ጉግል ምስ ምስጢራውነት ብዝተሓሓዝ ናይ 391 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል እዩ

ኣርማ ጉግል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጉግል ምስ ኣተኣኻኽባ ምስጢራዊ መረዳእታ ዓማዊል ብዝተሓሓዝ ንዝቐረበሉ ክሲ፡ ኣብ ታሪኹ እቲ ዝለዓለ፡ ናይ 391 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል እዩ።

እቲ ትካል ዘለዉዎ ከባቢ ክፍለጥ ናይ ዘይደለዩ ሰባት፡ ዝርከቡሉ ቦታ ክቃላዕ ከምዝገበረ ካብ 40 ግዝኣታት ኣሜሪካ ክሲ ቀሪቡሉ።

ጉግል ናይ ሰባት ቦታ ምስ ምምልኻት ብዝተሓሓዝ ግልጺ ክኸውንን፡ ብዛዕባ እቲ ዝእክቦ ሓበሬታ ንዓማዊሉ ክገልጽን ተነጊርዎ እዩ።

እቲ ክፍሊት ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ብዙሓት ግዝኣታት ዝተኻፈላሉ ምስ ምስጢራውነት ዝተተሓሓዘ ካሕሳ እዩ።

እቲ ትካል ኣብ ቀረባ ዓመታት ብዙሕ ምምሕያሻት ከምዝገበረ እዩ ዝገልጽ።

ጉግል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብተመሳሳሊ ምስ ምሕባር ቦታ ብዝተሓሓዝ ንግዝኣት ኣሪዞና ናይ 85 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ተሰማሚዑ እዩ።

ተጠቀምቲ ዝርከቡሉ ከባቢ ምፍላጥ፡ ምህርቲታት ዘወዓውዑ ትካላት ናብ ዓማዊል ክበጽሑ ይሕግዞም።

እዚ ድማ ጉግል ዓመታዊ ኣስታት 200 ቢልዮን ዶላር ክሓፍስ የኽእሎ።

ነቲ ጉግል ዝተኸሰሰሉ ጉዳይ ሒዙ ዝጸንሐ ዓቃቢ ሕጊ ኦረጎን፡ ኤለን ሮዘንብለም “ ጉግል ንዓመታት ካብ ናይ ዓማዊሉ ድሕነት ንመኽሰቡ እዩ ዘቐድም ነይሩ” ኢላ።

“እቶም ዓማዊል ነቲ ኣብ ስልኮም ዘሎ፡ ዘለዉሉ ከባቢ ዝሕብር ኣገልግሎት ከምዘጥፍእዎ እዮም ዝሓስቡ፤ ኮይኑ ግና እቲ ትካል ብምስጢር ንምንቅስቓሶም እናመዝገበ እቲ ሓበሬታ ኣወዓዋዕቲ ምህርቲ ክጥቀሙሉ ይገብር።”

“ጎራሕን መታለልን ኮይኑ እዩ ጸኒሑ” ክትብል እውን ወቒሳ።

እቶም ዓቀብቲ ሕጊ፡ ጉግል ብውሑድ ካብ 2014 ጀሚሩ መሰል ሓለዋ ተጠቀምቲ ብምጥሓስ፡ ንኣገልግሎት ምሕባር ቦታ ብዝምልከት ንዓማዊሉ ከጋግይ ከምዝጸንሐ ይኸሱ።

እቲ ትካል ካብ 2023 ጀሚሩ፡ ኣብ ዝህቦም ሓበሬታታት፡ ሰባት ዘለዉሉ ካባቢ ዝምልከት ምምሕያሽ ክገብር ተነጊርዎ ኣሎ።