ቻይና፡ ኣመሪካ ንታይዋን ምዕጣቕ ደው ከተብል ጸዊዓ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቻይና ድሕሪ 2021 ንፈለማ እዋን ምስ ኣመሪካ ኣብ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ዘተ ኣብ ጉዳይ ታይዋን “ፈጺማ ከምዘይትደራደር” ገሊጻ።
ኣመሪካ ን “ታይዋይ ምዕጣቕ ደው ከተብል” ከምኡ እውን ንሻቕሎታት ቻይና “ ኣኽቢዳ ክትርእዮ” ተማሕጺና።
እዚ ምሕጽንታ፡ ታይዋን ናብ ቻይና ከቕርባ ወይ ካብ ቻይና ከርሕቓ ዝኽእል ወሳኒ ዝተባህለሉ መረጻ ንምክያድ ኣብ ምሽብሻብ ኣብ ዘላትሉ እዩ ዝቐርብ ዘሎ።
ቻይና ነታ ደሴት ከም ሓንቲ ክፋላ ገይራ እትሓስባ ኰይና፡ ታይዋን ግን ርእሳ ዝኸኣለት ከምዝዀነት እያ እትገልጽ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ቻይና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ቻይና ምስ ኣመሪካ ኣብ ማዕርነትን ምክብባርን ዝተመስረተ ጥዑይን ዝተረጋገአን ናይ ምክልኻል ርክብ ክህልዋ ፍቓደኛ ምዃና ገሊጻ እያ” ይብል።
ኣመሪካ ን ሻቕሎት ቻይና ግቡእ ሚዛን ክትህብ ዝጸወዐ እቲ መግለጺ፡ እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ታይዋን ዝዀነ “ሕድገት ከምዘይትገብርን” ከምኡ ድማ እታ ሓያል ሃገር “መትከል ሓንቲ ቻይና ከተኽብር፣ ንታይዋን ምዕጣቕ ደው ከተብል. . . ንናጽነት ታይዋን ከይትድግፍን” ጸዊዑ።
ክልቲአን ሓያላት ሃገራት ዓለም ኣብ እስያ ዓብላልነት ንምርካብ ኣብ ዝገብራኦ ንሕንሕ ታይዋን ከም ዛዕባ ረጽሚ እየን ዝጥቀማላ።
ቻይና ኣብ 2022 ነቲ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣመሪካ ነበር ናንሲ ፔሎሲ ኣብ ታይዋን ዘካየደቶ ዑደት ብምቅዋም ምስ ኣመሪካ እተካይዶ ዘተ ኣቋሪጻ ነይራ።
ፕረዚደንታት ዢ ጂንፒንግን ጆ ባይደንን ኣብ ሕዳር ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ነቲ ዘተ ዳግም ንምጅማር ምስምመዖም ስዒቡ ግን ሰኑይን ሰሉስን ዘተ ኣሳሊጠን።
ብኻልእ ምዕባለ፡ ቻይና ኣብ ደቡባዊ ክልል ኣየር ታይዋን ሳትላይት ምትካላ፡ ከም ናይ መረጻ ኢድ ኣእታውነት ከምዘይትርእዮ ታይዋን ኣፍሊጣ።
ቻይና ናብ ክልል ኣየር እታ ደሴት ሳትላይት ምስዳዳ ስዒቡ፡ ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ታይዋን ናይ እዋን ሓደጋ መጠንቀቕታ ድምጺታት ተሰሚዑ። ናብ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ነበርቲ እታ ርእሰ ምሕደራ ንድሕነቶም ጥንቃቐ ክገብሩ ዝጽውዕ መልእኽቲ እውን ተመሓላሊፉ።
ጸኒሑ ግን ነቲ ዝተፈጠረ ምድንጋር ሚኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን ይቕረታ ሓቲቱ።
ማዕከን ዜና ቻይና ብግደኣ እታ ኤንስተይን ፕሮብ ዝተባህለት ሳትላይት ምስጢራዊ ምንቅስቓሳት ንምዕዛብ ዝተልኣኸት ከምዝዀነት ጸብጺባ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







