ዶናልድ ትራምፕን ምኽትሉ ዝነበረ ማይክ ፔንስን መተሓላልኽቲ ኰይኖም ቀሪቦም

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕን ምኽትሉ ዝነበረን ማይክ ፔንስን፡ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኣሪዞና ንምዃን ተስፋ ሒዞም፡ ከም ሕጹያት ሰልፊ ሪፓብሊካን ተወዳዳሪ ኣኼባታት ከምዘካየዱ ተፈሊጡ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ [ዝሓለፈ] ምርጫ ተታሊሉ እዩ ንዝብል ምዕዝምዛሙ ብእትድግፍ ካሪ ሌክ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ክምድር እንከሎ፣ ፔንስ ድማ ተቓዋሚታ ብዝኾነት ካሪን ቴይለር ሮብሰን ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ቀሪቡ ድጋፉ ገሊጹላ።

ትራምፕን ሚስተር ፔንስን ኣብ 2024 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ክወዳደሩ ይኽእሉ እዮም።

ትራምፕን፡ ነቲ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ 2020 ኣብ ምርጫ ዝረኸቦ ዓወት ክዓግቶ ብዘይምኽኣሉ፡ ንፔንሲ ተሓታቲ ምስገበረ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ዝነበረ ርክብ ክበላሾ ጀሚሩ።

ትራምፕ እቲ ምርጫ ካብኡ ከም ዝተሰርቀ'ዩ ዝገልጽ፤ ነቲ ምክትል ፕረዚደንቱ ድማ ነቲ ውጽኢት ምርጫ ንኸይቕበል ሓቲትዎ ነይሩ። ፔንስ ግን እዚ ዘይሕጋዊ እዩ፡ ክብል'ዩ ወሲኑ።

ብ6 ጥሪ 2021 ኣብ ካፒቶል ኣብ ዝተገብረ ናዕቢ ጭፍራ ደገፍቱ፡ ነቲ ውጽኢት ንምፍራስ ናብ ኮንግረስ ምስ መጺኡ ትራምፕ ንሚስተር ፔንሲ "ንሃገርና ንምዕቋብ ክግበር ዝነበሮ ነገር ንምግባር ትብዓት ኣይነበሮን" ኢሉ ወቒስዎ።

ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ኣብ ኮንግረስ ዘጋጠመ ናዕቢ ይምርመር ኣሎ። እቲ ጉባኤ፡ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ከሎ ነቲ ፍጻመታት ኣብ ተሌቪዥን ይርእዮ ከምዝነበረን ደቁን ደገፍቱን ነቲ ጭፍራ ንኽነጽግ ዘቕረብሉ ልመና ዕሽሽ ከምዝበሎን ሰሚዑ እዩ።

ጋዜጠኛ ዝነበረት ሚስ ሌክ፡ ኣብ ማእከላይ ኣሪዞና ኣብ ትርከብ ፕሪስኮትቫሊ እትበሃል ከተማ፡ ብዓርቢ ኣብ ዝገበረቶ ጎስጓስ ንደገፍታ፡ "ዝተጠፋፍአ ምርጫ" ተቐባልነት ከም ዘይህልዎ ገሊጻ።

ንሚስ ሌክ ስዒቡ ናብ መድረኽ ዝወጸ ትራምፕ፡ ነቶም ህዝቢ "እቲ ምርጫ ዝተጠፋፈአን ዝተሰርቀን ስለዝኾነ ሕጂ ሃገርና ብሰንኪ እቲ ምርጫ ኣብ ዕንወት ትርከብ" ኢሉ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ ሚስተር ፔንሲ፡ ኣብ ፒዮሪያ ኣብ ዝተገብረ ጎስጓስ፡ ንሚስተር ቴይለር ሮብሰን ደጊፉ ተዛሪቡ፣ "ኣብ 2016 - 2020 ንዝነበረ ዘመነ ንትራምፕ-ፔንሰ ኣበርቲዑ ዝሰርሐ ዋላ ሓደ ኣይነበረን።"

ንሱ ኣብ መደረኡ ዝዀነ ንትራምፕ ዝነቅፍ ዘረባ ኣየስምዐን፣ ነቲ ኣብ ምርጫ ተላዒሉ ዝነበረ ምጕት'ውን ኣይጠቐሰን።

ጸኒሑ ግን፡ "ሰልፊ ሪፓብሊክ ብዝሓለፈ ውጽኢታት ቁሪምሪም ክብል እንተጀሚሩ ክንስዓር ኢና" ክብል ኣብ ትቂተር ጽሒፉ።