ታይዋን ንኢሎን መስክ፡ 'ንመሸጣ ኣይኰንኩን'

ኢሎን መስክ

ምንጪ ስእሊ, getty images

ቢልየነር ኢሎን መስክ፡ ታይዋን ኣካል ቻይና ከምዝዀነት ድሕሪ ምግላጹ፡ እታ ደሴት “ንመሸጣ ኣይኰንኩን” ክትብል መሊሳትሉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ታይዋን ጆሴፍ ዉ ኣብቲ ብመስክ ዝውነን ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ “ስማዕ፡ ታይዋን ኣካል ህዝባዊት ሪፐብሊክ ቻይና ኣይኰነትን፤ ብርግጽ እውን ኣይትሽየጥን” ክብል ምላሽ ሂቡ።

ኢሎን መስክ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሓደ ዋዕላ ንግዲ ንታይዋን ምስ ሃዋይ ብምንጽጻር “ሓንቲ ኣካል” ቻይና ከምዝዀነት ተዛሪቡ።

ቻይና እታ ንርእሳ እተመሓድር ታይዋን ግዝኣታ ከምዝዀነት እትገልጽ ኰይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ሰፊኑ ነይሩ።

ኣብዚ ሰሙን ቻይና ኣብ ዙርያ ታይዋን ወተሃደራዊ ልምምድ ኣየርን ባሕርን ከምዘካየደት ይፍለጥ፤ እዚ ተግባር ድማ እታ ሃገር ወተሃደራዊ ሓይላ እተርእየሉ ልሙድ መንገዲ ኰይኑ ኣሎ።

ታይዋን ልዕሊ 40 ወተሃደራዊ ነፈርትን ኣስታት 10 መራኽብን ቻይና ኣብ ማያታ ኣትየን ከምዝረኣየት ገሊጻ።

ኣብ ቻይና ናይ ንግዲ ድልየት ዘለዎ መስክ፡ ንሰብ መዚ ታይዋን ከቘጥዕ እዚ ናይ ሎሚ ንመጀመርታ ግዜኡ ኣይኰነን። ኣብ ጥቅምቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ዘሎ ወጥሪ ንምፍታሕ፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ ታይዋን ዝተወሰነ ቍጽጽር ምግባር ከምዘድሊ ገሊጹ።

ምስ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት እውን ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ዘሰማምዕ ቅርጺ ምሕደራ ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም ክብል ተዛሪቡ።

ኣብቲ እዋን ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኣመሪካ ንመስክ ክንእድ እንከሎ፡ ታይዋናዊ መዘናኡ ግን ምስ ሚስተር ዉ ዝመሳሰል ምላሽ ሂቡ -ናጽነት “ንመሸጣ ኣይቀርብን።”

ሚስተር ዉ ብተወሳኺ ኣብ ኤክስ፡ “ኢሎን መስክ ን ሲሲፒ (ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና) ንህዝቡ መተግበሪ ኤክስ ክኸፍት ከምዝሓትት እውን ተስፋ እገብር” ክብል ጽሒፉ። ስሙ ካብ ትዊተር ናብ ኤክስ ዝቐየረ ማሕበራዊ ሚድያ መስክ፡ ኣብ ቻይና ክልኩል እዩ።

ቅድም ክብል ሚስተር ዉ፡ “ወተሃደራዊ ልምምዳት ቻይና ነቲ ታይዋን ኣብ ጥሪ እተካይዶ መረጻ ንምጽላው ዝዓለመ እዩ” ኢሉ ነይሩ።

ብኢሎን መስክ ዝውነን መፍረዪ ኤሌክትሪክ መኪና ተስላ ኣብ ሻንጋይ ዓቢይ ፋብሪካ ዘለዎ ኰይኑ፡ እቲ ቢልየነር ኣብ ግንቦት ናብታ ሃገር በጺሑ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ምስ ሰብ መዚ ቻይና ዝተዘራረበ ተስላ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዎ ንግዲ ንምስፋሕ ድልየት ከምዘለዎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ተዛሪቡ።

ኢሎን ርክብ ኣመሪካን ቻይናን ኣብ ዘንቈልቆለሉ እዋን፡ ናብ ቻይና ምብጽሑ ኣቓልቦ ስሒቡ ነይሩ።

ዋላ'ኳ ክልቲአን ሃገራት ብላዕለዎት ሰብመዚ ኣቢለን እንተተዘራረባ ንጉዳይ ታይዋንን ካልእን ኣብ ስምምዕ ኣይበጽሓን።