ኣብ ቱርኪ ዝተራኸባ ኢትዮጵያን ሶማልያን እንታይ ተሰማሚዐን?

ሰኑይ 1 ሓምለ [24 ሰነ 2016 - ግ] ብሓልዮት ቱርኪ ኣብ ኣንካራ ዝተራኸባ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንዘጋጠመን ዘይምርድዳእ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ድልውነተን ገሊጸን።

ካብ ቱርኪ ብዝቐረበለን ዕድመ መሰረት ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታየ ኣጽቀስላሴን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ሶማልያ ኣሕመድ ሞሊምን ኣብ ኣንካራ ድሕሪ ምዝታዮም ሓባራዊ መግለጺ ሂቦም።

እቶም ሚኒስተራት፡ ፍልልያት ሃገራቶም ብኽልቲእን ወገን ተቐባልነት ብዘለዎ መቓን ንምፍታሕ ኣብ ዝሕግዙ ኵነታት ከምዝተዘራረቡ ኣብቲ ሓባራዊ መግለጺ ጠቒሶም።

ኣብቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ሃካን ፊዳን ዘማእከሎ ዝርርብ ዝተራኸቡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት፡ ቅሉዕ፡ ምሕዝነታዊን ንቕድሚት ዝጥምትን ዘተ ከምዘካየዱ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ’ቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ምስሕሓብ ተጸሚደን ዝጸንሓ ክልቲኤን ሃገራት፡ ነቲ ኣብ መንጐአን ዝተፈጠረ ወጥሪ ንምህዳእ ንፈለማ እዋን እየን ብቐጥታ ተራኺበን ዘለዋ።

ክልቲአን ሃገራት ሰናይ ጉርብትናን ዞባዊ ምርግጋእን ኣብ ግምት ብምእታው መፍትሒ ሓሳብ ንምንጻር ዝዓለሙ ዝርርባት ክቕጽላ ኣብ ስምምዕ ምብጸሐን ኣፍሊጠን ኣለዋ።

በዚ መሰረት ከኣ እቶም ሚኒስተራት ን 2 መስከረም 2024 [ 27 ነሓሰ 2016] ንኻልኣይ ዙርያ ዘተ ኣብ ኣንካራ ክራኸቡ ምዃኖም ተገሊጹ’ሎ።

ሶማልን ኢትዮጵያን ፍልልያተን ንምፍታሕ ብኽልቲአን ተቐባልነት ዘለዎም መገዲታት ከም ዝዳህሰሳ'ኳ እንተገለጸ እቶም ቅቡልነት ዘለዎም ዝተበሃሉ ጉዳያት ግን ኣይተጠቐሱን።

ሚኒስተር ሃብቲ ነዳድን ማዕድንን ሶማልያ ነበር መሓመድ ሙኽታር ኢብራሂም ንቢቢሲ ሶማሊ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ እንተሰሪዛት ምናልባት ንኽልቲአን ተረባሕቲ ኣብ ዝገብረን ጉዳያት ድርድር ክጅምራ ከምዝኽእላ ኣእንፊቱ።

ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ሶማሊላንድ ንወደባት ሶማልያ ክትጥቀም እትኽእለሉ ስምምዕ ክህሉ ከምዝኽእል እውን እቲ ሚኒስተር ነበር ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ናይቲ ዝርርብ'ኳ እንተዘይሃበ "ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ንመትከል ምዕቃብ ግዝኣታዊ ሓድነት ከምዘይዋገ" ደጊሙ ኣረጋጊጹ’ሎ።

ስምምዕ ኢትዮጵያ-ሶማሊላንድ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ዓለምለኻዊ ምትሕግጋዝን ሶማሊላንድ ኢሳ ካይድ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ንቢቢሲ ሶማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ መደበር ሓይሊ ብኽራይ እትረኽበሉ ብመተካእታኡ ኸኣ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ሃገርነት እትህበሉ ስምምዕ ድሕሪ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ከምዝፍረም ሓቢሩ ነይሩ።

ኢትዮጵያ ኣብታ ባዕላ ናጻ ሃገር ከምዝዀነት ዝኣወጀት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ 20 ኪሎ ሜትር ዝስፍሓቱ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዝፈረመቶ ሰነድ ምርድዳእ፡ ንሶማል ኣዝዩ ከምዘቘጠዓን ኣብቲ ዞባ ዓቢ ወጥሪ ከምዝፈጠረን ይፍለጥ።

ብወገን ሶማልያ ተደጋጋሚ ክስታትን መግለጺታትን ካብ ምቕራቦም ብተወሳኺ ነቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ወሲዳቶ’ላ።

ኣብ ቀረባ እዋን ከኣ ካብ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ወጻእ ዝዀኑ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ሰጊሮም ናብ ሶማልያ ከምዝኣተዉ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቕሪባ ነይራ።

ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ ነቲ ሶማልያ ዘቕረበቶ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ብምባል ነጺጋቶ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ ቅድሚ መወዳእታ ሰነ እንተዘይሰሪዛ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ዓቃቢ ሰላም ተዋፊሮም ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሶማልያ ንኽወጽኡ ሃገራዊ ድሕነት እታ ሃገር ከምዘጠንቀቐ ይዝከር።

ኢትዮጵያ ብወገና ሰራዊታ ክትስሕብ እንተዀይና ወግዓዊ ሕቶ ምስ ቀረበ ተግባራዊ ከምዝኸውን ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ነብዩ ተድላ ኣፍሊጡ።