እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩክረይን ንወተሃደራዊ ማእከል ዕሱብ ጕጅለ ዋግነር ደብዲባ
ዩክረይን ንቐንዲ ወተሃደራዊ ማእከል'ቲ ብዋግነር ዝፍለጥ ሕቡእ ዕሱብ ወተሃደራዊ ጕጅለ ሩስያ ብሚሳይል ከምዝደብደበት ጸብጻባት ሓቢሮም፡፡
ኣብ ማእከል ናይቲ ምስ ገበናት ኲናት ተኣሳሲሩ ዝለዓል ጕጅለ ዝወረደ ጕድኣት ግን ኣይተፈለጠን፡፡
ዋና ኣመሓዳሪ ግዝኣት ሉሃንስክ ከምዝሓበሮ፡ ሓደ ሩስያዊ ጋዜጠኛ ኣድራሻ ናይቲ ማእከል ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ እቲ ምስጢራዊ ቦታ ተፈሊጡ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደጋፊ ሩስያ ዝዀነ ጋዜጠኛ ሰርገይ ስሬዳ፡ ስእልን ኣድራሻን ናይቲ ወተሃደራዊ ማእከል ኣብ ቴሌግራም ለጢፉ፡፡
ኣብቲ ኣብዚ እዋን ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተደምሰሰ ስእሊ፡ ምልክት ኣብ ዘለዎ ኣብ ሉሃንስክ ዝርከብ ጎደና ፖፓስና፡ ሓሙሽተ ወተደራዊ ክዳን ዝተኸደኑ ሰባትን ይረኣዩ፡፡
ዋላ'ኳ ቢቢሲ ኣብ መንጎ እቶም ኣሳእልን እቲ መጥቃዕትን ዘሎ ርክብ ከረጋግጽ እንተዘይከኣለ፡ ኣመሓዳሪ ሰርሂ ሃይዳይ ግን ሓይልታት ዩክረይን ‘‘ሳላ ብሩስያዊ ጋዜጠኛ ዝተረኸበ ኣድራሻ ንቐንዲ ቤት ጽሕፈት ጸላኢ ወቒዖም’’ ብምባል ኣብ ቴሌግራም ጽሒፉ፡፡
ብተወሳኺ በቲ ዕዉት መጥቃዕቲ ቀንዲ ማእከል ዋግነር ከምዝዓነወን በዝሒ ዝሞቱ ንምፍላጥ ምጽራይ ይግበር ከምዘሎን ሓቢሩ፡፡
ጕጅለ ዋግነር፡ ብሩስያ ዝድገፉ ዕጡቓት ኣብ 2014 ንወታሃደራት ዩክረይን ብምድፋእ ንክረምያ ድሕሪ ምቍጽጻሮም እዩ ናብ ክረምያን ዞባ ዶንባስን ተዋፊሩ፡፡
ጕጅለታት ዋግነር ናብ ሶርያ፡ ሊብያ፡ ማሊን ማእከላይ ኣፍሪቃን እውን ተላኢኾም ነይሮም፡፡
ሩስያ ዋግነር ዝበሃል ጕጅለ ምህላዉ ዕላዊ ዘይገበረት ኰይና፡ ትካላት ስለያ ምዕራብ ግን እቲ ጕጅለ ምስ ቭላድሚር ፑቲንን ሰራዊቱን ቅርበት ምስዘለዎ የቭገኒ ፕሪጎዚን የተኣሳስርዎ፡፡
ፕሪጎዚን ልክዕ ከም ካልኦት ሰብመዚ ሩስያ ብምዕራባውያን ማዕቀብ ተገይሩሉ እዩ።
ዋግነር ውልቀ ወተሃደራዊ ትካል ከምዝኾነ እዩ ዝፍለጥ። ምዕራባውያን ግን ንድልየት ሩስያ ዘፈጽም ብመንግስቲ ዝምወል ዕሱብ ጕጅለ ከምዝዀነ ይገልጹ።
ብተደጋጋሚ ገበናት ኲናትን ጥሕሰት መሰላትን እውን ይኽሰስ እዩ።
ካልእ ኮንቲኖክ ዝተባህለ ደጋፊ ሩስያ ጋዜጠኛ እውን፡ "ካብቶም ኣብ ፖፓስና ዝርከቡ ማእከላት ዋግነር ኣብ ሓዲኡ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ኣሎ፡፡ ምንጪታ ዶንባስ ነዚ እዮም ዘረጋግጹ። ምናልባት ሮኬት ‘ሂማርስ’ ይኸውን፣ ምንጪታት ዩክረይን ፕሪጎዚን ከምዝተቐተለ ይጽብጽባ ኣለዋ፤ ንሕና ግን ኣየረጋገጽናን" ብምባል ኣብ ቴሌግራም ጽሒፉ።
ኣብዚ እዋን ሓይልታት ዩክረይን፡ ካብ ዓውደ ኲናት ርሒቘም ዝርከቡ ዒላማታት ሩስያ ንምውቃዕ ዘኽእሎም ብሂማርስ ዝፍለጥ ሮኬት ኣሜሪካ ብበዝሒ ተዓጢቘም ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ።
ኣባል ፓርላማ ዩክረይን ኦለክሲ ሆንቻረንኮ እውን፡ "ድሕሪ ሕጂ ማእከል ዋግነር ኣብ ፖፓስና ኣይክህሉን'ዩ፤ ምስጋና ንሂማርስን ሓይልታት ዩክረይንን" ክብል ኣብ ፈይስቡክ ጽሒፉ።
ገለ ጸብጻባት ዩክረይን በቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዩክሬናውያን ምሩኻት ኣብ ዝተኣሰሩሉ ቤት ማእሰርቲ ተፈጺሙ ብዙሓት ዝቐተለ መጥቃዕቲ፡ ንጕጅለ ዋግነር ተሓታቲ ይገብሩ፡፡ ሩስያ ግን መጥቃዕቲ ኦለኒቭካ ብሓይልታት ዩክረይን ከምዝተፈጸመ ትገልጽ፡፡