እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጋና፡ ትምህርቲ ጾታዊ ርክብ ንቀዳማይ ደረጃ ተምሃሮ ክወሃብ የብሉን
ወለዲን ዝተፈላለዩ ጉጅለታት እምነት ክርስትናን፡ ነቲ ንተምሃሮ ቀዳማይ ደረጃ ክወሃብ ዝተመደበ ትምህርቲ ጾታዊ ርክብ ተቓዊሞም።
ሰብመዚ ትምህርቲ እታ ሃገር፡ እቲ ትካል ትምህርቲን ባህልን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዩኔስኮ፡ ዝወጠኖ ፕሮግራም፡ ንቆልዑ ብዛዕባ ዘለዎም ጾታን ጥዕና ፍሪያምነትን ሓበሬታ ብምስናቕ ንኣፍልጠኦም ዘሐይል እዩ ክብሉ ይምጉቱ።
እቲ ትምህርቲ ቆልዑ "እወታዊ ኣተሓሳስባ፡ ክፉት ኣእምሮ፡ ርእስኻን ንኻልኦትን ምኽባርን፡ ንካልኦት ዘይምፍራድን፡ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብን ጥዕና ወሊድን ሓላፍነት ክስምዖም ዝገብር'ዩ" ክብል ዳይሬክተር ኣገልግሎት ትምህርቲ ጋና ተዛሪቡ።
ተሓለቕቲ ጉጅለታት ግን፡ እቲ መደብ ንቆልዑ እታ ሃገር ምስ ሕደ-ጾታውያንን (ገይ፡ ለዝቢያን)፡ ድርብ-ጾታውያንን (ባይሰክሸዋል)፡ ስግረ-ጾታውያን (ትራንስጀንደር) ንምልላይ ዝዓለመ'ዩ ክብሉ ይኸሱ።
"እዚ ስትራተጂ'ዩ - ወጥን ኣለዎም። ኩሉ ግዜ ንስኻ ክትርእዮ ግሉጽ ኣይኮነን" ይብል መራሒ ሃገራዊ ልፍንቲ ንግቡእ ሰባዊ መሰላት ጾታዊ ርክብን ክብርታት ስድራቤትን ዝተባህለ ናይ ጸቕጢ ጉጅለ ሞሰስ ፎህ ኣሞኒንግ።
እቲ ጉጅለ፡ ሕደ-ጾታዊነት ሓጥያት'ዩ ኢሉ ዝኣምን'ዩ።
ወለዲን ናይ ጸቕጢ ጉጅለታትን፡ ስለምንታይ ቆልዑ ዓቕሚ ኣደመ-ሂዋን ከይበጽሑ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ክምሃሩ ዝድለዩ ዘለዉ፡ ክብሉ ይሓቱ። ነቲ ውጥን ድማ፡ "ጋኔናዊ" ክብሉ ይገልጽዎ።
መራሕቲ ማሕበር መምሃራን ጋና ብወገኖም፡ ብዛዕባ'ቲ መደብ ከም ዘይተሓተቱ ብምግላጽ፡ ዘለዎም ተቓውሞ ብወግዒ ከም ዘፍለጡ ሓቢሮም።
እቲ ውጥን፡ ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ልዝብ ምስ ተኻየደሉ ኣብ ግብሪ ክውዕል'ዩ ተሓሲቡ።