'ትእምርቲ' ዓብይ ግድብ ህዳሰ ዝነበረ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ እንክዝከር

ዓብይ ግድብ ህዳሰ እንክለዓል፡እቲ በረኻ ገፁ ዘፀለሞን ጨሓምሓም ዝበለን ሓደ ሰብኣይ ኣይርሳዕን።
ቅድሚ ስሙ ዝጽውዑ ብዙሓት ሳጓታት ኣለውዎ፤ መናኒ ጉባ፡ በዓል ሕልሚ፡ ትጉህ፡ ትሑት፡ ባሕታዊ. . ካልኦት።
ጉባን ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰን መንበሪኡን መፍልይኡን ዝዀነ እቲ ኢንጂነር፡ "ትእምርቲ" እቲ ግድብ'ዩ ነይሩ።
ሽሞም ምስቲ ግድብ ካብ ዝተጣበቑ ሰብ ታሪኽ'ውን ሓደ እዩ - ኢንጂነር ስመኘው በቀለ።
ኢንጂነር ስመኘው እምነ ሰረት እቲ ግድብ ካብ ዝተነበረሉ 24 መጋቢት 2003ዓ.ም.ግ ጀሚሩ፡ ንሸውዓተ ዓመታት ንፕሮጀክት እቲ ግድብ መሪሕዎ እዩ።
ኣብዞም ሸውዓተ ዓመታት ካብ በረኻ ጉባ ተፈልዩ ኣይፈልጥን።
መሳርሕቱ፡ ፈለጥቱ፣ ኣባላት ስድራኡን ባዕሉ እውን ተሓቲቶም ከይጠቐስዎ ዘይሓልፍዎ ነገር እንተሃልዩ ምሉእ ግዜኡ ነቲ ግድብ ምሃቡ እዩ፤ ነዚ ድማ ብዅሉ ዝተመስከረሉ እዩ።
ምኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ነበር ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ንሓደ ሚድያ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡ "ስመኘው ንደቁ፡ በዓልቲ ቤቱን ስድራኡን ገዲፉ፡ ንህዳሰ (ግድብ) እዩ ኣእትዩ [ተመርዕዩ] ነይሩ" ኢሉ ነይሩ።
ኣባላት ስድራኡ'ውን ነዚ እዮም ዝምስክሩ።
ንሞት ስመኘው ስዒቡ ሽሙ ክግለፅ ዘይደለየ ሓደ ኣባል ስድራ፡ "ንሱ፡ ሃገረይ ስርሐይ እናበለ ኵሉ ሰብ ረሲዕዎ'ዩ። ስርሑ እዩ ኵሉ ነገሩ ነይሩ። ዘመድ ኣይብልን. . ." ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኢንጂነር ስመኘው በቀለ፡ ንደቁ፡ ንዝደኸሙ ቤተሰቡ፡ ንርእሱን ማሕበራዊ ህይወቱን ክህቦ ዝግባኦ ግዜ ብምሉኡ፡ ነቲ ግድብ እዩ ወፍይዎ።
ነቲ ግድብ ኣብ ዝመርሐሉ ዝነበረ እዋን መሳርሕቱ ዝነበረት ኢንጂነር ብሩክታዊት እሸቱ፡ "ኢንጂነር ዕረፍቲ ኣይነበሮን" ብምባል፡ ህንፀት እቲ ግድብ 24 ሰዓታት ይካየድ ስለ ዝነበረ፡ ብለይቲ ከይተረፈ ሃንደበት ናብቲ ቦታ ፕሮጀክት ዝመፀሎም እዋናት ውሑድ ከም ዘይኾነ ትገልፅ።
ብኸምዚ ዓይነት ኵነታት እናሓለፈ "ትሕትናኡ የስደምመኒ ነይሩ" ትብል ብሩክታዊት፣ ፍልጠቱን ንሰባት ዘለዎ ክብርን፡ ቀልቢ ሰራሕተኛታት ዝሓዘ ከም ዝነበረ ትዝክር።
ነቲ 43 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝበጽሕ ሙቐት በረኻ ጉባ ተጻዊርና ክንሰርሕ ዘተባብዓና ንሱ እዩ ነይሩ፡ ትብል።
"ኣይኰነን ኣብ ናቱ ሓላፍነት ኴንካ፡ ብናትና ደረጃ እውን ከቢድ መስዋእቲ ኢና ከፊልና" ብምባል፡ ኢንጂነር ስመኘው ታሪኽን ሕልምን ተሸኪሙ ዝሓለፎም ግዜያት ቀሊል ከም ዘይነበረ ትዝክር።
'ከም መራሒ ሃገር ኢና ንቕበሎ ነይርና'
