ቅትለት ቻርሊ ከርክ፡ ፖሊስ ጥርጡር ንምሓዝ ገዛ ንገዛ ተፍትሽ የካይዱ

ትራምፕን ኪርክን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ትራምፕን ኪርክን

መሻርኽቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝዀነ መንእሰይ ዓቃባዊ ፖለቲከኛ ቻርሊ ከርክ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዩታ ቫሊ ተቐቲሉ።

ንሱ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ፖለቲካዊ ክትዕ ክዛረብ እንከሎ'ዩ ካብ ቀረባ ርሕቀት ብዝተተኰሰ ጥይት ኣብ ክሳዱ ተሃሪሙ ሞይቱ።

ፖሊሲ፡ ጥርጡር እዚ ቅትለት ንምሓዝ ገዛ ንገዛ ተፍትሽ ከካይዱ ጀሚሮም ኣለው።

ወዲ 31 ዓመት ቻርሊ ከርክ፡ ገና ኣብ ዕድመ ንእስነቱ እንከሎ'ዩ፡ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲታት ኣመሪካ ዓቃባዊ ሓሳባት ንምዝርጋሕ ዝጽዕር ጕጅለ 'ተርኒን ፖይንት ዩኤስኤ' መስሪቱ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንከርክ ሃገራዊ ብምባል ሞቱ "ንኣመሪካ ጸልማት ህሞት'ዩ፡" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢኡ ገሊጹ።

ትራምፕ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ "ብሰንኪ እቲ ጽዩፍ ቅትለት ቻርሊ ኪርክ ብሓዘንን ቁጥዐን" ከም ዝተመልአ ገሊጹ።

ኣብቲ ከርክ ዝሳተፈሉ ዝነበረ መደብ ብውሕዱ 3000 ሰባት ይሳተፉ ከም ዝነበሩን፡ ኪርክ ምስ ዝቘጸረሎም ናይ ብሕቲ ሓለዋ ሓዊሱ፡ ሽዱሽተ ኣባላት ፖሊስ ጥራይ እዮም ነይሮም።

ኣብቲ ቦታ፡ ካልእ ብጥይት ዝተሃርመ ሰብ የለን፤ ክሳብ ሕጂ ዝወጽኡ ምስሊታት፡ ክትኰስ እንከሎ ተምሃሮ ንነብሶም ከድሕኑ ክጐዩ የርእዩ።

ሰበስልጣን እታ ሃገር ብረቡዕ፡ ምሉእ ኵሉ ጸሊም ክዳን ዝተኸድነን ኣብ ጥቓኡ ካብ ዝነበረ ናሕሲ ከም ዝተኰሰ ዝእመንን ጥርጡር ተታሒዙ ድዩ ኣይተታሕዘን ዝብል ተጋራጫዊ ርእይቶታት ይህቡ ነይሮም።

ፖሊስ ክልተ ሰባት ንምርመራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ገሊጹ ነይሩ፤ እንተዀነ እቲ ተዅሲ "ምስ ክልቲኦም ዘተኣሳስር ነገር፡" ከም ዘይብሉ ድሕሪ ምርግጋጽ ከም ዝተፈትሑ ሓቢሩ።

ጆርጅ ዚን ዝተባህለ ውልቀሰብ፡ ፍትሒ ብምዕንቃፍ ተኸሲሱ ድሕሪ ምጽናሕ ተፈቲሑ። እቲ ካልእ ጥርጡር ድማ ዝዀነ ክሲ ከይተመስረተ ተፈቲሑ።

ክፍሊ ህዝባዊ ድሕነት ዩታ ብረቡዕ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ተኳሲ ንምሓዝ ቀጻሊ መርመራን ሃድን ይካየድ ኣሎ፡" ኢሉ።

እቲ ፍጻመ "ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ" ምዃኑ ከም ዝኣምን'ውን ገሊጹ።

"እቲ ተኳሲ ካብ ናሕሲ ሓደ ህንጻ ጀሚሩ ክሳብ እቲ ኣብ መረባ ተምሃሮ ዝተኻየደ ህዝባዊ ፍጻመ ዝካየደሉ ቦታ ከም ዝተኰሰ ይእመን።"

