እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ህወሓት’ ዝብል መጸውዒ ክወርስ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኣካል መን እዩ ?
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ሓደ ሓድሽ ምንቅስቓስ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ብዝብል ስያመ ከምዝገብ ናብ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሕቶ ዘቐረበ ከምዘሎ፡ ግን ድማ እቲ ሕቶ ከምዝተነጽገ እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ እቲ ዝገደመን ንትግራይ ክመርሕ ዝጸንሐን ህወሓት፡ ንዳግመ ምዝገባ ብዝምልከት ጉዳይ ምስ ቦርድ መረጻ፡ ኣብ ክትዕ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ህወሓት፡ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ትግራይ ንኸብቅዕ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝኸተሞ ውዕል ሰላም፡ ‘ግብረሽበራዊ ጕጅለ’ ዝብል ብይን ተኣልዩ፡ በቲ ውዕል መሰረት ኣካል እቲ ሓበራዊ ክልላዊ ግዝያዊ መንግስቲ ኰይኑ ይርከብ።
እንተዀነ፡ ህወሓት 28 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም [ግእዝ] ሕጋዊ ሰብነቱ ክምለሰሉን እቲ ተኣጊዱ ዘሎ ንብረት ንኽለዓልን ናብ ቦርድ መረጻ ሕቶ’ኳ እንተኣቕረበ፡ ሕቶኡ በቲ ቦርድ ተቐባልነት ኣይረኸበን።
እቲ ውድብ፡ ዝተዋህቦ ውሳነ ምስ መንፈስ ውዕል ፕሪቶርያ ዝጻረር እዩ ብምባል፡ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ፤ ብቐጻልነት ክቃለሶ ምዃኑ’ውን ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ግን፡ እዚ ሕጂ ብስም ህወሓት ክምዝገብ ዝንቀሳቐሽ ዘሎ ጕጅለ ደኣ መን እዩ? እቶም ውልቀሰባትከ በዓል መን እዮም? ምስቲ ነባር ህወሓትከ ርክብ ኣለዎም ዶ ዝበሉን ዝዛመዱን ሕቶታት ኣልዒልና፡ ካብቶም ኣተሓባበርቲ ንሓደ ኣዛሪብና ኣለና።
ውርሻ ‘ህወሓት’
እቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብዝብል ክመዝገብ ሕቶ ዘቕረበ ኣካል፡ ‘በዓል ኣቶ ገብረሚካኤል ተስፋይ’ ብዝብል ካልኦት ሰለስተ ኣባላት’ውን ከምዝርከብዎም፡ ካብቲ ቦርድ ዝተወሃበ ደብዳበ መልሲ የመልክት።
ኣቶ ገብረሚካኤል ተስፋይ [ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሚኪ ተስፋይ ብዝብል ዝፍለጥ ኰይኑ] ካብቶም ካልኦት ኣስማቶም ዘይተረቝሐ ሰለስተ ኣመልከትቲ ድማ፡ ይሳቕ ወልዳይ ዝበሃል መንእሰይ ይርከቦም።
ይሳቕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ዝሓተትናዮ ስም ትኽክል እዩ፤ ህወሓት እዩ ዝብል። ምንቅስቓስ ዝተጀመረ ድማ፡ ሕጋዊነት ህወሓት ብቦርድ መረጻ ካብ ዝስረዝ ጀሚሩ እዩ። እቲ ስም ከም ተጋሩ ይግበአና እዩ ኢልና ኢና ንኣምን፡” ክብል ብዛዕባ እቲ ምንቅስቓስ ኣመልኪቱ ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲኹ፡ “እቲ ስም መጸውዒ ህዝባዊ ቀልሲ እዩ ነይሩ። ንመታለሊ እዮም ተጠቒሞም እምበር ከም ፖለቲካዊ ውድብ ነይሩ ኢልና ኣይንኣምንን፤ ክውንኖ ዝግባእ ድማ ህዝቢ ትግራይ እዩ። መስዋእትነት ዝኸፈለሉ፡ ኣካሉ ዝጐደለሉ፡ ዝሞተ፥ ዝቘሰለሉ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።
