'ንነዊሕ ሰዓታት ትሰርሑ፤ እንተዘይደሊኹም ስራሕ ልቐቝ' - ኢሎን መስክ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኢሎን መስክ፡ ሰራሕተኛታት ትዊተር "ንነዊሕ ሰዓታት ብዝለዓለ ጻዕቂ" ክሰርሑ ከም ዘለዎም፡ እንተዘይኰይኑ ካብቲ ትካል ክወጽኡ ከም ዝነገሮም ጸብጻባት ሓቢሮም።
ሓድሽ ወናኒ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ንሰራሕተኛታቱ ኣብ ዝለኣኾ ኢመይል፡ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብቲ ትካል ክጸንሑ ዝደልዩ እንተዀይኖም በዚ ክሰማምዑ ኣለዎም፡ ከም ዝበለ ዋሽንግተን ፖስት ጸብጺቡ።
በዚ መሰረት፡ እቶም ክሳብ ሎሚ ሓሙስ ነዚ ጠለብ ዘይተቐበሉ ሰራሕተኛታት፡ ናይ ስራሕ ውዕሎም ተቛሪጹ ናይ ሰለስተ ወርሒ ክፍሊት ክወሃቦም ምዃኑ መስክ ገሊጹ።
ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ትዊተር መብርሂ ንምርካብ ሓቲቱ ኣሎ።
እቲ ዘ ጋርዲያን’ውን ዝርኣዮ፡ መስክ ናብ ሰራሕተኛታቱ ዝጸሓፎ ኢመይል፡ ትዊተር ንኽዕወት "ኣዝዩ ተሪር ክኸውን ከድልዮ'ዩ። እዚ ማለት ንነዊሕ ሰዓታት ብዝለዓለ ጻዕቂ ምስራሕ ማለት'ዩ። ፍሉይ ኣፈጻጽማ ጥራይ እዩ ንመሕለፊ ነጥቢ ዝኸውን" ኢሉ።
ሰራሕተኛታት፡ "ኣካል ናይቲ ሓድሽ ትዊተር" ክዀኑ እንተደልዮም፡ ክሳብ ሓሙስ ሰዓት 17፡00 [EST - ምብራቓዊ መለክዒ ግዜ] ንሓንቲ ፈለግ [ሊንክ] ጥራይ ብምጥዋቕ በቲ ዝቐረበሎም ጠለብ ከም ዝተሰማምዑ ከረጋግጹ ከም ዘለዎም ተነጊርዎም ኣሎ።
ወሲኹ፡ "ውሳነኹም ብዘየገድስ፡ ንትዊተር ዕዉት ንምግባር ንዝገበርኩምዎ ጻዕሪ የቐንየልና" ኢሉ።
እዚ ሃብታም ዓለምና፡ ነቲ ኩባንያ ብ44 ቢልዮን ዶላር ድሕሪ ምዕዳጉ፡ ፍርቂ ሰራሕተኛታት ትዊተር ካብ ስርሖም ከም ዝለቐቝ ኣፍሊጡ ኣሎ።
መስክ፡ እቲ ኩባንያ ኣብ መዓልቲ 4 ሚልዮን ዶላር ይኸስር ስለ ዘሎ፡ ምጕዳል ብዝሒ ሰራሕተኛታት፡ "ኣማራጺ" ዘይብሉ ጉዳይ ከም ዝዀነ ይዛረብ።
ንሱ፡ ዋንነት እቲ ትካል ካብ ዝርከብ ንደሓር፡ ብርክት ዝበሉ ፈጸምቲ ስራሕ ትዊተር’ውን ካብ ስልጣኖም ወሪዶም እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ በዓል ሃብቲ ንሰራሕተኛታቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ ቦታ ስራሕ ወጻኢ [ብርሕቀት] ዝስራሕ ስራሕ ኣብ ቀረባ እዋን ደው ከም ዘብልን ንቕድሚት፡ "ከበድቲ ግዜያት" ከም ዝጽበዮምን ከም ዝተዛረበ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ንሰራሕተኛታት ኣብ ዝለኣኾ ኢመይል’ውን፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሙን እንተወሓደ ን40 ሰዓታት ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ክሰርሑ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ገሊጹ።
በዓልቲ ሃብቲ ቴክኖሎጂ ሳራ ኩንስት ግን፡ ትዊተር ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማት፡ መስክ ነቲ ትካል ምዕዳጉ ኣብ ከቢድ ዕዳ ስለ ዘእተዎ ጥራይ እዩ ኢላ።
ንሱ፡ ዘርእዮም ዘለዉ ባህሪያት ስዒቡ’ውን ገለ መወዓውዒ ዝገብሩ [ኣድቨርታይዘራት] ወጻኢታቶም ደው ከብሉ ከም ዝገበሮም ትዛረብ።
"ሕጂ ነቲ ቃንዛን ዘይርጕጽነትን ኣብ ልዕሊ እቶም ሰራሕተኛታት ከውርድ ይፍትን ኣሎ" ትብል።
ወሲኻ፡ መስክ ብዛዕባ ሰዓታት ስራሕ ንሰራሕተኛታት ዝልኣኾ ኢመይል ብሓቂ ክሳብ ክንደይ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ ኢላ።
"ንሰራሕተኛታትኻ ኢመይል ጥራይ ብምስዳድ ናይ ስራሕ ውዕሎም ክትቅይር ትኽእል ዲኻ? እዚ ንቅድሚት ክርአ እዩ።"
ዋና ስፔስ ኤክስን ትካል ኤለክትሪክ መካይን ቴስላን መስክ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ቤት ጽሕፈት ትዊተር ይድቅስ ነይሩ።
ንሱ፡ ነቲ ኣብ 2018 ካብ ቴስላ ዝረኸቦ ዓይኒ ዝስሕብ 56 ቢልዮን ዶላር ክፍሊት ዝምልከት መብርሂ ንምሃብ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ቀሪቡ ነይሩ።
ኣብኡ፡ ብዛዕባ ናይ ስራሕ ልምዱ ክዛረብ እንከሎ "ብዘይካ ሳሕቲ ዳርጋ ኵሉ ግዜ እየ ዝሰርሕ" ኢሉ።
ድሒሩ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ እቲ ኣብ ትዊተር ዝካየድ ዘሎ "መሰረታዊ ትካላዊ ዕረያ" ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ክዛዘም ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ።
መስክ፡ ዘለዎ ጻዕቒ ስራሕ ከቃልለሉ ዝኽእል ሓደ መንገዲ፡ ንኣመራርሓ ካልኦት ትካላቱ ብምክፋል ምዃኑ’ውን ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







