ትሩዝ ሶሻል፡ ትራምፕ ሓድሽ ማሕበራዊ መራኸቢ ሒዙ መጺኡ

ትሩዝ ሶሻል ዝተባህለ ማሕበራዊ ሚዲያ ዶናልድ ትራምፕ ብዝተወሰነ መልክዑ ኣብ ኣፕል ስቶር ኣመሪካ ተጀሚሩ።

እዚ መተግበሪ ምስ ትዊተር ዝመሳሰል ከም ዝኾነ ክግለጽ እንከሎ ገለ ተጠቀምቲ ግን ኣብ ምምዝጋብ ጸገማት ከም ዘጋጠሞም ተሓቢሩ።

ትራምፕ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ልዕሊ 88 ሚሊዮን ሰዓብቲ ነይሮምዎ።

ይኹን'ምበር ብ6 ጥሪ 2021 ኣብ ህንጻ ካፒቶል ድሕሪ ዝተወልዐ ናዕቢ ትራምፕ ጎነጽ ብምትዕብባይ ንሕግታተይ ጥሒሱ'ዩ ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ትዊተር፣ ፌስቡክን ዩትዩብን ከም ዝተኣገደ ይዝከር።

መራሒ ፕሮጀክት ሶሻል ትሩዝን ኣባል ኮንግረስ ዝነበረን ዴቪን ኔነስ እቲ መተግበሪ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ግብሪ ክኣቱ ትጽቢት ከም ዝግበር ተዛሪቡ።

ገለ እቶም ክምዝገቡ ዝፍትኑ ዘለው ተጠቀምቲ ድማ "ብዙሕ ጠለብ ስለ ዘሎ ክትጽበዩ ገይርና ኣለና" ከም ዝተባህሉ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

እዚ በቲ ሓደ ዓመት ዝገበረ ጉጅለ ሚዲያን ቴክኖሎጅን ትራምፕ (TMTG) ዝተመስርሐ መተግበሪ ንመፈተኒ ብዝብል ን500 ተጠቐምቲ ወግዓዊ ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዶላንድ ትራምፕ ጁኒየር ስእሊ ናይ መጀመርታ ልጣፍ ኣቡኡ ኣብ ትዊተር ከም ዝጠቅዖ ይፍለጥ።

እቲ ሕጂ ትራምፕ ሒዙዎ መጺኡ ዘሎ 'ትሩዝ ሶሻል' ድማ ኣብ ትዊተር ዘለው 'reply፣ retweet ከምኡ'ውን like' ዝመሳሰል ከም ዝኾነ ወሃብቲ ርኢይቶ ገሊጾም።

ሶሻል ትሩዝ ኣብ ድረ ገጹ ከም ዘስፈሮ "እዚ ፖለቲካዊ ርእዮተ ዓለምኻ ብዘጓኒ መልክዑ ግልጺ፣ ናጻን ተኣማንን ዓለምለኻዊ ዝርርብ ክህሉ ዘፍቅድ ዓብዪ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ መተግበሪ'ዩ" ክብል ንባዕሉ ገሊጹዎ።

ትራምፕ፡ ሶሻል ትሩዝ "ሓሳብኻ ብናጽነት" ንምግላጽን ካብ "ምመያ" ናጻ ዝኾነ ኣገልግሎት ክህሉን ከም ዝደሊ'ውን ሓቢሩ።

ከም ትዊተርን ፌስቡክን ዝበሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ልጣፋት ብምጥፋእን ተጠቀምቲ ብምእጋድን ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰል ይኽልክላ እየን ክብል ኑነስ ይዛረብ።

ሶሻል ትሩዝ ግን "ካብ ምመያ ናጻ" እዩ ኢሉ።

እንተኾነ ዋላ ሓደ ካብቶም ምመያ ኣይንገብር ዝብሉ ከም ጊተር፣ ፓርለር፣ ጋብን ሩምብልን ዝበሉ መተግበሪታት ነቶም ዓበይቲ ማሕበራዊ ሚዲያታት ክወዳደር ዝኽእል ብዝሒ ተጠቃሚ ክስሕቡ ኣይክኣሉን።

ኣብ ኣፕል ስቶርን ጉግል ፕለይን ዝኣቱ ዝኾነ መተግበሪ ማሕበራዊ ሚዲያ'ውን ሕግታት ዝጥሕዙ ትሕዝቶታት ክኣሊ ኣለዎ።

ዝኾነ ዓይነት ምመያ ዘይገብር መተግበሪ ድማ ጠጠው ክብል ክግበር እዩ።

ከም ትዊተር ዝበሉ ኩባኒያታት "ነቲ መተግበሪ ክሰርሑ ኮነ ተጠቃሚ ከምጽኡ ዓመታት ወሲዱሎም'ዮም" ይብል ክኢላ ቴክሎኖሎጂ ኢንስቲትዩት ብሩኪንግስ ዳሬል ዌስት።

ትራምፕ ድማ፡ "ካብቲ ዝሓስቦ ንላዕሊ ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝኾነ ጸኒሑ ዝርድኦ ይመስለኒ። ቀሊል እንተዝኸውን ነይሩ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ክገብሮ ምኽኣለ" ክብል ተዛሪቡ።