ቅድም ኢሉ ኣብ ዝገበርዎ ምንቅስቓስ እቲ ‘ህወሓት’ ዝብል ስያመ ካብ ውልቀ ሰባት ክወጽእን ህዝባዊ ክኸውንን ጻዕሪ ከምዝገበሩ ይዛረብ።
“እቲ ውድብ ናይ ውልቀሰባት እዩ ኰይኑ። ስለዚ ‘ካብ ውልቀ ሰባት ክወጽእ ኣለዎ’ ዝብል እምነት ነይሩና፡ ካብ ቀደም ኣትሒዙ። ብዝተፈለላለዩ ኣጋጣሚታት’ውን ብዝተወደበ መልክዑ ነዚ ንምዕዋት ተቓሊስና ኢና። ተነሓናሒ ውድብ ኴንና’ውን ርኢናዮ ኢና። ክዕወት ኣይከኣለን” ይብል።
‘እቲ ስም ኣሐዲስና ናብ ሙዝየም ክነእትዎ ኢና
እቲ ካብ ዝምስረት ኣስታት ፍርቅ ዘበን ዘቝጸረን ንኢትዮጵያ ንዳርጋ ሰላሳ ዓመታት ምስ ካልኦት ውድባት ኮይኑ ኢህወደግ ብዝብል ግንባር ዝገዝአን ውድብ፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቐባልነት ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጽ።
እንተዀነ፡ ኣብ 2010 [ግ] ምስ ምመጻእ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዝተኣሳሰር፡ ካብ ማእከላይ መንግስቲ ኣንሳሒቡ ኣብ ትግራይ ተሓጺሩ።
ህወሓት ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝመርሖ መንግስቲ ምስምማዕ ስኢኑ፤ ብፍላይ ድሕሪ ምፍራስ ኢህወደግን ምምስራት ሰልፊ ብልጽግናን፡ ዝሰዓበ ኣብ ትግራይ ዘካየዶ በይናዊ መረጻን እቲ ምትፍናን ዓሪጕ ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።
ብሰንኩ ሰፍ-ዘይብል ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘስዓበ ዝዝከር እዩ።
ቦርድ መረጻ ድሕሪ'ዚ፡ ህወሓት ‘ኣብ ጐነጻዊ ተግባር ተሳቲፉ’ ብዝብል፡ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ህልውናኡ ሰሪዝዎ፤ ክሳዕ ሕጂ ድማ እዚ ሕጋዊ ሰብነቱ ኣይረኸበን ዘሎ።
ብዛዕባ እቲ ብሰም 'ህወሓት' ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ርእይቶ ንኽህበሉ ካብ ቢቢሲ ሕቶ ዝቐረበሉ ክኸውን እንከሎ፡ ክምልስ ግን ‘ድሌት ከምዘይብሉ’ ገሊጹ።
እንተዀነ፡ እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ምዝገባ፡ ናቱ ኣፍልጦ ዘይብሉን፡ ብኣባላቱ ዝግበር ከምዘይኰነን ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ይሳቕ፡ ስለምንታይ ብህወሓት ክጽውዑ ከምዝደለዩ ተሓቲቱ፡ “ዝዀነ ውድብ ንምመስራት ዝገበር ኵሉ ተኸቲልና ኢና ንኸይድ ዘለና። ናትና ዕላማ እዚ ስም ናብ ዋናኡ ናብ ህዝቢ ትግራይ ክምለስ ምግባር እዩ። በዚ ስም ህዝቢ ትግራይ ተወቒዕሉ እዩ። ስለዚ እቲ ዝነበረ ሕማቕ ስሙ ኣሐዲስና ናብ ሙዝየም ክነእትዎ ኢና ንደሊ። ናይቲ ሕብረተሰብ ስምዒት ንምድማጽ ግን መጀመርታ ክንውንኖ ኣለና” ኢሉ ይምለስ።
ኣንጻር ስርዓት ደርግ ዝተገብረ ናይ 17 ዓመታት መሪር ገድሊ ዝመርሐ ህወሓት፡ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ዓብሊሉ፡ ብዙሕ ሕማቕን ጽቡቕን ስም ኣትሪፉ እዩ።
ብሓደ ገጽ ማዕርነት ብሄራት፡ እምነታትን ጾታን ኣረጋጊጹ፡ ነታ ሃገር ካብ መዓሙቕ ድኽነት ኣውጺኡ ተባሂሉ ክነኣድ እንከሎ፡ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ‘ዓፋንን ዓሌታውን’ ስርዓት ተባሂሉ ይውቀስ።
እዞም ውልቀሰባት ደኣ በዓል መን እዮም?
