ኣሜሪካ፡ ቀታሊ ሕጹይ ፕረዚደንት ኢኳዶር ንዝሓበረ 5 ሚልዮን ዶላር ከምእትህብ ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሜሪካ፡ ሕጹይ ፕረዚደንት ኢኳዶር ንምቕታል ዘወሃሃደ ውልቀሰብ ንኽትሓዝ ዝተሓባበረ ወይ ኣበይ ከምዘሎ ንዝሓበረ 5 ሚልዮን ዶላር ግንዖ ከምእትህብ ኣፍሊጣ።
ኢኳዶራዊ ፖለቲከኛ ፈርናንዶ ቪላቪሰንስዮ ሕጹይ ፕረዚደንት ኰይኑ፡ ኣንጻር ኣብታ ሃገር ዘሎ ብልሽውና እናጐስጎሰ እንከሎ’ዩ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ተቐቲሉ።
ፕረዚደንት ኢኳዶር ጉለርሞ ላሶ ቅትለት ሕጹይ ፕረዚደንት ፈርናንዶ ቪላቪሰንስዮ ብዝተወደቡ ገበነኛታት ከምዝተፈጸመ ኣብ ግዚኡ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ኣሜሪካ ብተወሳኺ ብዛዕባ መራሕቲ እቶም ጕጅለ ገበነኛታት ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ’ውን 1 ሚልዮን ዶላር ክትከፍል ከምዝዀነት ሓቢራ ኣላ።
ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንክን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ኣሜሪካ ንህዝቢ ኢኳዶር እትህቦ ደገፍ ክትቅጽሎ’ያ፤ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዲሞክራሲ ንምዝራግ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ከኣ ክትሰርሕ’ያ” ኢሉ።
ኣንቶኒ ብሊንከን ኣስዒቡ፡ እቲ መርመራ ብኤፍቢኣይ ከምዝካየድን፡ ሃገሩ ሓበሬታ ንዝሃቡ ገንዘብ ክትከፍል ምውሳና ከኣ ኣንጻር ዝተወደበ ገበን ንምቅላስ ዘለዋ ቅሩቡነት ዘርኢ ምዃኑ ሓቢሩ።
ንፕረዚደንትነት ንምውድዳር ጐስጓስ ዝገብር ዝነበረ ፈርናንዶ ቪላቪሰንስዮ፡ ኣንጻር ብልሽውናን ዝተወደበ ገበናትን ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ’ዩ ዝገልጽ ነይሩ።
ፈርናንዶ ቪላቪሰንስዮ ኣብ መንጎ እቶም ውዱባት ገበነኛታትን ገለ ሓለፍቲ መንግስቲ እታ ሃገርን ጥቡቕ ርክብ ከምዘሎ ብዓውታ ዝዛረብ ዝነበረ ፖለቲከኛ’ዩ።
ንሱ ኣባል ባይቶ እታ ሃገርን ጋዜጠኛን ኰይኑ ንነዊሕ ዓመታት ከምዝሰርሐን ካብ ቀደም ኣትሒዙ፡ እታ ሃገር ብዕሉላት ገበነኛታት ዝዝወሩ መራሕቲ ናብ ስልጣን እንተመጺኦም ከምእትዓኑ ብተደጋጋሚ’ዩ ዘጠንቅቕ ነይሩ።
ፈርናንዶ ቪላቪሰንስዮ ቅድሚ ምቕታሉ ኣብ ዝነበራ ሰሙናት ከንቲባ ከተማ ማንታ’ውን ብጥይት ተቐቲሉ’ዩ።
ኣብ ለካቲት ናይዚ ዓመት’ውን ከንቲባ ከተማ ፖርቶ ሎፐዝ ኣብታ ዘመሓድራ ከተማ ዑደት እናካየደ እንከሎ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ተቐቲሉ።
ፈርናንዶ ቪላቪሰንስዮ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ንዝተኣከበ ህዝቢ ጐስጓስ እናኣካየደ’ዩ ተቐቲሉ፤ እዚ ኸኣ እቶም ውድባት ገበነኛታት ኣብታ ሃገር ክሳብ ክንደይ ገርጊሮም ከምዘለዉ ዘርኢ’ዩ።
ኢኳዶር ካብ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ እታ ዝረግአትን ሰላም ዘለዋ ሃገርን እናተባህለት’ያ ትግለጽ ነይራ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ግን ኣብ ጐደናታት እታ ሃገር ዝፍጸሙ ቅትለታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኹ መጺኦም።
እቲ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ሜክሲኮን ኮሎምብያን ዝመደበሮም ኣሰጋገርቲ ዕጸፋርስ ነታ ሃገር ከም መርገጺ እግሮም ክጥቀሙላ ምስ ጀመሩ፡ ምስኦም ዝተሓባበሩ ብዙሓት ጕጅለታት ክፈጥሩ ከምዝጀመሩ'ዩ ዝግለጽ።
ፖሊስ ኮሎምብያ ምስ ቅትለት ፈርናንዶ ቪላቪሰንስዮ ምትሕሓዝ ኣለዎም ዝበሎም ሽዱሽተ ኮሎምብያውያን ከምዝኣሰረን ካልኦት ጥርጡራት ንምርካብ ይሰርሕ ከምዘሎን ገሊጹ ኣሎ።
ኣሜሪካ ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝተፈጸመ ገበናት ጥርጡራት ንኽተሓዙ ገንዘብ ክትስልዕ እዚ ናይ መጀመርታኣ ኣይኰነን።
ኣብዚ ሰሙን፡ ምክትል ሓላፊ ኣብ ሶማል ዝመደበሩ ኣልሸባብ ዝዀነ ኣቡከር ዓሊ ኣዳን ኣበይ ከምዘሎ ንዝሓበረ 5 ሚልዮን ዶላር ክትከፍል ከምእትኽል ገሊጻ ነይራ’ያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







