ቀጻሊ ስጉምቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ሩስያን ዩክሬንን ኣብዚ ዓመት ዝኾነ ወሳኒ ወተሃደራዊ ዓወት ክረኽባ ተኽእሎ ከም ዘየለ ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ብሪጣንያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ሳሕቲ ኣብ ዘጋጥም ቃለመጠይቕ ሌተናል ጀነራል ሰር ጂም ሆከንሃል፡ ሩስያ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ዘለዋ ተኽእሎታት ኣዝዩ ብቐረባ ክከታተልዎ ከምዝጸንሑ ገሊጹ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ 23 ለካቲት ጀነራል ሆከንሃል ክሳብ ምሸት እናሰርሐ ነይሩ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ ብብሽክለታ ናብ ገዝኡ ከይዱ ከባቢ ሰዓት 01፡00 ደቂሱ።

ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣብ ዶብ ዩክሬን ገለ ፍሉያት ንጥፈታት ከምዝነበሩ ዝገልጽ ቴለፎን ምስተደወለሉ፡ ብብሽክሌትኡ ናብ ስርሑ ተመሊሱ።

ፅንሕ ኢሉ ሩስያ ንጎረቤታ ከም ዝወረረታ ዘረጋግፅ ሓበሬታ መጺኡ።

ድሕሪ ደቓይቕ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተርን ጸሓፊ ምክልኻልን ብሪጣንያ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝዓበየ ዕጥቃዊ ግጭት ኣውሮጳ ምጅማሩ መብርሂ እናሃበ ነይሩ።

ጀነራል ሆከንሃል ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ሓላፊ ስለያ ምክልኻል ኮይኑ ኣዝዩ ምስጢራው ሓበሬታታት ዝሰርሕ ትካል ክመርሕ እዩ ጸኒሑ። ኣብ ዩክሬን ዝተኻየደ ኲናት ግን፡ ስርሑ ዝያዳ ኣገዳሲ ክኸውን ገይርዎ።

ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕዳር ወራራ ከምትጅምር ዝያዳ ኣሚኑ ከምዝነበረ ይዛረብ። "እዚ ክፍጸም'ዩ" ኢሉ ዝሓሰበሉ እዋን ከምዝነበረ ይዝክር።

ቅድሚ እቲ ኣብ ወራር ዝነበረ ሰሙን፡ ሩስያ ክትወራረሉ ትኽእል መደባት ዝትንቢ ካርታ ኣብ ትዊተር ንምሕታም ኣዝዩ ዘይተለምደ ውሳነ ወሲዱ። ቀሊል ኣይነበረን ዝብሎ ውሳነ'ኳ እንተነበረ፡ ሓበሬታ ናብ ህዝባ ምውጻእ ከምዘድሊ ግን ኣሚኑ እዩ።

"እቲ ሓሶት ቅድሚ ምምጽኡ ሓቂ ክወጽእ ኣገዳሲ'ዩ" ይብል።

ብተወሳኺ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ሩስያ ኬሚካላውን ባዮሎጂካውን ኣጽዋር ክትጥቀም ዘለዋ ዓቕሚ ንምጉላሕ ዝወሰድኦ ውሳነ ይድግፍ።

ጀነራል ሆከንሃል ግን ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ኣብ ደቡብ ወሳኒ ለውጢ ክመጽእ ምጽባይ ካብ ክውንነት ወጻኢ እዩ ይብል።

ንሱ፡ ዩክሬን ዳግማይ መሬታ ክትቆጻጸር ዘለዋ ድሌት ከም ዝርዳእ፡ ኮይኑ ግን ጸረ-መጥቃዕቲ እንተሃለወ'ኳ፡ ኣብዚ ዓመት ግን ብኽልቲኦም ወገናት ወሳኒ ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ወሲኹ ይዛረብ።

ግምቱ ነዊሕ እዋን ዝወስድ ግጭት እዩ።

ኒዩክለራዊ ኣማራጺ

እዚ ድማ ካልእ ሕቶ የልዕል። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ወተሃደራዊ ዕላማታቱ ንምዕዋት ቃልሲ እንተቐጺሉ እንታይ ክገብር ይኽእል? ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ምጥቃም ከም ኣማራጺ ክወስድ ይኽእል ድዩ?

