ኣንድሪው ታተ ምስ ሓዉ ናብ ብሪጣንያ ተመሓላሊፎም ክወሃቡ ቤት ፍርዲ ወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣካታዕን ጽልዋ ፈጣሪን ኣንድሪው ታተ ሓዉ ትሪስታንን ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ተመሓላሊፎም ክወሃቡ ከም ዝኽእሉ ቤት ፍርዲ ሮማንያ ወሲኑ።
ፖሊስ ቤድፎርድሻየር ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ከምዝረኸበ ድሕሪ ምግላጹ፡ ወዲ 37 ዓመት ኣንድሪው ታተን ወዲ 35 ዓመት ትሪስታንን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ቡካረስት ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉዎም።
እቶም ኣሕዋት ተመሓላሊፎም ክወሃቡ ዝኽእሉ ኣብ ሮማንያ ብኽሲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝተፈጸመ ፍሉይ ፍርዲ ምስ ተዛዘመ ጥራይ እዩ ክብል ዳኛ ወሲኑ።
ካብ ማእሰርቲ ድማ ተፈቲሖም ኣለዉ።
ካብ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣንድሪው ታተ፡ "ኣዚና ንጹሃት ሰባት ኢና፡ ምስ ግዜ ድማ ኩሉ ሰብ እቲ ሓቂ ክፈልጦ’ዩ። ነዚ መስርሕ ፍርዲ ወዲእና ኣስማትና ንምንጻህ ንሰርሕ ስለዘለና ሕጉሳት ኢና" ኢሉ።
ኣብ ወሰን ከተማ ቡካረስት ኣብ ዝርከብ ገዝኡ ኮይኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኩሉ ነገር ጓሓፍ'ዩ" ኢሉ።
እዞም "ንኹሉ ክስታት ዝነጽጉ" ኣሕዋት፡ ኣብ ሮማንያ ኣብ ትሕቲ ፍርዳዊ ቁጽጽር ክጸንሑ እዮም፡ እዚ ድማ ካብታ ሃገር ወጻኢ ከይገሹ ዝኽልክል እዩ።
"እዚ ዘጨንቕ ኣርእስቲ ምዃኑ ንርዳእ ኢና፡ ሰባት ድማ በቲ ኣብ ዜና ዝረኣይዎ ዘለዉ ክጽለዉ ይኽእሉ እዮም" ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ብመሰረት ሕጋዊ ወከልቲ እቶም ኣሕዋት እቲ ክስታት ካብ 2012-2015 ዝጅምር እዩ።
ድሕሪ ምፍታሖም ሓደ ካብ ጠበቓታቶም ዩጀን ቪዲኒያክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ይግባይ ቤት ፍርዲ ቡካረስት ንኣንድሪውን ትሪስታን ታተን ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ውሳነ ንምንዋሕ ዝወሰዶ ስጉምቲ ነመስግን"
"እዚ ውሳነ፡ እቶም ኣሕዋት ኣብ ምክልኻሎም ምሉእ ብምሉእ ክሳተፉን እቲ ሕጋዊ መስርሕ ብግልጺ ንኽቕጽልን ዕድል ዝፈጥር እዩ" ኢሉ።
ሰበስልጣን ሮማንያ፡ ዝተፈላለየ ክስታት ዓመጽ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ምቛም ገበናዊ ጉጅለን ይምርምሩ ኣለዉ - እዚ ክስታት እቶም ኣሕዋት ይነጽግዎ።
እቶም ኣሕዋት ብሰበስልጣን ሮማንያ ዝተትሓዙ ኮይኖም ድሓሮም ድማ ኣብ ከተማ ቮሉንታሪ ናይ ገዛ ሕዩራት ኰይኖም ጸኒሖም።
እቲ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ተላዒሉ እኳ እንተነበረ ካብ ሮማንያ ንኸይወጹ ግን ተኸልኪሎም ፀኒሖም።
እቶም ኣሕዋት ንደቂ ኣንስትዮ ብምምዝማዝ’ዮም ተኸሲሶም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