ፖሊስ ዝዀነ ሰብ ናብቲ ቀጽሪ ከይኣቱ ይኽልክሉ ኣለዉ።

ቢቢሲ ቬሪፋይ ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሑ ሓያሎ ቪድዮታት ናይቲ ተዅሲ ሓቅነቶም ኣረጋጊጹ።

ሓደ ቪድዮ፡ ተምሃሮ ኣብ ዙርያ ሓደ "THE AMERICAN COMEBACK" ከምኡ'ውን "PROVE ME WRONG"ን ዝብሉ ጽሑፋት ኣብ ዝተሰቕለሉ ጻዕዳ ቴንዳ ተኣኪቦም የርኢ።

ኪርክ ኣብ ትሕቲ እቲ ቴንዳ በይኑ ኮፍ ኢሉ፡ ካልኦት ሓያሎ ሰባት ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ይርአ።

ኣብ ካልእ ብቢቢሲ ዝተረጋገጸ ቪድዮ፡ ከርክ ኣብቲ ሰልፊ ቅድሚ ዝዀነ ተዅሲ ምስምዑ ክዛረብ እንከሎ ይረአ።

ብድሕሪኡ ካሜራ ቅድሚ ኣንፈታ ምቕያራን እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ብስንባደ ክጐዩ ቅድሚ ምጅማሮምን ንድሕሪት ፈንተት ክብል ይረአ።

ኪርክ ቅድሚ ብጥይት ተሃሪሙ ምማቱ ኣብ ዝነበሩ ህሞታት፡ ብዛዕባ ኣብ ኣመሪካ ብሽጕጥ ዝፍጸም ዓመጽ ይዝቲ ነይሩ።

"ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ክንደይ [ብጥይት መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ] ሰባት ከም ዝነበሩ ትፈልጡ ዶ?" ክብል ሓደ ተዓዛቢ ይሓቶ።

"ጕጅለታት ዓመጽ ምቝጻር ወይ ዘይምቝጻር፡" ክብል ይምልስ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ከርክ ብጥይት ክቕተል ምርኣዮም ዘስካሕክሕ ከም ዝዀነ ተዛሪቦም።

ቻርሊ ኪርክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጋቪን ዝተባህለ ተምሃራይ ቀዳማይ ዓመት እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ "ሕልሚ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ኵሉ ሰብ ክጽሊ ጀሚሩ... ድሕሪኡ፡ ክንጐዪ ጀሚርና፡" ብምባል ንሲአኤስ ኒውስ ገሊጹ።

በዓልቲ ቤት ከርክን ደቁን ኣብቲ ቦታ ከም ዝነበሩ ሰነተር ኦክላሆማ ማርክወይን ሙሊንስ ገሊጹ።

ሓገግቲ ኣመሪካ፡ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ቁጥዐኦም ገሊጾም።

ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘካፈሎ ቪድዮ፡ ንኪርክ "ንዕላማ ክፉት ክትዕን ኣዝዩ ዘፍቅራ ሃገርን ህይወቱ ዝወፈየ ሃገራዊ፡" ክብል ገሊጹዎ።

"ሞዴል ሓቅን ናጽነትን፡" ክብል ድሕሪ ምጽዋዕ፡ ንሞቱ ድማ "ንሕሉፍ ጸጋማዊ ፖለቲካዊ ዓመጽ፡" ክኸስስ ተሰሚዑ።

ኣመሓዳሪ ዩታ ስፔንሰር ኮክስ ነቲ መጥቃዕቲ "ፖለቲካዊ ቅትለት" ክብል ብምጽዋዕ፡ እቲ ቀታሊ ናይ ሞት ፍርዲ ክፍረዶ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።

"እዛ መዓልቲ ንግዝኣትና ጸላም መዓልቲ እያ፡ ንሃገርና ናይ ሓዘን መዓልቲ'ያ፡" ብምባል፡ ምስ ዋይት ሃውስን ኤፍ.ቢ.ኣይን ርክብ ከም ዝተዘራረበ ሓቢሪ።

እቲ መጥቃዕቲ ንኣመሪካውያን ዘሰንበደ ኰይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘለው ፕረዚደንታት ኣመሪካ ነበር፡ ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኬር ስታርመር ሓዊሱ መራሕቲ ዓለም፡ ከምኡ'ውን መራሕቲ ኣርጀንቲና፡ ኢጣልያ፡ ካናዳን እስራኤልን መግለጺታት ክህቡ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።