ጀነራል ሆከንሃል፡ እዚ "ኣዝዩ ኣዝዩ ብቐረባ" ክትትል ዝግበሮ ጉዳይ ከም ዝኾነ ይገልጽ።

ንዩክሬናውያን ወይ ምዕራባውያን ከም መበገሲ ናይቲ ግጭት ተገይሮም ንኽውሰዱ ንምፍታን ናይ ሓሶት ስርሒታት ከይካየዱ ደው ንምባል ከምዝሓገዞም እምነት ኣለዎ።

ክንድዚ ዝኣክል ምስጢራዊ ስለያዊ ሓበሬታ ንህዝቢ ከካፍል ሳሕቲ ዘጋጥም ነገር እዩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ስለላ ምክልኻል ነቲ ኲናት ዝምልከት መዓልታዊ ሓድሽ ሓበሬታ ክዝርግሕ ጸኒሑ እዩ።

ስለያ ሳይንስ ኣይኮነን፤ ትንበያታት ብመጠን ክፍጸሙ ዝኽእሉ ተኽእሎታት ዝግበር ኮይኑ፡ ኣብ ስለያ ምክልኻል ብሪጣንያ ዘገረሙ ብርክት ዝበሉ ነገራት ኣጋጢሞም እዮም።

ጀነራል ሆከንሃል፡ ጥንካረ ሓድነት ምዕራባውያንን ተቓውሞ ዩክሬንን ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ከምዝኾነ ይገልጽ።

"ውድቀት ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ እውን ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ነይሩ" ዝበለ ጀነራል ሆከንሃል፡ ትእዛዝ፣ ቁጽጽርን ሎጂስቲክስን ግን "ድኹም" ምንባሩ ይሕብር።

ካብ ስትራተጂካዊ ክሳብ ስልታዊ ደረጃ፡ ብፖለቲካዊ ምትእትታው እውን ከምዝተጎድአ ይገልጽ።

ኣብ መንጎ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ክፍልታት ሩስያ ዘይምትእምማን ተራእዩ እዩ። ሞስኮ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ንዚ ኩሉ ጸገማት ምስጣሓ ከም ዘገረሞ ይዛረብ።

ቐጺሉኸ እንታይ ይፍጠር ይኸውን?

"ሰባት ይዕወቱ ወይ ይስዕሩ ኣለዉ ኢልና፡ ወይ ድማ ማዕረ ኣለዉ ኢልና ብኽልተኣዊ ኣገላልጻ ካብ ምሕሳብ ክንጥንቀቕ ይግባእ" ይብል ጀነራል ሆከንሃል።

ሩስያ፡ ርኡይ ክሳራ ስለ ዘጋጠማ ብንጹር ተወሳኺ ሓይሊ ንምፍራይ ትጽዕር ከምዘላ ድማ ይዛረብ።

ኣብ ኬርሰንን ከባቢኡን ካብ ዘለዉ ሓይልታት ዩክሬን ርኡይ ጸቕጢ ይግበረላ ስለ ዘሎ ተወሳኺ ገለ ሰራዊታ ካብ ዶንባስ ናብ ደቡብ ዳግማይ ከተዋፍር ከምትግደድ የረድእ።

ወተሃደራዊ ዶክትሪን ሩስያ፡ ዘይከም ናይ ምዕራባውያን፡ ንወተሃደራዊ ስርሒታት፡ ታክቲካዊ ወይ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ምጥቃም ዘጠቓልል እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ኣብ ጥቕሚ ክውዕል እዩ ዝብል እምነት እኳ እንተዘይሃለዎ፡ ክትትል ምግባሩ ግን ክቕጽል እዩ።

እቲ ናይ ዓውደ ውግእ ተበግሶ እንተተቐያይሩ ስልታዊ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ናይ ምጥቃም ተኽእሎታት እውን ክቕየር ከምዝኽእል ይገልጽ።

ስክፍታ ቻይና

ጀነራልሆከንሃል ሓላፊ ስለያ ምክልኻል ኾይኑ ንኣርባዕተ ዓመታት ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ሕጂ ንስትራተጂካዊ ትእዛዝ ምክልኻል ብሪጣንያ ንምምራሕ ይሰጋገር ኣሎ።

እዚ ድማ ምክትታል ንጥፈታት ብሪጣንያ ኣብ ጠፈር፣ ኣብ ሳይበርን ኣጠቓቕማ ፍሉያት ሓይልታትን ዘጠቓልል እዩ።

ሕጂ'ውን ንሩስያ ከም ዓባይ ስግኣት ዝርእያ'ኳ እንተኾነ፡ ብዛዕባ ቻይና'ውን ስክፍታኡ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ቤጂንግ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ወተሃደራዊ ጭዋዳታታ ኣብ ልዕሊ ታይዋን ክተጠናክር ጸኒሓ እያ።

ጀነራል ሆከንሃል፡ "ፖለቲካዊ ጉዳይ ንምፍታሕ ቆሪጻ ዝቖመት፡ ክትኣምኖ ዘጸግም ዘመናዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝሓዘት ሃገር" ሸለል ምባል ኣግባብነት ከምዘይብሉ ይገልጽ።

ስራሕ ወተሃደራዊ ስለያ ብሪጣንያ ካብዚ ዝቐለለ ኣይክኸውንን።