ጋዜጠኛ ዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ማቲና ስቴቪስ ግሪድኒፍ ንሞት ኢንጂነር ስመኘው ኣመልኪታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ንሱ ነዚ ሃገራዊ ሕልሚ ንምውካል'ዩ መፂኡ" ትብል።
ነቲ ኢንጂነር ብቐረባ ከም ትፈልጦ ትዛረብ እታ ጋዜጠኛ፡ "ኢንጂነር ስመኘው ሓያል ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ፣ ንለውጢ ሃገሩ ህይወቱ ዝሃበ'ዩ ነይሩ" ብምባል ትገልጾ።
"ንመፃኢት ኢትዮጵያ ዝኽእሎ ንምብርካት፡ ምሉእ ህይወቱ ዝሃበ ይመስል ነይሩ።"
ኢንጂነር ስመኘው'ውን፡ ሕልሙ ብዙሕ ግዜ ይዛረብ ነይሩ።
እምነ ሰረት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ምስ ተነበረ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ኣብ ተሌቬዥን ኢትዮጵያ መደብ 'ሚት ኢትዮጵያ' ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡ ሓደ ሕቶ ቀሪብሉ ነይሩ።
"ህንፀት እቲ ግድብ ካብ ዝጅመር ሓደ ዓመት ኰይኑ'ሎ፡ ሕጕስ ዲኻ?" ዝብል።
ኢንጂነር ዝወሰዶ ሓላፍነት ክንደየናይ ዓብይ ከም ዝዀነ ንምግላፅ ኣሃዛት ኣሰንዩ እዩ ናብቲ ሕቶ ኣትዩ።
ዓብይ ግድብ ህዳሰ ክንደየናይ ስፍሓት፡ ንውሓትን ትሕዝቶን ከም ዘለዎ፣ ክንደየይ ሰራሕተኛታት ከም ዝተሳተፍሉ፣ እቲ ግድብ ዝርከበሉ ቦታን ኵነታት ኣየርን ከምኡ'ውን ካብ ዝነብረሉ ኣዲስ ኣበባ ክንደየናይ ከም ዝርሕቕን ኣብሪሁ።
ነቲ ዝቐረበሉ ሕቶ ግን፡ ቀጥታዊ መልሲ ኣይኰነን ሂቡ።
". . . ዕብየት ሃገርና ጽቡቕ ኰይኑ ክንርኢ ንደሊ። ንዘላቒ ልምዓት ድማ 'ሃይድሮ ፓዎር' ዓንዲ ሑቐ እዩ። ኵሉ ኣብዚ ግድብ ዝሳተፍ ማሕበረሰብ እዚ ግድብ፡ ነቲ ዘሎ ዋዒን ርሕቀትን ኣይሓስቦን። ምኽንያቱ ሕልሚ ኣለና" እዩ ኢሉ ነይሩ።
ሃገሩ ክብ ኢላ፡ ማእከላይ ኣታዊ ምስ ዘለወን ሃገራት ተሰሊፋ፡ እዚ ወለዶ ካብቲ ዝሓለፈ ብዝሐሸ ዝነብረላ ንኽትከውን ይምነ ነይሩ።
ነዚ ግድብ ከም ዝመርሕ ሓደ ኢንጂነር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሃገርን ንትውልድን ከም ዝግደስ ከም መራሒ ሃገር'ውን ኰይኑ እዩ ነዚ ሕልሚ ዝተሸከሞ።
ብሩክታዊት፡ "ክመፅእ እንከሎ ከም መራሒ ፕሮጀክት ዘይኰነስ፡ ከም መራሒ ሃገር ኢና ንቕበሎ። እዚ ክንገብር ዘገድደና ድማ ፍልጠቱን ትሕትናኡን'ዩ ነይሩ" ትብል።
"እቲ ቦታ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ፤ ብእምባታት ዝተኸበበ ቦታ'ዩ፤ ኣቕሊልካ ዝግለፅ ኣይኰነን። ሃልሃልታ እቲ በረኻ ይረአ ነይሩ" ብምባል፡ ኢንጂነር ስመኘው ኣብ ብዙሕ ፈተናታት ኰይኑ ዘበርከቶ ግደ ብቓላት ዝግለፅ ከም ዘይኰነ ትዛረብ።
"እዚ ግድብ ክምረቕ እንከሎ እንተዝርእዮ ዓብይ ኵርዓት ነይሩ። ሕጂ'ውን ኣብቲ ግድብ ሓወልቲ እንተዝስርሓሉን ትውልዲ በዚ እንተዝዝክሮን ደስ ይብለኒ።"
