ደቡብ ኣፍሪቃ መጋበርያ ሓያላን ሃገራት ከምዘይትኸውን ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, South Africa presidency/ Twitter
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሲርል ራማፎሳ፡ ሃገሩ ሕጅ'ውን ነቲ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ዘለዋ ናጻን ዘይሻራዊን መርገጺኣ ንኽትቅይር ዝግበር ዘሎ ጻውዒታት ከምዘይትቕበል ኣፍሊጡ።
ራማፎሳ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ምዕራብ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ክሩገርስዶርፕ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል መዓልቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣህጉር ኣፍሪቃ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ዶባታ ኣዝዩ ርሑቕ ናብ ዝዀነ ግጭታት ከም እትጕተት ገሊጹ።
“ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጐ ዓለማውያን ሓይልታት ኣብ ዝግበር ውድድር ኣይተሳሕበትን ኣይክትስሓብን’ውን፤ እቶም ግጭታት ኣብ ዘጋጠሙ የጋጥሙ ብዘየገድስ፡ ዝዀነ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ንኽፍታሕ ዘለና መርገጺ ክንሕሉ ኢና፡” ኢሉ።
ፕሪቶርያ ኣብቲ ሩስያ ኣንጻር ዩክረይን ትገብሮ ዘላ ኲናት ዘይሻራዊ መርገጺ ካብ እትወስድ ንደሓር፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስታ ቀንዲ ንግዳዊት መሻርኽታ ዝዀነት ኣመሪካ ዝጸንሓ ዝምድና ኣብ መዋጥር ኣትዩ እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሩበን ብርገቲ፡ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ንሩስያ ኣጽዋር ሸይጣትላ ኢሉ ምኽሳሱ ዝዝከር ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ራማፎሳ እቲ ጥራዓን ጭቡጥ መርታዖታት ዘይብሉ እዩ’ኳ እንተበ፡ ኣድላዪ መርመራታት ክግበር ግን ተሰማሚዑ። ይዅን እምበር ጸኒሑ እቲ ኣምባሳደር ይቕሬታ'ኳ እንተሓተተ፡ እቲ ርክብ እዘን ክልተ ሃገራት እናሓርፈፈ መጺኡዩ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ብሓሙስ ዘስምዖ መደረኡ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ እትርከበን ሃገራት “ናጻ ፖሊሲ ወጻኢ” ብምኽታለንን “መቕጻዕቲ ምፍርራህ ይወርደን” ከም ዘሎ ገሊጹ።
ይዅን እምበር እቲ ምፍርራህ ብመን ይወርዶ ከም ዘሎን እቲ መቕጻዕቲ እንታይ ምዃኑን ኣይገለጸን።
ፕረዚደንት ራማፎሳ፡ ልዕለ ሓያላን ሃገራት "ኣብ መሬት ኣፍሪቃ ናይ ውክልና ኲናት " ብምክያደን እታ ኣህጉር፡ ዘሕምም ተዘክሮታት ከምዘለዋ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ቭላድሚር ፑቲን ምስ ግጭት ዩክረይን ብዝተሓሓዝ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንኽኣቱ ውሳነ ምሃቡ ዝዝከር ኰይኑ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ክበጽሓ ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ስጕምቲ ክትወስድ ጸቕጥታት ይግበረላ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







