ኤፍ.ቢ.ኣይ ካብ መንበሪ ገዛ ትራምፕ ምስጢራዊ ሰነዳት ወሲዱ

ፌዴራላዊ መርመራ ገበን ኣሜሪካ (ኤፍ.ቢ.ኣይ) ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ መንበሪ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብምውራር፡ ልዑል ምስጢራዊ ሰነዳት ከምዝሓዘ እቲ ናይ ምፍታሽ ትእዛዝ ይሕብር።

 በዚ መንገዲ፡ ኣባላት ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ ቲ.ኤስ/ኤስ.ሲ.ቲ [TS/SCI] ተባሂሎም ዝተለለዩን ምልክት ዝተገብረሎምን ዓሰርተ ሓደ ሰነዳት ዝሓዙ ዀይኖም፣ እዚ ድማ ኣብ ሃገራዊ ድሕንነት እታ ሃገር ሓደገኛ ጉድኣት ከስዕብ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

 ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ናይ ሓደ ፕረዚደንት ነበር ገዛ ብገበናዊ መርመራ ዝተዘመተሉ እዚ ንፈለማ እዋን'ዩ።

 እቲ ዝርዝር ሰነዳት ዓርቢ ንህዝቢ ዝተገልጸ፡ እቲ ዳኛ፡ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ዝርከብ መነበሪ ገዛ ትራምፕ ናይ ምፍታሽ ትእዛዝ ዘጠቓለለ 7 ገጻት ዝሓዘ ሰነድ ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ።

 ፎቶ ኣልበም፣ ብኢድ ዝተፅሓፈ መዘኻኸሪ፣ ብዛዕባ "ፕረዚደንት ፈረንሳ" ዝምልከት ሓበሬታን፡ ንነዊሕ እዋን መሓዛ ትራምፕ ዝኾነ ሮጀር ስቶን ወኪሉ ዝተጻሕፈ ናይ ይቕረታ ደብዳበን ሓዊሱ ልዕሊ 20 ሳጹናት፡ ኣብቲ ሰኑይ ዝተገብረ ተፍትሽ ብመርመርቲ ተታሒዞም።

 ብተወሳኺ፡ ኣርባዕተ ልዑል ምስጢራዊ ሰነዳት ዝሓዙ ፋይላት ተረኺቦም፡ ኣብ ውሽጦም ድማ ሰለስተ ምስጢራዊ ሰነዳትን ምስጢራዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ኣቑሑትን ተረኺቦም ተባሂሉ።

ኣባላት ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ ሓደገኛ ክኸውን ዝኽእል ሓበሬታ ሃገራዊ ድሕነት ምሓዝ ወይ ምትሕልላፍ ዝኽልክል ሕጊ ምጥሓስ ይምርምሩ ከምዘለዉ እቲ ትእዛዝ ይሕብር።

 እቶም ምስጢራዊ ተባሂሎም ዝተፈለዩ ሰነዳትን ንዋትን ምውሳድ ብሕጊ ክልኩል እዩ።

 ትራምፕ፡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ባዕሉ ናይዚ ገበን መቕጻዕቲ ኣዕብዩዎ።

እቲ ተግባር ኣብዚ ሕዚ እዋን ክሳብ 5 ዓመት ማእሰርቲ ዘቕፃዕ እዩ።

 ብመሰረት፡ እቲ ናይ ትእዛዝ መዘክር፡ እቲ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ዝተኻየደ ፍተሻ ኣብ መንበሪ ትራምፕ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይነበረን። '45 ኣብያተ ፅሕፈት'ን ኣሃዱታት መኽዘን ሰነዳትን ዘጠቓለለ ኰይኑ፤ ትራምፕን መሓዙቱን ክጥቀሙሉ ዝጸንሑ ናይ ብሕቲ ናይ ኣጋይሽ ክፍልታት ግን ኣየካትትን።

ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣሜሪካ፡ እቲ ቤት ፍርዲ እቲ ጉዳይ ብዝምልከት ትማሊ ሓሙስ ንህዝቢ ዕላዊ ክግበር ሓቲቱ።

ሓደ ጉዳይ ኣብ መርመራ እንተሎ፡ ንህዝቢ ዕላዊ ክግበር ዘይተለምደ እዩ ተባሂሉ።

 ቤት ጽሕፈት ትራምፕ ብወገኑ፡ ብዓርቢ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ስልጣኑ ተጠቒሙ፡ ምስጢራዊ ሰነዳት ካብ ምስጢራዊነቶም ናይ ምውጋድ ከምዝሰርሐ ሓቢሩ።

 "እቶም ሰነዳት ካብ ቤት ፅሕፈቶም ናብ መንበሪ ገዝኦም ምውሳዶም መርኣያ ናይዚ እዩ" ክብል እቲ መግለፂ ወሲኹ ሓቢሩ።

 እቲ መግለጺ፡ "እቲ ሰነዳት ናይ ምልላይን ምክፍፋልን ስልጣን ብሕታዊ ሓላፍነት ናይቲ ፕረዚደንት እዩ" ይብል።

እዚ ምጉት ኣብ ቤት ፍርዲ ክቕጽል ድዩ ኣይቅጽልን ንጹር ከምዘይኮነ ክኢላታት ሕጊ ኣሜሪካ ንማዕከናት ዜና'ታ ሃገር ገሊጾም።

ጠበቓ ክፍሊ ፍትሒ ነበር ቶም ዱፕሪ፡ "ፕረዚደንታት ሰነዳት ክፈልዩ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ፡ ግቡእ ኣሰራርሓታት ክኽተሉ ኣለዎም” ይብል።

 “ቅጥዒ ክመልኡ ኣለዎም። ፍቓድ ክህቡ ኣለዎም። እዞም ሰነዳት እዚኣቶም ተለልዮም እዮም ጥራይ ክበሃል ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ኣሰራርሓታት ክኽተሉ ስለዘለዎም። ትራምፕ ነዚ ተኸቲሉ ድዩ ኣይተኸተለን ንጹር ኣይኮነን" ኢሉ።

 ወሃቢ ቃል ትራምፕ ታይለር ቡዶዊች፡ ምምሕዳር ጆ ባይደን ብዛዕባ ቀንዲ ፖለቲካዊ መወዳድርቱ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ይዝርግሕ ኣሎ ክብል ከሲሱ።

 መሓዙት ትራምፕ'ውን ትራምፕ ኣብ 2024 ዳግማይ ንኽወዳደር ስለዝሓስብ፡ እቲ ናይ ምፍታሽ ስጉምቲ ፖለቲካዊ ምዃኑ ኣውጊዞመምዎ።

 ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ድሕሪ'ቲ ብ ኤፍ.ቢ.ኣይ ዝተፈጸመ ተፍትሽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን መንግስቲ ብኢንተርነት ዝግበር ምፍርራሕ'ውን ይከታተሉ ኣለዉ።

 ነቲ ትእዛዝ ብውልቁ ዘጽደቐ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኣሜሪካ፡ ሜሪክ ጋርላንድ፡ ንኣባላት መርመራ ገበን ፌደራል "ውፉያትን ሃገራውያንን ኣገልገልቲ መንግስቲ" ክብል ብሓሙስ ተኸላኺሉሎም።

 እቲ ዋና ዓቃቢ ሕጊ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ተኣማንነቶም ብዘይፍትሓዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን፡ ኢደይን እግረይን ኣጣሚረ ኣይቅመጥን" ኢሉ።