ኣብ ግልገል ግቤ ሓደ ከምኡ'ውን ኣብ ግድብ ህዳሰ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ምስኡ ዝሰርሐን ድሕሪ ሞቱ ነቲ ግድብ ንኽመርሕ ሓላፍን ዝተወሃቦ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ንሞያኡ ቦታ ዝህብ መሃንድስ እዩ። ንዝሓዞ ስራሕን ዕላማን ቈራፅ ዝዀነ፣ ዝበዝሕ ግዜኡ ንስራሕ ዝህብ ንፉዕ ሰራሕተኛ" ኢሉ ነይሩ።
"ዝለፍዓሉ ከይረኣየ ብምሕላፉ ኣሕዚኑኒ'ዩ።"

'ከም ተወሳኺ ስምዒት ህዋስ ኢና ንቘጽሮ'
እቲ ግድብ ብኣጋኡ እዩ ትዅረት ዓለም ዝሰሓበን ጂኦፖለቲካዊ ምስሕሓብ ዝፈጠረን።
ህንፀት እቲ ግድብ ምስ ተጀመረ ኣብ ውሸጢ ሓደ ወርሒ፡ ስግኣት ዝሓደረን ግብጽን ሱዳንን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ቴክኒካዊ ኮሚቴ ኣቝመን መፅናዕቲ ጀሚረን።
ትእምርቲ እቲ ግድብ ተገይሩ ዝርአ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ፡ ዓለም ትዅረታ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበረትሉ፣ ዓቕሚ ገንዘብ ኣብ ዘይጐልበተሉ፣ "ንኣባይ ኣብ ሃገሩ ነሕድሮ ብዝብል ዓብይ ሕልምን ተስፋን" ጥራይ ኣብ ዝነበረሉ'ዩ ነዚ ሓላፍነት ተረኪቡ።
ህንፀት እቲ ግድብ ኣብ ዝተጀመረሉ'ውን፡. . . ሃገርና ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ክነብፅሓ፡ ቃል ኪዳን ኢና ንኣቱ ዘለና" ኢሉ።
ኢንጂነር ስመኘው፡ ኣካየዲ ስራሕ እቲ ግድብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከም ወሃቢ ቃልን መራሒ ወፍርን ኰይኑ ከም ዘገልገለ'ውን ይፍለጥ።
ንሱ፡ ንህንጸት እቲ ግድብ ህዳሰ ክዕዘቡ ንዝኸዱ ናይ ውሽጢ ደገን በጻሕቲ ብዙሕ ግዜ ኣብ በረኻ ጉባ ደው ኢሉ መብርሂ ሂቡ እዩ።
ኣብ ዘረባኡ ድማ ንሃገር ዘለዎ ፍቕሪ፣ ንስራሕ ዘለዎ ተወፋይነትን ሕልምን ደሚቑ ይረአ ነይሩ።
ህይወቱ ቅድሚ ምሕላፉ ቅድሚ ሓደ ዓመት፡'ሰላም' ንዝበሃል መደብ ፈነወ ራድዮ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት ድማ መርኣያ ናይዚ እዩ።
ኢንጂነር ስመኘው ንዓብይ ግድብ ህዳሰ ብኸመይ ከም ዝገልፆ ተሓቲቱ፡ ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡
እዚ ግድብ፡ "ከም ተወሳኺ ስምዒት ህዋስ ገይርና ኢና ንቘጽሮ" ብዝብል ሓደ ረዚን ምሉእ ሓሳብ እዩ ንመልሱ ጠሚርዎ።
ግድብ ህዳሰ ልክዕ ከም ዓይኒ፡ ኣፍንጫ፡ እዝኒን ኢድን. . .።
ኢንጂነር ስመኘው፡ ነዚ ግድብ ክመርሕ ካብ ቀዳማይ ምኒስትር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ ሓላፍነት ድሕሪ ምርካቡ፡ ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብ በረኻ ጉባ እዩ ብትግሃት ኣሕሊፍዎ።
