እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ ምስ ሰሜን ኮርያ ዘለዋ ዝምድና ከምእተስፍሕ ቃል ኣትያ
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ሃገሩ ምስ ሰሜን ኮርያ "ኵለመዳያውን ሃናጽን ክልተኣዊ ዝምድናታት ከተስፍሕ" ምዃና ኣፍሊጡ።
ንሱ ኣብ መዓልቲ ሓርነት ሰሜን ኮርያ ናብ መዘናኡ ኪም ዮንግ ኡን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ እቲ ስጕምቲ ንረብሓ ክልቲአን ሃገራት ከምዝኸውን ጠቒሱ።
ኪም ብወገኑ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ምሕዝነት ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ልዕሊ ጃፓን ዓወት ብምምዝጋብ ዝተሰረተ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።
ወሲኹ፡ "ብጻያዊ ምሕዝነቶም" እናጸንዐ ከምዝኸይድ ሓቢሩ።
ፑቲን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ እቲ ሰፊሕ ክልተኣዊ ዝምድናታት "ምስ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ዝሰማማዕ እዩ" ምባሉ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሰሜን ኮርያ - ኬሲኤንኤ ኣቃሊሑ።
ኪም ብወገኑ እቲ "ኣንፃር ጃፓን ኣብ ዘቕንዐ ኲናት" ዝተሰረተ ምሕዝነት ሩስያን ሰሜን ኮርያን፡ "ካብ ዘመን ናብ ዘመን እናደልደለን እናማዕበለን" ከምዝመጽአ ኣብ ደብዳበኡ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ "ስትራተጂያውን ስልታውን ምትሕብባር፡ ደገፍን ስምረትን ካብ ተጻባእቲ ሓይልታት ንዝብገስ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስግኣታትን ትንኮያታትን ንምፍሻል ኣብ ሓድሽ ዝበረኸ መድረኽ ተቐሚጡ ዝጸንሐ እዩ፡" ኢሉ።
ሰሜን ኮርያ ነቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ዝበለቶም ብስሞም'ኳ እንተዘየነፀረት፡ እዚ ኣበሃህላ ግን ንኣሜሪካን መሓዙታን ንምምልካት ብተደጋጋሚ ክትጥቀመሉ ምፅንሓ ይፍለጥ።
ሕብረት ሶቭየት ኣብ ሓደ እዋን ቀንዲ መሓዛ ሰሜን ኮርያ ምንባራ ዝዝከር ኰይኑ፡ ቍጠባዊ ምትሕብባር፡ ባህላዊ ምልውዋጥን ሓገዝን ትገብረላ ነይራ።
ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት፡ ካብ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ንደሓር ክልሕልሕ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ብፍላይ ሩስያ ካብ ፈለማ 2000 ጀሚራ ምስ ምዕራባውያን ዝምድናታት ምስ ጀመረት መሊሱ ቅሂሙ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ሩስያ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ንዝርከባ ክልተ ተገንጸልቲ ግዝኣታት ናጽነተን ከምእትድግፍ ድሕሪ ምእዋጃ፡ ብወግዒ ኣፍልጦ ካብ ዝሃባ ውሑዳት ሃገራት ሓንቲ፡ ሰሜን ኮርያ እያ።
ሕነ ንምፍዳይ ድማ እታ ኣንጻር ወራር ሩስያ ትቃለስ ዘላ ዩክረይን ምስ ሰሜን ኮርያ ዝነበራ ኵሉ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣቋሪጻ።