ርክብ ባይደንን ዢን፡ ታይዋን ዓባይ ኣጀንዳ ክትኸውን'ያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝራኸቡ ዘለው መራሕቲ ኣሜሪካን ቻይናን፡ ታይዋን ቀንዲ መዘራረቢት ኣጀንዳኦም ከም እትኸውን ትጽቢት ይግበር።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብ2020 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንድሓር፡ ምስ ፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግ ንፈለማ እዋን ብኣካል ክራኸብ ምዃኑ ተገሊጹ።
እዚ ልዑል ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ምርኻብ፡ ዝምድና ክልቲአን ልዕለ ሓያላን ሃገራት ብፍላይ ኣብ ዝሓርፈፈሉ እዋን’ዩ ዝካየድ ዘሎ።
እዚ ድማ፡ ብሰንኪ እታ ዓርሰ ምሕደራ ዝኣወጀት ታይዋንን ኣብ ኤዥያ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጽልዋ ቻይናን ክጋደድ ጸኒሑ።
ኣሜሪካ ድማ፡ ቴክኖሎጂ ኮምፒዩተር ኣብ ምምስራሕ ዝውዕል ቀረባት ብምኽልኻል ኣብ ልዕሊ ቻይና ጸቕጢ ክትፈጥር ፈቲና።
እዚ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ቴሌፎናት ክሳብ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ንዕዳጋ ዘቕርብ ጽላት ቴክኖሎጂ ጸቕጢ ብምፍጣሩ ነቲ ብሰደድ ዝምራሕ ቁጠባ ቻይና ጸልዩዎ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት እናወሰኸ ዝመጽአ ወጥሪ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዓለምን መላፍንቲ ኣሜሪካ ዝዀና ከም ህንዲ፣ ጃፓንን ኣውስትራሊያን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ነቲ ዝመጽእ ሰኑይ ኣብ ባሊ ዝካየድ ዋዕላ ሃገራት ጉጅለ 20 ብቐረባ ክከታተልኦ እየን።
ፕረዚደንት ዢ፡ ዝበዝሐ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቻይና ከሕልፎ እንከሎ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን እዩ ዳግም ናብ ሃገራት ወጻኢ ክገይሽ ጀሚሩ።
ፕረዚደንት ባይደን ድማ፡ ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፍ ምዃኑ ትማሊ ሓሙስ ኣረጋጊጹ።
ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብዛዕባ ታይዋን ከም እንዘራረብ ርግጸኛ እየ . . . ክንዘራረብ እንከለና ድማ ናይ ክልቲኤን ቀይሕ መስመር እንታይ ምዃኑ ከብርሃሉ’የ . . .” ክብል ተዛሪቡ።
በዚ መገዲ ድማ፡ “ኣብ ሞንጐ ሓድሕድና ግጭት ይህሉ’ዶ ኣይህሉን ከነነጽር ኢና . . . ግጭት እንተጋጢሙኸ፡ ብኸመይ ይፍታሕ” ዝብል ክውስኑ ከም ዝኽእሉ ኣአንፊቱ።
ይኹን'ምበር፡ ብዛዕባ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ታይዋን ዘለዋ ፖሊሲ "ዝኾነ መሰረታዊ ሕድገታት ክገብር" ፍቓደኛ ከም ዘይኰነ'ውን ወሲኹ ገሊጹ።
ቻይና፡ ነታ ባዕላ እትመሓደር ደሴት ከም ናይ ገዛእ ርእሳ ግዝኣት ገይራ ስለ እትርእያ፡ ምስዓባይ ቻይና ክትጥርነፍ ድልየት ኣለዎ። ታይዋን ግን ንርእሳ ፈልያ እያ እትርኢ።
ካብቶም ዝሓለፉ ፕረዚደንታት ኣሜሪካ ብዝተፈለየ፡ ጆ ባይደን ወራር ቻይና እንተጋጢሙ ኣመሪካ ንታይዋን ክትከላኸለላ ምዃና ብተደጋጋሚ ገሊጹ’ዩ።
ዋይት ሃውስ ግን፡ ንርኢይቶታት ባይደን ብምሽፍፋን ዋሽንግተን ንታይዋን ኣይትከላኸለላን ግን ከኣ ነቲ ኣማራጺ ኣይትነጽጐን ብምባል "ስትራተጂካዊ ዘይንጹርነት" ከንጸባርቕ ጸኒሑ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፕረዚደንት ዢ፡ ንህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት [ፒኤልኤ] "ኩሉ ዓቕሙ ኣብ ምምካት ኲናት ከተኩር . . . ናይ ምዕዋት ዓቕሚ ክሃንጽ" ኣለዎ ምባሉ ማዕኸናት ዜና መንግስቲ እታ ሃገር ኣብዚ ሰሙን ሓቢረን።
እቲ ሰራዊት፡ ቻይና ኣብ “ዘይርጉእን ዘይርጉጽን” ኩነታት ብምህላዋ፡ “ንኲናት ንምድላው ወተሃደራዊ ስልጠና ከሐይል ኣለዎ" ምባሉ ይንገር።
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ናብ ታይዋን ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን ኣብ ሞንጐ ክልቲአን ሃገራት ሓያል ወጥሪ ተራእዩ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ቻይና ኣብ ጥቓ እታ ደሴት ዓብዪ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካይዳ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







