እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጋናውያን ሰሉስ 'ቴሌፎን ዘይድወላ' መዓልቲ ኢሎም ኣዊጆም
መንግስቲ ጋና ኣብታ ሃገር ዘለው ኩሎም ሲም ካርድታት ዳግም ክምዝገቡ ኣለዎም ክብል ንዘውጽኦ መምርሒ ዝተቓወሙ ጋናውያን ሰሉስ "ቴሌፎን ዘይድወላ መዓልቲ" ክብሉ ኣዊጆም።
እቲ መምርሒ ዘይሕጋዊ'ዩ ክብሉ ድማ ይካትዑ።
እቲ ነዚ መምርሒ ዝቃወም ዘሎ ጉጅለ ክሳብ ሕጂ ኣካል እቲ ምቅዋም ጻውዒት ስልኪ ሞባይል ዝኾነ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ፌርማታት ብኦንላይን ኣኪቡ ኣሎ።
ብኣቆጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ድማ ካብ ሰዓት 06፡00 ክሳብ ሰዓት 12፡00 ጋናውያን ቴሌፎን ከይድውሉን ከይቕበሉን ይጉስጉስ ኣሎ።
ኣባላት እዚ ጉጅለ፡ መንግስቲ እቲ ዝጸንሐ ሕጊ ኣመሓይሹ ኣብ መመዝገቢ ማእከላት ከጋጥም ንዝኽእል ጸገማት ዝፈትሕ ምህዞ ዝተሓወሶ መገዲ ከተኣታቱ ይጠልቡ።
እዚ ዳግም ምዝገባ ሲም ካርድ ገበን ንምክልኻል ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ዝጀመረ ኮይኑ ተጠቀምቲ መለለዪ መንነቶምን ዝርዝር ሓበሬታን ሒዞም ናብ መመዝገቢ ማእከላት ብምቕራብ ክምዝገቡ ጸኒሖም እዮም።
እዚ ዘይዕውት፣ ዕግርግር ዝመልኦን ኣብ መመዝገቢ ማእከላት ነዊሕ ሪጋታት ዝተራእዮን ምንባሩ'ዮም ዝገልጹ።
ኣብቲ ሽዑ ግዜ ክምዝገቡ ዘይክኣሉ ድማ፡ ቴሌፎን ክድውሉ ወይ ክቕበሉን ሓጺር መልእኽቲ ጽሑፍ ክልእኹን ኣይኽእሉን።