ኣብ ግዜ ኮሮናቫይረስ ንምንታይ እዮም ሮቦታት ንሰብ ተኪኦም ዝሰርሑ ዘለዉ?

ኢድ ሮቦት ኣብ ኪቦርድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፈተና ጸላእና፡ ንሕና ሰባት እንሰርሖም ዝነበርና ብዙሓት ዕዮታት ብሮቦታት ክትክኡ ምዃኖም ሰብ ሞያ ይገልጹ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድማ ነዚ ከይዲ የቀላጥፎ ምህላዉ እዮም ዝዛረቡ።

ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን፡ ዓበይቲ ኮኑ ኣናእሽቱ ትካላት፡ ምትሕውዋስ ናይ ሰባት ንምውጋድን ብዝሒ ብኣካል ናብ ስራሕ ዝመጹ ሰባት ንምንካይን ክብሉ፡ ኣብ ንጥፈታቶም ሮቦታት የተኣታተዉ ኣለዉ።

ሰባት ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክዓይዎም ንዘይክእሉ ንጥፈታት ከኣ፡ ብሮቦታት ይትክኡዎም ኣለዉ።

ንኣብነት፡ ኣብ ኣመሪካ እቲ ዝዓበየ መደብር ዋልማርት፡ ምድሪቤቱ ንምጽራይ ሮቦታት ክጥቀም ጀሚሩ'ሎ።

ኣብ ደቡብ ኮርያ ድማ፡ ሮቦታት መጠን ረስኒ ናይ ሰባት ክዕቅኑን ናይ ጽርየት ፈሳሲ (ሳኒታይዘር) ክዕድሉን ተራእዮም እዮም።

ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ሰባት ክፈናተቱን ከይተሓዋወሱን ምግባር ክሳብ 2021 ክቕጽል ከምዝኽእል ኣብ ዝገልጽሉ ዘለዉ እዋን፤ ሮቦት ሸቓሎ ተደላይነቶም ክውስኽ ምዃኑ ግሁድ እዩ።

ኣማዞን ኣሸሓት ሮቦታት ምትቃም ጀሚሩ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣማዞን ኣሸሓት ሮቦታት ምትቃም ጀሚሩ ኣሎ።

ዘጽርዩ ሮቦታት

ናይ ጽርየት ናውቲ ዝሰርሑ ትካላት፡ ኣብዚ እዋን ጠለብ ምህርትታቶም ኣዝዩ ወሲኹ'ሎ።

'ዩቪዲ ሮቦትስ' ዝበሃል ናይ ዴንማርክ ኩባንያ፡ ጨረር ኣልትራቫዮሌት ተጠቒሞም ሕማም ንዘምጽኡ ታህዋስ ዘጽርዩ ሮቦታት የፍሪ። እዞም ሮቦታቱ ከኣ፡ ኣብዚ እዋን ናብ ቻይናን ኣውሮጳን ብኣማኢት እናተጽዓኑ ከይዶም እዮም።

ዓማዊሎም ናብ ገዝኦም ዝወስድዎም መግብታት ዝሸጡ ትካላት'ውን ነዞም መሳርሕታት እዚኦም ዝያዳ ክጥቀሙሎም ጀሚሮም ኣለዉ።

ሰብ ሞያ ከምዝብልዎ ድማ፡ ብሰንኪ እዚ ለበዳ ተዓጽዮም ዝጸንሑ ትካላት ንግዲ እናተኸፈቱ ክመጽእ እንከለዉ፡ እዚ ቴክኖሎጂታት ዝያዳ ክተኣታቶ እዩ። በዚ ድማ፡ ኣብ ቤት ትምህርትኹም ወይ ከኣ ኣብ እትሰርሕሉ ቤት ዕዮ፡ ምድሪቤት ዘጽርይ ሮቦት ክትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም።

እንተኾነ፤ ሕዚ'ውን ጉድለተት ኣሎ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መደብራት ሒሳብ ዝቕበሉ ሮቦታት ብቐሊሉ ስለዝስበሩ፡ ገለ እዋናት ድማ ስለዘይሰርሑ፡ ዓማዊል ናብ ሰባት ከይዶም ክኸፍሉ ይግደዱ።

ከሸንቲ ሮቦታት ከ?

