ሓንቲ ቻይናዊት ካብ ፓሪስ ብዝተሰርቀ ዋጋ 1.7 ሚልዮን ዶላር ወርቂ ተኸሲሳ

ሓንቲ ቻይናዊት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ቤተመዝክር 'ናቹራል ሂስትሪ' ፓሪስ ብዝተሰርቀ ኣስታት 1.75 ሚልዮን ዝዋግኡ ሽዱሽተ ዕኳር-ወርቂ ተኸሲሳ ምህላዋ ኣኽበርቲ ሕጊ ፈረንሳ ገሊጾም።

ነቲ ወርቂ ኣምኪኻ ክትቅይሮ ኣብ ዝፈተነትሉ ኣብ ባርሴሎና ከም ዝተታሕዘት ሰበስልጣን ሓቢሮም።

ኣላርምን ካሜራታትን ናይቲ ቤተመዘክር ብናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ከም ዝተዓጽወ፤ እቶም ሰረቕቲ ድማ ነዚ ዝፈልጡ ይመስሉ ክብላ ኣብቲ እዋን'ቲ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን ነይረን።

እቲ ቤተመዝክር፡ ብሓያሎ እንስሳታትን እኩብ ኣዕጽምትን እዩ ዝፍለጥ።

ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ጸራቢት-ማሽንን መናፍሕን ከም ዝረኸቡ ገሊጾም።

ወሃቢ-ቓል ናይቲ ቤተመዘክር ንጋዜጣ 'ለ ፊጋሮ' ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቶም ሸፋቱ ኣዝዮም ምኵራትን ጽቡቕ ሓበሬታ ዝነበሮምን እዮም፡" ድሕሪ ምባል፡ ኣብ 2024 ኣብ ዝተገብረ ገምጋም ሃጓፋት ጸጥታ ዘይተለለየ ጕድለት ከም ዝመዝመዙ ገሊጹ።

ሰራሕተኛታት ጽሬት ቅድሚ ምውግሑ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ እዮም ስርቂ ከም ዝተፈጸመ ፈሊጦም። እቲ ቤተመዝክር ኣካል ዩኒቨርሲቲ ሶርብን ኰይኑ፡ ኣብ ጥቓ ጃርዲን ደስ ፕላንስ ኣብ ማእከል ፓሪስ ይርከብ።

እታ ጥርጥርቲ ብ30 መስከረም ብናይ ኤውሮጳ ትእዛዝ ማእሰርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወትን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ንፈረንሳ ከም ዝተረከበን ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

ኣብ ዝተኣሰረትሉ እዋን ኣስታት ሓደ ኪሎግራም ዝኸውን ዝመኸኸ ወርቂ ጸኒሑዋ። እቲ መርመራታት ድማ ይቕጽል ኣሎ።

እታ ጓለንስተይቲ ድሕሪ ገለ ግዜ ናብ ቻይና ክትከይድ መደብ ከም ዝነበራ ግምታት ኣሎ።

ቅድሚ ሕጂ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ዝተሰርቁ ዕኳር-ወርቂ፡ 5 ኪሎግራም ዝምዘን ካብ ኣውስትራልያ ዝተረኽበ እዩ። ብናይ ሎሚ ዋጋ ወርቂ፡ ኣስታት 585,000 ዩሮ ይትመን።

ዳይረክተር ቤተመዘክር ኢማኑወል ስኮልዮስ፡ "ናበይ ከም ዝኸይድ ብልክዕ ምስ ዝፈልጥን ብቑዕ መሳርሒታት ምስ ዘለዎን ክኢላ ጕጅለ ኢና ገጢምና ዘለና፡" ክብል ንፈረንሳውያን ጋዜጠኛታት ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንተለቪዥን ፈረንሳ 2 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብፍሉይ ነቶም ነገራት እቲኦም ምውሳዶም ብኣጋጣሚ ኣይኰነን፡" ኢሉ።

እዚ ክሲ፡ ሰረቕቲ ኣብ ቤተመዘክር ሉቭር ኣትዮም ብዋጋ ዘይሽነን ዕንቊታት ዘውዲ ፈረንሳ ምስ ወሰዱ ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ ዝቐርብ ዘሎ።

ብሰንበት፡ "ሞያውያን" ሰረቕቲ ናብቲ ዝበዝሐ በጻሕቲ ዘለዎ ቤተመዘክር ዓለም ጸሊቖም ብምእታው፡ ብስኩተር ቅድሚ ምህዳሞም ሸሞንተ ኣቑሑት ሰሪቖም። ነቲ ስርሒት ክፍጽሙ ከኣ ሸሞንተ ደቓይቕ ዘይመልእ ከም ዝወሰደሎም ፖሊስ ገሊጹ።

እቶም ኣቑሑት ተበታቲኖም፡ ካብቲ ሓቀኛ ዋጋኦም ኣዝዩ ብዝወሓደ ዋጋ ክሽየጡ ተኽእሎ ከም ዘሎ ክኢላታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣርባዕተ ኣብያተ መዘክር ፈረንሳ ከም ዝተዘምቱ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።