እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብይ፡ ‘ኣብ ኢትዮጵያ ዕልዋ ኣይክዕወትን እዩ’ - ካልእ ከ እንታይ ኢሉ?
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ዕልዋ መንግስቲ ኣይክዕወትን'ዩ" ፤ ንሕና ወተሃደራት ኢና ዕልዋ መንግስቲ ከምዘይዕወት ገይርና ኢና ትካላት ሃኒጽና" ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "ገለ ኣቦታት" ዝበሎምን ብስም ግን ዘይጠቐሶምን ውልቀሰባት፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ገለ ቦታ ዕልዋ መንግስቲ ክንገብር ኢና" ዝብል "ዘተ ክገብሩ" ምዃኖም ገሊጹ።
ኣብይ ብሓሙስ 4 ሓምለ [ 27 ሰነ 2016 -ግእዝ] ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረቡሉ ሕቶታት መልስን መብርሂን ኣብ ዝሃበሉ እዋን እዩ ነዚ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ንፍርቂ መዓልቲ ዝጸንሐ ኣኼባ፡ ኣብ ጉዳይ ቍጠባ ከምኡ እውን ሰላምን ድሕንነትን ዘተኮሩ ሕቶታት ተላዒሎም ነይሮም።
ብፍላይ ጉዳይ ሰላምን ጸጥታን ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ እዩ፡ ኣብይ "ገለ ኣቦታትና ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ገለ ቦታ ዕልዋ መንግስቲ ክንገብር ኢና ኢሎም ዘተ የካይዱ ኣለዉ" ክብል ተሰሚዑ።
ኣተሓሒዙ ድማ፡ 'ንሕና ወተሃደራት ኢና' ብምባል ትካላት መንግስቲ ኣብ ዝዀነ ይዅን እዋን ክፍጸም ንዝኽእል ዕልዋ መንግስቲ ከፍሽል ብዝኽእል ዝተሃንጸ እዩ ኢሉ ብምምልካት፡ ዝዀነ ፈተነ ከምዘይዕወት ተዛሪቡ።
"ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ዝተዓወተ ሓደ ግዜ ቅድሚ 50 ዓመት እዩ፤ ድሕሪ ሓምሳ ዓመት ድማ ብዙሕ ዝረብሑን ዘይረብሑን ፈተነታት ነይሮም። ፈሺሎም፡ ሕጂ ድማ ፈጺሙ ኣይክዕወትን እዩ።"
"እዚ ዘይከኣል ዝበልናዮ ነገር ተዓዊቱ ንበል። ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዀነ ሰብ ቀቲልና ዕልዋ መንግስቲ እንተ ኣካይድና፡ ንኢትዮጵያ ካልእ ሱዳን ክንገብራ ኢና እምበር ከምሃገር ኣይክትቅጽልን፣ ከም መንግስቲ እውን ኣይንቕጽልን ኢና” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
‘ንሶማልያ ከም ኢትዮጵያዊ ሓሲብና ዘሐየልናያ ንሕና ኢና’
ኣብይ ብዛዕባ ዲፕሎማሲን፡ ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዘለዋ ርክብን እውን መብርሂ ሂቡ። እዚ ብቐንዱ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ዝምልከት እዩ ነይሩ።
ቅድሚ 7 ኣዋርሕ ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምምሕዳር ሶማሊላንድ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራማ፡ ኣብ ዝምድና ኢትዮጵያን ሶማልያን ወጥሪ ዓሲሉ ይርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ እቲ ኣብ ፈለማ እዚ ዓመተ-2024 ኣብቲ ሰነድ ስምምዕ ፊርማኦም ከስፍሩ እንከለዉ "ኣብ ሓድነት ሶማልያ ሕቶ ፈጢርና ኣይኰነን" ኢሉ።
