመሪካ፡ ኣባላት እቲ ዝበዝሐ ህዝበን እስላም ዝዀና ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቍፍ ውድብ፡ ኢራን "ነቲ ግጭት ዘጋድድ ስጕምትታት" ከይትወስድ ከጠንቅቓኣ ተስፋ ከምዘለዋ ገሊጻ።

እስማዒል ሃኒየ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቴህራን ካብ ዝቕተል ንደሓር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ወጥሪ ሓይሉ’ሎ። ኢራንን መሻርኽታን ንእስራኤል ተሓታቲት'ኳ እንተገበራኣ መንግስቲ በንጃሚን ነታንያሁ ግን ርእይቶ ኣይሃበን።

እቲ ብረቡዕ 7 ነሓሰ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ ጅዳ ዝተገብረ ህጹጽ ኣኼባ ውድብ እስላማዊ ምትሕግጋጋዝ፡ ብመሰረት ካብ ሰበስልጣን ኢራንን ፍልስጤምን ዝቐረበ ሕቶ እዩ ተኻይዱ።

ግዝያዊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ባቐሪ ዓሊ ባገሪ ካኒ ንኣባላት እቲ ውድብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢራን ነቲ ቅትለት ንእትህቦ ግብረመልሲ ከም ዝድግፉ “ትጽቢት ይግበር” ኢሉ።

"ስጕምቲ ኢራን ናይ ገዛእ ርእሳ ልኡላውነትን ሃገራዊ ድሕነትን ንምውሓስ ጥራይ ዘይኮነስ ምርግጋእን ድሕነትን መላእ እዚ ዞባ'ውን ንምርግጋጽ እዩ" ኢሉ።

ውድብ እስላማዊ ምትሕግጋዝ ጸኒሑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንእስራኤል በቲ "ጭካነ ዝመልኦ መጥቃዕቲ" ዝበሎ ቅትለት "ምሉእ ብምሉእ ተሓታቲት" ዝገበረ ኰይኑ፡ እዚ ድማ "ከቢድ ምግሃስ" ልኡላውነት ኢራን ክብል ገሊጽዎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንዝዀነ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኢራን ካብ ምድጋፍ ግን ተዓቂቡ።

ኢራን ኣብ ሚያዝያ 2024 ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማስያዊ ቀጽራ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ልዕሊ 300 ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ናብ እስራኤል ከምዝተኰሰት ይዝከር።

ዳርጋ ኵሎም ከኣ ተመኪቶም እዮም። ኣብዚ እዋን እውን እታ ሃገር እትህቦ ምላሽ ተመሳሳሊ መልክዕ ክሕዝ ከምዝኽእል ብዙሓት ስግኣቶም ይገልጹ።

ኣቦ መንበር ውድብ እስላማዊ ምትሕግጋዝ ማማዱ ታንጋራ፡ ቅትለት ሃኒየ “ንመላእ እቲ ዞባ ከሳትፍ ዝኽእል ሰፊሕ ግጭት” ከስዕብ ተኽእሎ ከምዘለዎ ስክፍታኡ ይገልጽ።

እቲ ቅትለት፡ "ንዕላማ ቃልሲ ፍልስጤም ዝዓግት ዘይኰነስ ዘደልድሎ እዩ" ኢሉ።

ስዑዲ ዓረብ እውን ብዛዕባ እቲ ቅትለት ንፈለማ እዋን ትማሊ ረቡዕ ርእይቶኣ ዝሃበት ኰይና፡ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ወሊድ ኣል-ኩራይጂ "ግሁድ ምጥሓስ" ልኡላውነት ኢራን እዩ ክብል ነቲ ተግባር ነቒፉ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማቲው ሚለር፡ ኣመሪካ ኵሎም ምስ ኢራን ዝምድና ዘለዎም ወገናት ንነገራት ከጓሃህር ዝኽእል ስጕምቲ ከይትወስድ ጸቕጢ ክገብላ ሓቲቱ’ሎ።

ሚለር፡ ኣመሪካ ምስ ገለ ኣባላት እቲ ውድብ ርክብ ከምዝነበራ ብምሕባር "ምግዳድ ወጥሪ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ከምዘጓሃህሮ ሰፊሕ ምርድዳእ" ከምዘሎ ገሊጹ።

ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ካብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ጀሚሩ ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ከኣ ትማሊ ሰሉስ ምስ መራሕቲ ዮርዳኖስ፣ ቐጠርን ግብጽን ብተሌፎን ተዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ብወገኑ ብረቡዕ ምስ ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፔዘሽክያን ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ኢራን ነቲ ኵነታት እንተጓሃሂራቶ “ንዞባዊ ምርግጋእ ብቐጻሊ ክጐድእ እዩ” ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፔዘሽክያን፡ ንማክሮን ኣብ ዝሃቦ መልሲ ምዕራባውያን ሃገራት ኲናት ክከላኸሉ እንተደልዮም ንእስራኤል "ኣጽዋር ምሻጥን ምድጋፍን ብቕልጡፍ" ደው ከብሉ ኣለዎም ምባሉ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።