እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ከባቢ ፀለምቲ ተዘርጊሑ ዝፀንሐ ምምሕዳር ኣምሓራ ፈሪሱ
እቲ ኣብ ትሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ተጣይሹ ዝፀንሐ ምምሕዳር ፀልማትን ከባቢኡን ፈሪሱን ኣብያተ ጽሕፈቶም ተዓጽዩ ከምዘሎ ምንጪታት እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ብሰንኪ እቲ ደማዊ ኲናት ትግራይ ካብቲ ከባቢታት ብግፍዒ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ናብ ዓዶም ይምለሱ ከምዘለዉ ድማ ተፈሊጡ። እንተዀነ ሕጂ’ውን ስግኣት ፀጥታ ከምዘለዎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ድሕሪ ምጅማር ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዝርከብ ወረዳ ፀለምት፡ ኣብ ትሕቲ ክልል ኣምሓራ ‘ጠለምት’ ብዝብል ክመሓደር ዝፀንሐ ክልተ ወረዳታትን ሓንቲ ምምሕዳር ከተማን ይጥቀሳ። ንክልቲኡ ክልላት ከሰሓሕብ ካብ ዝጸንሐ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ሓንቲ እያ።
ንከተማ ማይ ፀብሪ ሓዊሱ ምምሕዳር እቲ ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ዞባ ሰሜን ጎንደር ተጠቓሊለን ፀኒሐን።
ካብቶም ዝፀንሑ ኣመሓደርትን ነበርትን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ 21 ሰነ 2016 [ግእዝ] ጀሚሩ እዩ ክፈርስ ተገይሩ።
እቶም ነቲ ከባቢ ዝመርሑ ዝነበሩ ብክልል ኣምሓራ ዝተመዘዙ ኣመሓደርቲ፡ "ስራሕ ደው ከብሉ ከምዝተኣዘዙ" ኣብሪሆም። ካብታ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብያተ ጽሕፈት እተን ምምሕዳራት ተዓሺገን ምህላወን እቶም ምንጪታት ሓቢሮም።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ "ፖሊስ፡ ሚሊሻን ዓቃቢ ሰላምን" ብዝብል ኣብቲ ከባቢታት ተዋፊሮም ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታ ኣምሓራ፡ ካብ ቀዳም ጀሚሩ ናብ መዳውብቲ ወረዳ ዓዲ ኣርቃይ ዞባ ሰሜን ጎንደር ክስሕቡ ከምዝተገብሩ እውን እቶም ምንጭታት ወሲኾም ሓቢሮም።
ብመሰረት ክልተ ምንጭታት እዚ ካብ ዝፍጸም ጀሚሩ፡ ብሰንኪ ኲናት ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ትግራይ ካብ ቀዳም ጀሚሮም ክምለሱ ጀሚሮም ኣለው።
ኣብታ መዓልቲ ናብቲ ከባቢ ዝተመልሰ ሓደ ካብቲ ቦታ ተመዛቢሉ ዝጸንሐ ተመላሲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ከተማ ማይፀብሪ ምስ በጽሑ፡ ብህዝቢ ጽቡቕ ኣቀባብላ ከምዝገበረሎም፡ እንተዀነ "ዕጡቓት [ሰባት] ብረቶም ሒዞም ክንቀሳቐሱ" ከምዝረኣዩን ስግኣት ከምዝፈጠረሎምን ገሊጹ።
“ኣብ መንገዲ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ብመከላከያ ተዓጂብና ኢና መጺእና፤ ዝዀነ ጸገም ኣይነበረን፤ ኣብቲ ባይታ ግን፡ እቶም ዕጥቆም ኣራጊፎም ዝተበሃሉ ኣካላት ምስ መሳርያኦም እናተንቀሳቐሱ ጸኒሖምና። ዋላ ኣብ መሬት ፀለምቲ ይዅን ‘ምበር ኣብ ሓደጋ ከምዘለና እዩ ዝስመዓና።”
እቶም ተመለስቲ ናብ መረበቶም ምስ በጽሑ ናብ "ቅድሚ ሕጂ ዝነበርዎ ገዛኦም" ይምለሱ ከምዘለዉ ሓቢሮም።
ካብ መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዝተዋጽኡ ተዓዘብቲ እቶም ዝተመልሱ ናብ ገዛኦም ክምለሱ ይከታተሉ ከምዘለው ምንጭታት ሓቢሮም።
ካብ ክልቲኤን ክልላት ዝመጹ ወከልቲ እቲ ኮሚቴ፡ ካብ እንዳባጉና ዝተባህለ ግዝያዊ መዕቈቢ ጀሚሮም ተዋፊሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ጠቒሶም።
ካብ ክልል ኣምሓራ ዝተወከሉ መራሕቲ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ጎንደር ዲያቆን ሸጋው ኡቤ፤ ምምላስ ተመዛበልቲ ብዝምልከት ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ኣብ ስራሕ ኢና ዘለና፣ ሕጂ ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና" አሉ።
ሓላፊት ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳያት ክልል ትግራይ ሜጀር ጀነራል ዘውዱ ኪሮስ እውን ብዛዕባ መስርሕ ምምላስ እቶም ተመዛበልቲ "ድሕሪ ምዝዛም ቀዳማይ ዙር ሓበሬታ እንተንህብ ዝሓሸ ምኾነ" ብምባል ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቘጢባ።
ገለ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ ዛጊድ ልዕሊ ሓደ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእቲን ተመዛበልቲ ናብቲ ከባቢ ተመሊሶም ኣለዉ።
ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝመዛበሉ ሰባት ኣስታት 80 ሽሕ ከምዝዀነ፡ ኣብ ቀዳማይ ዙር ክሳብ 10 ሽሕ ተመዛበልቲ ንምምላስ ትልሚ ከምዘሎን ጸብጻባት የመልክቱ።
ንክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘሰሓሕቡ ከባቢታት ቅድሚ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ትሕቲ ክልል ትግራይ ዝነበሩ ኰይኖም ብወገን ክልል ኣምሓራ ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ዝተኸለሉ እዮም ዝብል ሕቶ ክለዓል ጸኒሑ እዩ።
ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ነቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ተቘጻጺሮም ዝጸንሑ ኰይኖም፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ እቶም ከባቢታት ናብ ምምሕዳሩ ክምለሱ ብተደጋጋሚ ክሓትት ጸኒሑ።
እቲ ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ መንግስቲ ፈደራል፡ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን፡ ነቶም ዘሰሓሕቡ ከባቢታት ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ ይሰርሑ ከም ዘለዉ’ኳ እንተገለጹ፡ ኣብተን ከባቢታት ዳግማይ ግጭታት ክለዓሉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣታት ነይሩ።