ምልባድ ሕማማት ንምክልኻል ክበሃል፡ ኣብ ኣገልግሎት ምኽሻንን ምቕራብ መግቢን፡ ሮቦታት ተደለይቲ ዝኾንሉ ዕድል ሰፊሕ እዩ።

ከም ማክዶናልድስ ዝበሉ ዓበይቲ ኣፍረይቲ መግቢ፡ ሮቦታት ኣብ ምኽሻንን ምቕራብን ምግቢ ንዘለዎም ዓቕምታት ክፍትሽ፡ ፈተነታት ከካይድ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ከም ኣማዞን ዝኣመሰሉ ትካላት ድማ፡ ሮቦታት ኣብ ምዕሻግ ንምብጻሕን ዝተፈላለዩ ናውቲ የገልግሉ ኣለዉ።

እዚታት ድማ፡ ዕድል ስራሕ ናይ ሰባት ዝምንጥል ከምዝኸውን ሰብሞያ ይገልጹ። ሓደ ትካል፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት ምትሕውዋስን ምትንኻፍን ከይህሉ ኢሉ፡ ንሓደ ዕዮ ብሮቦት ምስተከኦ፡ ተመሊሱ ነቲ ስራሕ ንሱ ሰብ ክቖጽረሉ ዘሎ ዕድል ንእሽቶ እዩ።

ሮቦታት መጀመርያ ንምህናጾምን ናብ ስራሕ ንምእታውን ብዙሕ ገንዘብ ይሓትት። እንተኾነ፡ ሓንሳብ ናብቲ ስራሕ ምስኣተዉ ግን፡ ወጻእታቶም ምስ ሰብ ክነጻጸር እንከሎ ሕሳር እዩ።

ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ከኣ፡ ሰባት ብዙሕ ሰብ ናብ ዘይብሉ ቦታታት ከይዶም ክዕድጉ እዮም ዝመርጹ። ስለዚ ከኣ፡ ውሕድ ሰብን ብዙሕ ማሸንን ዘለዎም ትካላት ናይ ዕዳጋ ብልጫ ይህልዎም።

ዘጽርዩ ሮቦታት፡ ኮቪድ19 ካብ ዝመጽእ ንደሓር ብኣማኢቲ ጠለባቱ ወሲኹ

ምንጪ ስእሊ, UVD-Robots

መግለጺ ስእሊ, ዘጽርዩ ሮቦታት፡ ኮቪድ19 ካብ ዝመጽእ ንደሓር ብኣማኢቲ ጠለባቱ ወሲኹ

'ዝሓስቡ' ሮቦታት

ሮቦታት ኣብቲ ኣካላዊ ዕዮ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስ ፍልጠት ብዝተሓሓዝ ሰባት ንዝሰርሕዎም ዝነበሩ ዕዮታት እውን ይትክኡ እዮም ዘለዉ።

መምህራን፡ ኣሰልጠንቲ ኣካላዊ ምንቅስቓስን፡ ናይ ፋይናንስ ኣማኸርትን ንምትካእ፤ ሰብሰርሖ ፍልጠት (ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ) ይምዕብል እዩ ዘሎ።

ዓበይቲ ናይ ቴክኖሎጂ ትካላት፡ ሰብሰርሖ ፍልጠት ዝያዳ ይጠቀማሉ ኣለዋ። ንኣብነት ፌስቡክን ጉግልን፡ ገለ ግቡእ ዘይኮኑ ንዝብልዎም ትሕዝቶታት ብመገዲ ሰብሰርሖ ፍልጠት ይኣልዩ ኣለዉ።

ዓለማዊ ኣማኻሪ ትካል መክንሲ ኣብ 2017 ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻቡ፡ ኣብ 2030 ሲሶ ኣብ ኣመሪካ ካብ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ብማሽናትን ሮቦታትን ክትክኡ እዮም ክብል ኣሚቱ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ከምዚ ሕዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ለበዳ ዝኣመሰሉ ኣጋጣምታት ነዚ ከይዲ ከቐልጥፍዎ ከምዝኽእሉ ሰብሞያ ይገልጹ።

ኮሮና