ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንፑቲን ኣሕሊፋ ንዘይምሃብ ዘኽእላ ሕጊ ክትቅይር ምዃና ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ኣኼባ ብሪክስ ንክሳተፍ ዓዲማቶ ዘላን ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝድለ ዘሎን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቱን ኣብ ዝምልከት ይተኣሰር'ዶ ኣይተኣሰር ኣብ ዝብል ጉዳይ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ውሳነ ንክትህብ ዘኽእላ ሕጊ ክትቅይር መደብ ሓቢራ።
ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኦበድ ባፓላ ነዚ ዝበለ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ነሓሰ ንኣኼባ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክመጽእ ተዓዲሙ ዘሎ ፑቲን ናብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣሕሊፋ ክትህቦዶ ትኸውን ዝብል ዓቢ ክትዕ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን’ዩ።
ብሪክስ፡ ብሪጣንያ፡ ሩስያ፡ ህንዲ፡ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝሓቘፈ ውህደት እዩ።
ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፡ ፑቱን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኲናት ኣዊጁ ብምባል ኣብ ዝተረኸቦ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ትእዛዝ ማእሰርቲ ምሕላፉ ዝዝከር’ዩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ከኣ ነቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዋዕላ ብሪክስ ክሳተፍ ዓዲማቶ ኣላ።
ሩስያ ግን ፑቲን ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፍ ድዩ ኣይሳተፍን ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ዝበለቶ ነገር የለን።
እንተዀነ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣቐዲማ ንዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ከተኽብር ከምዝዀነት’ያ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወዳኢኣ ኣቢላ ክትሕብር ጸኒሓ።
ኦበድ ባፓላ ምስ ቢቢሲ ፕሮግራም ኒውስኣወር ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት “ኣብ ሰነ ነቲ ሕጊ ናብ ባይቶ ከነቕርቦ ኢና” ኢሉ።
እቲ ምክትል ሚኒስተር፡ እቲ ሕጊ እንተጸዲቝ ደቡብ ኣፍሪቃ “ንመን ትገድፍን ንመን ኣሕሊፋ ናብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታትት ትህብን ባዕላ ንኽትውስን ከኽእላ’ዩ” ኢሉ።
በዚ ሕጂ ዘሎ ሕጊ ግን ደቡብ ኣፍሪቃ ኣባል ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ስለ ዝዀነት፡ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ መሬታ ምስ ዓለበ ኣሲራ ከተረክቦ ዘገድድ ሕጊ ኣለዋ።
ሕቡራት ሃገራት ንወራር ሩስያ ንምዅናን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘይሻራዊ መርገጽ ብምሓዝ ሓሊፋቶ እያ።
ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፡ ፑቲን ገበን ኲናት ፈጺሙ’ዩ ብምባል’ዩ ኣብ መጋቢት ኣብ ዝተረኸቦ ክእሰር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ፤ ሩስያ ግን ነቲ ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝቐረበ ክሲ ምሉእ ብምሉእ’ያ ነጺጋቶ።
‘ዲሞክራቲክ ኣልያንስ’ ዝተባህለ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ሰብ መዚ ደቡብ ኣፍሪቃ ፑቱን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ መጽአ ንኽኣስርዎ ዘገድድ መስርሕ ቤት ፍርዲ ጀሚሩ ኣሎ።
ምክትል ሚኒስተር ኦበድ ባፓላ ብወገኑ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዓንቀጽ 98 ናይቲ ኣብ 2002 ዝተመስረተ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበኛታት ምርኩስ ብምግባር፡ ክሲ ፑቲን ንክልዓል ዝጽውዕ ደብዳበ ናብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ከምዝሰደደት ንቢቢሲ ገሊጹ።
ዓንቀጽ 98፡ ምስ ህሉው ኵነታት ደቡብ ኣፍሪቃን ሩስያን ምስ ዝትርጐም፡ ሩስያ ባዕላ መሰል ዘይተኸሳስነት ፑቲን እንተዘይኣልዒላቶ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ንፑቲን ናይ ምርካብ ግዴታ ከምዘይብላ’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ሚኒስተር ኣተሓሒዙ፡ ነቲ ኣብ እዋን መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣያ ነበር ቶኒ ብሌርን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆርጅ ቡሽን ኣብ 2003 ኣብ ልዕሊ ኢራቕ ዝተፈጸመ ወራር ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ “ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት እዚ ሕጂ ኰይንዎ ዘሎ ክኸውን’ዩ ዝብል ሓሳብ ኣይነበረናን፤ ቶኒ ብሌር ይዅን ጆርጅ ቡሽ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ብዝፈጸምዎ ወራርን ህዝቢ ዒራቕ ብምቕታሎምን ዝቐረበሎም ክሲ የለን” ኢሉ።
ሚስተር ኦበድ ባፓላ ካልእ ኣብነት ብምጥቃስ፡ ብሪጣንያ ኣብ 1998 ንጀነራል ኦጎስቶ ፒኖሸ ኣሕሊፋ ዘይምሃባ ከም ኣብነት ጠቂሱ።
እዚ ንቺለ ን17 ዓመታት ዝመርሐ መላኺ ጀነራል፡ ቤት ፍርዲ ስጳኛ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምኽሳስ ኣብ ዝተረኸቦ ክትሓዝ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ነይሩ።
እንተዀነ እቲ ጀነራል ናብ ሎንደን ምስ ገሸ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ነዚ ጀነራል ን16 ኣዋርሕ ሒዝዎ ድሕሪ ምጽናሕ ዘለዎ ጥዕናዊ ጸገማት ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ኣየኽእሎን’ዩ ብምባል ነጻ ገዲፍዎ።
ጀነራል ኦጎስቶ ፒኖሸ ኣብ 2006’ዩ ኣብ ዓዱ ሞይቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