". . . መነባብሮ ዜጋታት ምምሕያሽ፡ ኣታዊ ነፍስወከፍ ዜጋ ምዕባይ፣ ማእከላይ ኣታዊ ዘለዋ ሃገር ምርኣይ፡ መጻኢ ወለዶ ካባና ብዝሐሸ መልክዑ ዝነብረላ ሃገር ምፍጣር እዩ ሕልምና። ነዚ ድማ እዩ ነብስና ረሲዕና፡ ትካላዊን ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ሒዝና ለውጢ ንርኢ ዘለና" ኢሉ ነይሩ - ኣብቲ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት።
ሓደሓደ ሰባት፡ "እቲ ናይ በረኻ ባሕታዊ" ዝብልዎ ፈትዮም ኣይኰኑን - "ነብሱ ረሲዑ፡ ንግድብ ህዳሰ ምውፋዩ፤ ኣብ በረኻ ጉባ ከም ዝመነነ ብምስትውዓሎም'ምበር።
ዋላ'ኳ ድሒሩ ህንፀት እቲ ግድብ ተጓቲቱ ዝብሉ ቅረታታት ይቐርቡ እንተነበሩ፡ ኢንጂነር ስመኘው፡ ካብ እምነ ሰረት ጀሚሩ ንህንፀት እቲ ግድብ ልዕሊ 60 ሚእታዊት ከም ዘብፅሖ ተገሊፁ'ዩ።
ብድሕሪኡ ሓላፍነት እቲ ፕሮጀክት ዝተረከበ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ሓላፍነቱ ንደረጃ እቲ ግድብ ኣመልኪቱ፡"ሲቪል ስራሕ እቲ ግድብ 84 ሚእታዊት፣ ስራሕ ኤሌክትሮ መካኒካል ድማ 28 ሚእታዊት፤ጠቕላላ ህንፀት እቲ ግድብ 68 ሚእታዊት በፂሑ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢንጂነር ስመኘው በቀለ፡ ህንፀት መመንጨዊ ጸዓት ኤሌክትሪክ ክመርሕ ግድብ ህዳሰ ፋልማዩ ኣይነበረን።
ንክልተ ፕሮጀክትታት - ንግልገል ግቤ -1ን ግልገል ግቤ-2ን መሪሑ እዩ።
ፈላማይ መራሒ ናይዚ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ግድብ ፈለማይ ዝነበረ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ፡ ኣብ ጎንደር፡ ማክሰኝት ኣብ ዝተብሃለት ንእሽተይ ከተማ እዩ ተወሊዱ። ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ እንፍራንዝ፡ ደሴን ወልድያን ተማሂሩ።
ድሕሪኡ ኣብ በዓል ስልጣን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ማእከል መሰልጠኒ ኮተቤ፡ ብኤሌክትሪክ ቴክኖሎጂ ብዲፕሎማ ተመሪቑ። ካብኡ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ብሲቪል ምህንድስና ቀዳማይ ዲግሪ ረኺቡ።
ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን፡ ስልጠናታት ሃይድሮ ፓወር ኦፕሬሽንን ምሕደራ ፕሮጀክትን ወሲዱ።
ብስርሑ ካብ መምህርነት ንዓብይ ግድብ ህዳሰ ሓዊሱ ገዘፍቲ ፕሮጀክትታት መመንጨዊ ጸዓት ኤሌክትሪክ እታ ሃገር ክመርሕ በቒዑ።
ኣብ ዓይኒ ህዝቢ ዝኣተወን ትኹረት ዝሰሓበን ግን፡ ንዓብይ ግድብ ህዳሰ ክመርሕ ምስ ጀመረ እዩ።
ሞት ኢንጂነር ስመኘውን ዘይተመለሱ ሕቶታትን
ንፕሮጀክት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ንሸውዓተ ዓመታት ኣካያዲ ስራሕ ኰይኑ ድሕሪ ምምርሑ፡ ኣብቲ ደባን ወርሒ ሓምለ ሃንደበታዊ ሞት ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ተሰሚዑ።