እቲ ስምምዕ ምስተፈረመ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ን"ሓድነት ሶማልያ" ዝኸፈሎ "መስዋእቲ" ብተደጋጋሚ ክዛረብ ተሰሚዑ ነይሩ።
ሎሚ እውን “ንሰላም [ን] ሓድነት ሶማልያ ሞይትና ኢና፤ ልዕሊ ማንም መንግስቲ ንሶማልያ ዘለና ኣኽብሮት ኣርኢና ኢና” ኢሉ።
"ንሶማልያ ኢትዮጵያዊት ቆጺርና ክትድልድል ዝገበርናያ ንሕና ኢና" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ምስ ሶማሊላንድ ድሕሪ ዝተገበረ ስምምዕ፡ "መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ክንዲ ምሳና ዝዛራረብ በብከባቢኡ እናዞረ ንዓና ምኽሳስ’ዩ መሪጹ” ብምባል ንሶማልያ ክወቅስ ተሰሚዑ።
“ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምጻእ ይከኣል’ዩ፤ ንዘተ ድሉዋት ኢና። ንሕና ሶማልያ ክትህሰ፡ ክትበታተን፡ ክትፈርስ ንደሊ መንግስቲ ኣይኰንናን። ከምኡ እንተዝኸውን ነይሩ ደቂና ናብኡ ሰዲድና ኣይመሰዋእናን።"
"ንዅሎም ጎረባብትና ሓቲትና፡ መልሲ ምስ ዘይረኸብና ድማ ምስቲ ዝመለሰና ውድብ ፈሪምና፤ ብዛዕባ ሓድነት ሶማልያ ግን ሕቶ ኣይፈጠርናን" ብምባል እቲ ናይ ምርድዳእ ስምምእ ዝተፈረመሉ ምኽንያት ኣብሪሁ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣበኖት ጐረባብቲ ሃገራት ሕቶ ወደብ ኣቕሪቡ ከምዘይሰለጦ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ኣብይ፡ ብዘይካ ሶማልያ፡ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ብዝምልከት መንግስቱ ዘለዎ መርገጺ ንቤት ምኽሪ ኣብሪሁ። "ካብ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት 100 ሚእታዊት ናጻ ኴንና ክልቲኦም ናብ ሰላም ክመጹ ክንሰርሕ ጸኒሕና ሕጂ'ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ንሰርሕ ኣለና" ኢሉ።
‘ፈደራላዊ መንግስትን ወተሃደራትን ኢትዮጵያ ብጅምላ ኣይቐትሉን’
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ሓይልታት መንግስቲ ጃምላዊ ቅትለት ፈጺሞም ዝብል ኣብ ልዕሊ መንግስቱ ዝቐርብ ክሲ እውን ክነጽግ ተሰሚዑ’ዩ።
"መንግስቲ ጃምላዊ ቅትለትን ካልእ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ደው ንምባል እንታይ ክገብር ወሲኑ?" ዝብል ሕቶ ዘቕረበሉ ወኪል ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ኣቶ ኣበባው ደሳለው እዩ ነይሩ።
ካብቲ ሕቶ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ኣምሓራ "ጃምላዊ ቅትለት" ዝተፈጸመሎም ከባቢታት መርዓዊ፡ ጅጋ፡ ደብረ ኤልያስ፡ ፍኖተ ሰላም፡ ደብረ ሲና፡ ጎንደርን ወሎን ምዃኖም ብምጥቃስ እውን መርትዖ ከቕርብ ፈቲኑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ግን ነቲ ክሲ ዝሃቦ ምላሽ "መንግስቲ ፈደራልን ወተሃደራትን ኢትዮጵያ ብጅምላ ኣይቀትሉን እዮም" ዝብል እዩ ነይሩ። "ብጅምላ ክዕወት ይለዓል እሞ ምስ ሞተ ድማ ብጅምላ ሞይተ ይብል" ብምባል ነቲ ክሲ ነጺግዎ።
ምትግባር ስምምዕ ፕሪቶርያን ምምላስ ተመዛበልትን
ኣብ መንጎ ህወሓትን ፈደራል መንግስቲን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ምትግባር ብዝምልከት እውን ምድንጋራት ይርአ ኣሎ ዝብል ሕቶ ተላዒሉ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ቀንዲ" ጉዳያት ስምምዕ ሰላም፡ ዳግማይ ምውዳብ ተጋደልቲ ነበርን ምምላስ ተመዛበልትን ምዃኖም ኣመልኪቱ።