ካብቶም ኣተሓባበርቲ እቲ ሓድሽ ምንቅስቓስ ኣብ ቅድሚት ክልተ መንእሰያት ኣለዉ፡ ሚኪ ተስፋይን ይሳቅን።
ንሳቶም፡ ኲናት ትግራይ ኣብ ሕዳር 2020 ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣብ ትግራይ ህዝባዊ ናዕቢ ንምልዕዓል ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ‘ፈንቅል ትግራይ’ ብዝብል ዝፍለጥ ጉጅለ ኣባላት ዝነበሩ ምዃኖም፡ ቅድሚ ሕጂ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ብፍላይ ይሳቕ፡ ቀዳማይ ዙር እቲ ኲናት ምስ ተወድአን መንግስቲ ፈደራል መቐለ ምስ ተቘጻጸረን፡ ንሓጺር እዋን ምክትል ሓላፊ ተሌቪዥን ትግራይ ኰይኑ ተሸይሙ ምንባሩ መረዳእታት ይሕብሩ።
ይሳቕ፡ ቅድም ክብል’ውን ኣባል ዓረና ትግራይ ከምዝነበረ ንቢቢሲ ዝገለጸ ዀይኑ፡ እቲ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ግን ምስዚ ዝሓለፈ ዝተኣሳሰር ከምዘይኰነን ‘ግዱሳት ተጋሩ’ ምዃኖምን ይዛረብ።
ብዘሓት ሰባት ግን፡ እቲ ምንቅስቓስ ምስ ‘ፈንቅል ትግራይ’ ብዝብል ዝፍለጥ ጕጅለ የተኣሳሰርዎ ኣለዉ።
ካብቶም ቀንዲ ኣተሓባበርቲ ሓደ ከምዝዀነ ዝዛረብ ይሳቅ፡ ቅድመ-ኣፍልጦ ሰርቲፊኬት ንክረኽቡ፡ እቲ ሕጊ ብዝብሎ መሰረት፡ ልዕሊ 100 ሰባት ፊርማ መስረትቲ ኣኪቦም፡ ቃለ ጉባኤ ሒዞም ሕቶ ከምዘቕረቡ ይገልጽ።
ኣባላት እዚ ምንቅስቓስ [ፈንቅል ትግራይ] ዝነበሩን ዘይነበሩን ከምዝርከብዎም ድማ ተዛሪቡ።
ብኣቶ ገብረሚካኤል ተስፋይ [ሚኪ ተስፋይ]ን ካልኦት ሰለስተን ሰባት ኣተሓባበሪነት ኣብ ምንቅስቓስ ከምዝርከብ ብምግላጽ፡ ብዛዕባ መንነት እቶም ካልኦት ክልተ መስረትቲ ግን ክዛረብ ኣይደለየን።
ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ካብ ቦርድ መረጻ ዝተወሃቦም ምላሽ ብምቅዋም ናብ ቤት ፍርዲ ከምርሑ ኣብ ምድላዋት ከምዝርከቡ ገሊጹ።
"ኣብዚ እዋን ህወሓት ዝበሃል ውድብ ከምዘየለ እየ ዝፈልጥ፡" ዝበለ ይሳቕ፡ ምስኣቶም ዝዀነ ርክብ ከምዘይብሎም’ውን ሓቢሩ።
ዘሰጕምዎ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባ ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ እንክምልስ፡ ዛጊድ ኣብ ምስረታ ከምዝርከቡን ፖለቲካዊ ፕሮግራም ከምዘይብሎምን፡ እንተዀነ ‘ሊብራል ዲሞክራሲ’ ን ‘ሶሻል ዲሞክራሲን’ ዝኣምኑ ኣባላት ከምዝርከብዎም ሓቢሩ።