እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ ‘ወተሃደራታ ናብ መሬት ሶማልያ ኣትዮም’ ዝብል ክሲ ነጺጋቶ
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ነብዩ ተድላ፡ “ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ሰጊሮም ናብ ግዝኣተይ ኣትዮም" ዝብል ክሲ 'መሰረት ከምዘይብሉ' ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሶማልያ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ወፃኢ፡ ብ17 ሰነ 2016 [ዓ.ም ግእዝ] “ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ሰጊሮም ናብ ሶማልያ ኣትዮም” ዝብል ክሲ ብወኪላ ኣምባሳደር ኣቡበከር ዑስማን ኣቢላ ናብ ባይቶ ጸጥታ ጥርዓን ኣቕሪባ ነይራ።
ኢትዮጵያ፡ ከም ኣካል መሰጋገሪ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃን ምስ ሶማልያ ዝገበረቶ ክልተኣዊ ስምምዕን ኣብ ሶማልያ ብዙሓት ሰራዊት ኣዋፊራ ከምእትርከብ እቲ ወሃቢ ቃል ጠቒሱ።
ስለዚ ከምቲ ብመንግስቲ ሶማልያ ዝተባህለ "ስግረ ዶብ ወተሃደራዊ ስርሒት [ወፍሪ] ኣይተኻየደን" ክብል ንቢቢሲ ኣብሪሁ።
ኣምባሳደር ነብዩ ወሲኹ፡ ምስቶም ኣብ ሶማልያ ከም ዓቃቢ ሰላም ኰይኖም ዝንቀሳቐሱ ላዕለዎት መራሕቲ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘተ ከምዝተኻየደ ኣመልኪቱ።
ካብቲ ዘተ ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ "ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝግበር ዝነበረ፡ ዝኾነ መጻኢ ሓደጋ ንምክልኻልን ንምግጣምን ዝግበር ስሩዕ ወተሃደራዊ ስልጠና እዩ ነይሩ" ኢሉ።
ኣብ ሶማልያ ዓስኪሩ ዘሎ ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ፡ ካብ ሓደ ወተሃደራዊ መዓስከር ናብ ካልእ ወተሃደራዊ መዓስከር ምንቅስቓስ፡ ከምኡ’ውን ምንቅስቓስ ናውቲ ወይ ካልእ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ከምዝግበር’ውን እቲ ወሃቢ ቃል ተዛሪቡ።
እዚ ንቡር ንጥፈት ምዃኑ ዝገለጸ ኣምባሳደር ነብዩ፡ "ምስ'ዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ክትዕ ተተሓሒዙ ነቲ ጉዳይ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ንምጉህሃር ዝግበር ጻዕሪ'ዩ" ብምባል ንመንግስቲ ሶማልያ ነቒፉ።
ኣብዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ሶማልያ፡ ካብ ቪላ ሶማልያ [መንበር ፕረዚደንት እታ ሃገር] ወጻኢ ዝርከብ ግዝኣት ሶማልያ ከምዘይቆጻጸር ድማ ኣስሚሩሉ።
ኣምባሳደር ሶማልያ ኣብ ውድብ ሃገራት ኣቡበከር ዑስማን ንወተሃደራት ኢትዮጵያ 'ዶብ ጥሒሶም ሰጊሮም ክብል ዝኸሰሰ፡ ባይቶ ፀጥታ ብሰኑይ ሰነ 17 2016 ዓ.ም [ግእዝ] ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ጸጥታ ሶማልያ ዘለዎም ተራ ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘተየሉ ኣኼባ እዩ።
"ብሰንኪ ተግባራት ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ዘይሕጋዊ ምስጋር ዶባት ሓዊሱ እታ ሃገር ኣብ ወርሒ መስከረም ተሊማቶ ዝነበረት ምስግጋር ከተናውሕ ተገዲዳ ኣላ" ኢሉ።
እቲ ተወካሊ ኣምባሳደር፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ምስግጋር ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
እንተዀነ፡ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዝርክበ ዓቓቢ ሰላም ኢትዮጵያ ከወፅእ ተሓቲቱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
እቲ ኣምባሳደር "እቲ ባይቶ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ሶማልያን እቲ ዞባን ከስዕቦ ዝኽእል ጽልዋታት ክሓስበሉ ይላቦ" ኢሉ።
እንታይ እዩ ተባሂሉ ነይሩ?
ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ንእስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ኣልሸባብ ንምጥቃዕ ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ሶማልያ፡ ዶብ ጥሒሶም ከምዝሰገሩ ክስታት ክስምዑ ቀንዮም።
ነበርቲ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ እትዳወብ ግዝኣት ሂራን እትርከብ ከተማ ማታባ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ብኸቢድ ኣጽዋር ዝተሰነዩ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከምዝረኣዩ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣመሓዳሪ ከተማ ማታባነ ንቢቢሲ ሶማልኛ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ወተሃደራት ዕጡቓት ኣልሸባብ እናሰዓቡ ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ዶብ ሶማልያ ምስጋሮም ምስ ተሓበረ፡ ናብ ቦታኦም ከምዝተመልሱ ገሊፁ።
ኣብ ደቡባዊ ሶማልያ፡ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሂራን በሽር ዓብዲራሕማን ሸከየ ብወገኑ ንቢቢሲ ሶማልኛ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናብ መሬት ሶማልያ ዝኣተዉ ወተሃደራት ልዕሊ 3 ሽሕ ከምዝዀኑ ሓቢሩ።
ገለ ካብኣቶም ሰራዊት፡ ካብ ዶባዊት ከተማ ፋርፈር ተበጊሶም፡ ዓርቢ 14 ሰነ 2016 ዓ.ም [ግእዝ] ዶብ ኣቋሪጾም ናብ መሬት ሶማልያ ምእታዎም እቶም ጸብጻባት ይሕብሩ።
በሽር ዓብዲራሕማን ሸከየ፡ ምስ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ኣመሓደርቲ እታ ክልልን ፈደራል መንግስቲ ሶማልያን ድሕሪ ምዝርራብ፣ እቶም ኣባላት ሰራዊት ናብ ዝመጽዎ ቦታ ከምዝተመልሱ ኣመልኪቱ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሂራን ኦንላይን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ጥቓ ዶባዊት ከተማ ፈርፈር ዝተራእዩ ዕጡቓት ኣልሸባብ እናሰዓበ ናብ ዶብ ሶማል 70 ኪሎ ሜተር ንውሽጢ ኣትዩ ነይሩ።