እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢቫና ትራምፕ፡ ኣብ ኣካላት ብዘጋጠመ መጉዳእቲ ሞይታ
ቀዳመይቲ በዓልቲ ቤት ዶናልድ ትራምፕ ዝነበረት ኢቫና ትራምፕ፡ ኣብ ኣካላታ "ብዘጋጠመ ጽልዋ መጉዳእቲ" ከምዝሞተት ቤት ጽሕፈት ሕክምናዊ መርማሪ ከተማ ኒውዮርክ ገሊጹ።
ወሲኹ ድማ፡ ሞት እታ ጓል 73 ዓመት ብሓሙስ ብሃንደበት ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ኣብ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ዝወጹ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ እትነብረሉ ኣፓርታማ ብመደያይቦ ድሕሪ ምውዳቓ ከም ዝሞተት ይሕብሩ።
ኣብ ሃገረ ቸኮዝሎቫክያ ዝተወልደት ኢቫና ትራምፕ፡ ነቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ 1977 ተመርዕያቶ። ድሕሪ 15 ዓመት ድማ ኣብ 1992 ተፋቲሖም።
ዶናልድ ትራምፕ፡ "ኣዝያ ድንቂ፡ ጽብቕትን መስተንክርን ጓል ኣንስተይቲ እያ ነይራ፡ ዓቢን መነቓቕሕን ህይወት ዝመርሐት ነይራ" ክብል ንኢድዋ። ብሓባር ሰለስተ ቆልዑ ወሊዶም - ዶናልድ ጁንየር፡ ኢቫንካን ኤሪክ ትራምፕን።
ዶናልድን ኢቫና ትራምፕን ኣብ 1980ታትን 1990ታትን ኣብ ኒውዮርክ ፍሉጣት ሰባት ዝነበሩ ኰይኖም፡ ፍተሖም ድማ ሰፊሕ ህዝባዊ ምውዕዋዐዕ ዝፈጠረሉ እዋን ይሩ።
ድሕሪ ምፍልላዮም፡ ትራምፕ ቀጺላ ናይ ገዛእ ርእሳ ፍርያት ጽባቐ፡ ክዳውንትን ስልማትን ተቕርብ ነይራ።
ንሳ ኣብ 2017 ኣብ ዝጸሓፈቶ መዘከርታ 'ራይዚንግ ትራምፕ'፡ ንደቃ ብምዕባይ ቀዳምነት ወሲዳ፡ ክሳብ ኮለጅ "ብዛዕባ ትምህርቶም፣ ንጥፈታቶም፣ መገሻኦም፣ ክንክን ህጻናትን ዝምልከት" ባዕሉ ከምእትውስን ኣስፊራ። ኣብታ መጽሓፍ ወሲኻ፡ ምስ ሚስተር ትራምፕ ዝነበራ ርክብ ካብ ዝፋታሑ ጀሚሩ ከም ዝተመሓየሸን፡ ኣብ ሰሙን ኣስታት ሓደ ግዜ ከም ዝደዋወሉን ገሊጻ። ስድራቤት ትራምፕ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "ጽብቕቲ፣ሓላዪት ኣደን ዓርክን" ክብሉ ንኢዶምዋ።
"ኢቫና ትራምፕ ውጻእ መዓት እያ ነይራ። ካብ ኮሚኒዝም ሃዲማ ነዛ ሃገር ሓቚፋታ" ክብል እቲ መግለጺ ወሲኹ ገሊጹ።
"ንደቃ ብዛዕባ ጽንዓት፣ ርህራሄን ቆራጽነትን ምሂራ"። ምስ ኣዲኣ ኣዝያ ቅርበት ከምዝነበራ ዝተገልጸት ኢቫንካ ትራምፕ፡ ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፡ "ልባ ከምዝተሰብረት" ገሊጻ። "ማማ ብልጽቲ፡ መሳጢት፡ ውዕዉዕትን ተዋዛይትን እያ ነይራ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተግባራ ሓይሊ፡ ጽንዓትን ቆራጽነትን መርአያ ነይራ። ህይወት ምሉእ ብምሉእ ትነብር ነይራ - ሰሓቕን ስዕስዒትን ኣየምልጣን ነይሩ " ክትብል ጽሒፋ። ዶናልድ ትራምፕ፡ ካልኣይ በዓል ቤት ኢቫና እዩ ነይሩ። ናይ መጀመርታ ስብኣያ፡ ኣልፍሬድ ዊንክልማይር ዝበሃል ኦስትርያዊ መምህር ስኪን ኮይኑ፡ ዜግነት ኦስትርያ ንምርካብ ከም ዝተመርዓወቶ ይንገር።
እቲ ሓዳር፡ ካብታ ኮሚኒስታዊት ሃገራ ቼኮዝሎቫክያ ብዘይጸገም ኽትወጽእ ኣኽኢልዋ።