ዶናልድ ትራምፕ፡ 'ኤፍ.ቢ.ኣይ ናብ ገዛይ ማዕጾ ሰቢሮም ኣትዮም'

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ ገዝኡ ብኤፍ.ቢ.ኣይ (ፌደራል ቢሮ መርመራ) ከምዝተዘምተን ማዕፅኡ ከምዝተሰብረን ገሊጹ።

ዋላእኳ ኤፍ.ቢ.ኣይ ይኹን ሚኒስቴር ፍትሒ መንበሪ ገዛ ትራምፕ ከምዝተዘመተ እንተዘይኣረጋገፀ፤ ድሕሪ እቲ ፍተሻ፡ ትራምፕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ፖሊስ መንበሪ ገዝኡ ከምዝኸበብዎን ደጊሞም ከምዝፈተሹን ሓቢሩ።

እቲ ናይ ትማሊ ሰኑይ ተጓንፎ፡ ምስ ኣተሓሕዛ ሕጋዊ መዛግብቲ ትራምፕ፡ ዝምልከት ምርመራ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይግለጽ።

 ትራምፕ ግን ዳግም ንዋይት ሃውስ ንኸይወዳደር ፖሊስ ነቲ ፍተሻ ከምዘካየደ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

መግለጺ ትራምፕ፡ "እዚ ንሃገርና ጸልማት እዋን'ዩ። ቅድሚ ሕዚ ከምዚ ዓይነት ነገር ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን" ኢሉ።

ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን ኣኽባሪ ሕጊ ግና፡ ንወኪል ቢቢሲ ኣሜሪካ ዝኾነ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንሚስጢራዊ ኣገልግሎት ከምዝተሓበረን፡ ኣባላት ሓለዋ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ምስ መርመርቲ ኤፍ.ቢ.ኣይ ከም ዝተሓባበሩ ሓቢሩ።

ብዙሕ ሳንዱቕ ከምዝተወሰዱ ዝገለጸ እቲ ምንጪ፡ ዝኾነ ማዕጾ ከምዘይተሰብረን፡ እቲ ተፍትሽ ኣጋ ምሸት ከም ዝተዛዘመን ሓቢሩ።

ናይ ፌደራል ናይ ምፍታሽ ትእዛዝ ብዳኛ ክፍረም ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ትእዛዝ፡ ትራምፕ ገበናዊ ክሲ ክቐርብሉ ከምዝኽእል ዝሕብር'ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ መጀመርያ ናይ ‘ዘይሕጋውነት’ መርትዖ ከቕርቡ ኣለዎም።

እዚ ንትራምፕ እንታይ ማለት እዩ?

ዓቃቢ ሕጊ ግዝኣት ፓልም ቢች ካውንቲ ዴቭ ኣሮንበርግ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንታት ነበር፡ ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ተራእዩ ኣይፈልጥን” ክብል ገሊጽዎ።

ፕረዚደንታት ኣመሪካ፡ ብሕጊ መዛግብቲ ፕረዚደንት (PRA) ኩሉ ደብዳቤታቶም፣ ሰነዳት ስራሕን ኢመይሎምን ናብ ሃገራዊ ማህደር (NA) ከሰጋግሩ ይግደዱ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ሃገራዊ ማህደር፡ ካብ ማር-ኣ-ላጎ 15 ሳንዱቕ ወረቓቕቲ ከም ዝረኸበን ትራምፕ ካብ ዋይት ሃውስ ክወጽእ ከሎ ከረክብ ከምዝነበሮን ገሊጹ ነይሩ።

ድሒሩ፡ እቲ ትካል ንኮንግረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ሳንዱቓት "ምስጢራዊ ሃገራዊ ሰነዳት" ሒዞም ከምዝነበሩ ሓቢሩ።

ጠበቓ ትራምፕ ክርስቲና ቦብ፡ ንኤንቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ በቲ ተፍትሽ ገለ ሰነዳት ከም ዝተታሕዙ ገሊጻ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝካየድ ዘሎ ምጽራይ ሕጊ፡ ሪፓብሊካን ኣብ 2024 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንኽነሓንሑ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

ትራምፕ ምስቲ መንግስታዊ ሰነዳት ብዝተኣሳሰር ገበን እንተተፈሪዱ፡ ዳግማይ ንምርጫ ከይወዳደር ክኽልከል ይኽእል እዩ።

ዜና ናይቲ ዘመተ ግና፡ ንገለ ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ክተኣኻኸቡን ዳግም ክውደቡን ምኽንያት ኮይኑዎም ኣሎ።

ደገፍቱ ኣብ ደገ ማር-ኣ-ላጎ ተኣኪቦም ባንዴራታት ከንበልብሉን ቁጥዐኦም ክገልጹን ተራእዮም።

ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ተወከልቲ ውድብ ሪፐብሊካን ድማ፡ ከምቲ ገለ መለኽቲ ኣብ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ዝገብርዎ፡ እቲ ስርዓት ፍትሒ፡ መሳርሒ ፖለቲካ ይኸውን ኣሎ ክብሉ ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለዉ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ኩሎም ዝምልከቶም መንግስታዊ ትካላት ከም ዝተሓባበር ብምግላጽ፡ "ኣብ ልዕሊ ገዛይ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ ወራር ኣድላዪ ወይ ግቡእ ኣይነበረን" ኢሉ።

ንሱ፡ዳግማይ ንዋይት ሃውስ ንከይወዳደር፡ ብኣግኡ ዝካየድ ምትዕንቓፍ ገይሩ ከምዝቖጽሮ’ውን ከሲሱ።

"ናብ ገዛይ ማዕጾ ሰቢሮም ኣትዮም!"

እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ኣብቲ ኣብ ገዝኡ ተፍትሽ ዝተፈጸመሉ እዋን፡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ትራምፕ ታወር እዩ ነይሩ።

ካልኦት ክስታት ኣብ ልዕሊ ትራምፕ

ስም ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ብዙሓት ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዝተኣሳሰር ኮይኑ ኣሎ።

ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ዝሓቖፈት ኮሚቴ፤ ትራምፕ ኣብቲ ኣብ መባእታ 2021 ኣብ ካፒቶል ሂል ዝተፈጸመ ናዕቢ ዝነበሮ ኢድ ይምርምር ኣሎ።

ኣባላት ባይቶ ንውጽኢት ምርጫ ናይቲ ኣብ 2020 ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ዝተዓወተ ጆ ባይደን ንምጽዳቕ ኣብ ዝዳለዉሉ መዓልቲ፡ ብርክት ዝበሉ ደገፍቲ ትራምፕ ካፒቶል ሂል ወሪሮም ነይሮም።

ሚኒስቴር ፍትሒ ኣሜሪካ እውን እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ውፅኢት መረፃ 2020 ምቕባል ዝኣበየሉ ምኽንያታት ይምርምር ኣሎ።

ሓደ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ግዝኣት ጆርጅያ ድማ፡ ትራምፕን ኣማኸርቱን ኣብ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ግዝኣት 2020 ጽልዋ ከሕድሩ ፈቲኖም ድዮም ኣይፈተኑን ይምርምር ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ትራምፕ ምስ ምትላልን ተንኮከልን፣ ምዕናው ንብረትን ጾታዊ ትንኮሳን ብዝተኣሳሰር ክስታት ይቐርበሉ ኣሎ።

 ትራምፕ ግን ብዝኾነ ነገር ገበነኛ ከምዘይኮነ ይዛረብ።