ሓሙስ 19 ሓምለ 2010 ዓ.ም.ግ ንግሆ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ዓብይ ኣደባባይ ደው ኢላ ኣብ ዝነበረት ላንድክሩዘር ቪ8 መኪናኡ ህይወቱ ሓሊፉ ተረኺቡ።
እቲ ዜና ንብዙሓት ዘሰምበደ፡ ዘሕዘነን ዘቘጥዐ'ውን ነይሩ።
እቲ ኢንጂነር ብኸመይ ካብቲ ከም ብሌን ዓይኑ ዝርእዮ ግድብ ህዳሰ ብኸምዚ ዓይነት ኵነታት ተፈልዩ ዝብል፡ ክሳብ ሕጂ ዘይተፈትሐ ሕንቅልሕንቅሊተይ እዩ።
ፖሊስ እታ ሃገር ኣብቲ እዋን፡ ኢንጂነ ስመኘው ርእሰ ቅትለት ፈፂሙ ዝብል መግለፂ እዩ ሂቡ።
እንተዀኑ 'ኸ ንምንታይ ርእሰ ቅትለት ፈፂሙ? ንዝብል ሕቶ ግን፡ ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይተረኸበን።
ድሕሪ ሞቱ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ተቓውሞታት ተወሊዖም ነይሮም።
"ጅግና ኣይሞውትን፣ ኢንጂነር ህያው እዩ፣ ፍትሒ ንኢንጂነር" ዝብሉ ጭርሖታት ተሰሚዖም። ብዙሓት መንእሰያት'ውን "ኣምላኽ ኢትዮጵያ ፍረድ" ዝብሉ ማልያታት ተከዲኖም፡ "ፍትሒ ንኢንጂነር" ጸዊዖም።
ኢንጂነር ስመኘው ኣቦ ክልተ ኣዋልድን ክልተ ኣወዳትን እዩ ነይሩ። ደቁ ኣብ ስርዓተ ቀብሪ ወላዲኦም ፍትሒ ሓቲቶም እዮም።
ድሕሪ እዚ ግን፡ ስድራኡ ኰነ ዝፈልጥዎ ሰባት፡ ብዛዕባ ህይወት ኢንጂነር ስመኘው ይዅን ኣማውታኡ ስቕታ መሪፆም።
ቀዳማይ ምኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ህንፀት እቲ ግድብ ብዝነበሮ ቅልጣፈ ኣብ ዓሰርተ ዓመት ኣይዛዘመን ኢሉ ተባሂሉ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብብዝሒ ኣዘራራቢ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ፡ ሃንደበታዊ ሞት ኢንጂነር ስመኘው ተሰሚዑ።
ንዘረባ እቲ ቀዳማይ ምኒስትር ስዒቡ፡ ቢቢሲ መስርሕ ህንፀት እቲ ግድብ ዝምልከት ሕቶ ሒዙ ናብ ኢንጂንየር ስመኘው በቀለ ደዊሉ ነይሩ።
ኢንጂነር ስመኘው ቅድሚ ምማቱ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት ዝስዕብ ኢሉ ነይሩ።
"እቲ ዝተብሃለ ጉዳይ ኣይሰማዕክዎን፤ 'ኦርጋናይዝድ' ኵኑ እሞ፡ ብጉዳያት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኣቢልኩም ኮምዩኒኬት ግበሩኒ፡ ግቡእ መልሲ ክህብ እየ።. . .
እዚ ግድብ ናትኪ ፕሮጀክት'ውን እዩ። መግለፂ ንምሃብ ድሉዋት ኢና። ኣካይዳ ሓልየ እንተኸድኹ ድማ ፅቡቕ እዩ። እቲ ፕሮጀክት ይስራሕ እዩ ዘሎ" ዝብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።
ኣብ ዘረባኡ፡ ኣብ ልቢ ብዙሓት ተሓቲሙ ዝተረፈ ትሕትናኡ ኣይተፈለዮን ነይሩ -
"ምስ ኣኽብሮት!"።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