ካብ ራያን ጸለምትን ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ ዓድታቶም ክምለሱ ምጅማሮም ድማ ኣዘኻኺሩ። "ኣብ ራያ ዝነበረ ምምላስ ጸገም ኣለዎ፤ ካብቲ ዘቐመጥናዮ ኣንፈት፡ ካብቲ ዘቐመጥናዮ መንገዲ ዝወጸ’ዩ።"
ኣብይ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ ቀሊል ከምዘይኰነ ብምግላጽ "ሓደ ግዜ ካብዚ ሓደ ካብቲ ሰባት ዕንቅፋት ይፈጥሩ እዮም" ኢሉ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ቀንዲ ሓለፍቲ ህወሓትን "ነቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ሓያል ድሌት ኣለዎም" ኢሉ ከምዝኣምን ዝጠቐሰ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "ካብ ቀንዲ መራሕቲ መንግስትን ህወሓትን ነገራት ክፈሽሉ ዝደልዩ ሰባት ኣለው። ሕጂ'ውን ድርቅናኦም ዘይነከየ፡ ሕጂ’ውን ሓያል ቍጥዐ ዘለዎምን ውልቀሰባት ኣለው" ኢሉ።
ብዛዕባ ቍጠባዊ ጉዳያት
ኣብይ ኣብ ቍጠባዊ ጉዳያት እውን መልሲ ሂቡ ነይሩ። ቍጠባ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ከምኡ’ውን ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ምስ ዝነበረ ብምንጽጻር "ዕዉት ዓመት ኣሕሊፍና" ኢሉ።
ኣብቲ ክዛዘም ሒደት መዓልታት ዝተረፍዎ ባጀተ ዓመተ 2016፡ መንግስቲ 529 ቢልዮን ብር ንምእካብ መደብ ሒዙ፡ 466 ቢልዮን ብር እቶት ከምዝኣከበን 716 ቢልዮን ብር ከምዘውጽአን ገሊጹ።
ብመንጽር እቶት ሰለስተ ካብቶም "ቀንዲ ጸገማት" ዝበሎም እቲ ቀዳማይ ኮንትሮባንድ ኰይኑ፡ "ሕጂ'ውን ንቍጠባ ኢትዮጵያ ጸገም ኮይኑ'ሎ" ብምባል ወርቂን ካልኦት ብዙሓት ኣቑሑት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይወጽእ ከምዘሎ ጠቒሱ።
ምሕባእ እቶትን ንግዳዊ ምትላልን እውን እታ ሃገር እቶት ንኸይትረክብ ዕንቅፋት ይዀኑ ከምዘለዉ’ውን ኣመልኪቱ።
ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ድሕሪ ዝተለዓለ ኲናት፡ ሚሊሻ ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ ብቐይሕ ባሕሪ ኣቢለን ኣቍሑ ዘጓዓዕዛ መራኽብ ዝፍጽሞ መጥቃዕቲ ንግዲ እቲ ዞባ ክዕንቀፍ ገይሩ’ዩ።
"ንዕኡ’ውን ገምጊምና፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣይመሓየሽን፣ ስለዚ ሰደድና ድማ ክጽሎ'ዩ ኢልና ተረዲእና። ኣብዚ ዓመት ግን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ ኣርባዕተ ሚእታዊት ዕብየት ሰደድ ክግበር ተኻኢሉ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ጸገም ኣብ ግምት ብምእታው ኣዝዩ ዓቢ ዓወት'ዩ" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ "ብመንጽር ኲናት፡ ሕጽረት ሓገዝ፡ ስእነት ልቓሕን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘጋጠሙ ጸገማትን ክርአ እንከሎ ሎሚ ዓመት ከም ዕዉት ኢና ንግምግሞ" ብምባል ሓፈሻዊ ኣፈጻጽማ ቍጠባ ዝምልከት ርእይቶኡ ኣስሚዑ።