ኲናት ዩክረይን ንክሬምያ ሓራ ብምውጻእ ክዛዘም ኣለዎ- ዘለንስኪ

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ክሬምያ ዝተጀመረ ኲናት ዩክረይን ንክሬምያ ሓራ ብምውጻእ ክዛዘም ኣለዎ ኢሉ፡፡

ንሱ ድሕሪ እቲ ኣብ ማእከል ሓይሊ ኣየር ሩስያ፡ ሓደ ሰብ ዝቐተለ ነትጒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዩ ነቲ ሓሳብ ሂቡ፡፡

ዋላኳ ኣብ ዘረብኡ ብዛዕባ እቲ ነትጒ ዝበሎ ነገር እንተዘይሃለወ፡ ሙሉእ መልእኽቱ ክሬምያ ዝምልከት እዩ ነይሩ፡ ‘‘ክሬምያ ዩክሬናዊት እያ፤ ኣይንገድፋን’’ ድማ ኢሉ፡፡

ሩስያ እቲ ነትጒ ቀሊል ምዃኑ ክትገልጽ እንከላ፡ ሓደ ላዕለዋይ ዩክሬናዊ ኣማኻሪ ድማ ብዩክረይን ከምዘይተፈጸመ ሓቢሩ፡፡

ኣካል ዩክረይን ዝነበረት ክሬምያ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 2014 ዝተኻየደን ማሕበረሰብ ዓለም ዘይተቐበሎን ህዝበ ውሳነ ብሓይሊ'ያ ናብ ሩስያ ተወሲዳ፡፡

ብዙሓት ዩክሬናውያን ምስ ሩስያ ዘካይድዎ ኲናት ኣብቲ እዋን ከምዝጀመረ እዮም ዝኣምኑ፡፡

ብሰሉስ ኣብ ምዕራባዊ ክሬምያ ኣብ ዝርከብ ሳኪ ዝተባህለ ወታሃደራዊ ማእከል ተኸታታሊ ነትጒታት ተሰሚዑ፡፡

ሩስያ እቲ ፍጻመ ብነትጒ ኣጽዋር ዘጋጠመ ከምዝኾነ ኣፍሊጣ ኣላ፣ ብሳልሳይ ወገን ግን ኣይተረጋገጸን፡፡

ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ክሬምያ መጥቃዕቲ እንተፈጺማ ከቢድ ሳዕቤን ከምዝህልዎ እያ ሩስያ እትገልጽ፡፡

ብዛዕባ እታ ደሴት ነዊሕ ዝተዛረበ ዘለንስኪ ግና ሓርነት እታ ግዝኣት ዘይተርፍ ምዃኑ ተሓንዩ፡፡

‘‘እዚ ናይ ሩስያ ኲናት ብክሬምያ እዩ ተጀሚሩ፤ ብክሬምያ እውን ክውዳእ ኣለዎ… ሓራ ኮይና’’ ኢሉ፡፡

እዚ ርእይቶ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ዩክረይን፡ እቲ ኲናት ቅድሚ ምዝዛሙ ንክረምያ ዳግማይ ናብ ግዝኣታ ክተእቱ ከምዘለዋ ዘመላኽት ክኸውን እንከሎ፣ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሖ መርገጺ ዝተፈለየ እዩ።

ንሱ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ሩስያ ቅድሚ 24 ለካቲት ናብ ዝነበረቶ ቦታታት እንድሕር ተመሊሳ ሃገሩ ሰላም ከምእትቕበልን ጉዳይ ክሬምያ ቅድመ ኩነት ከምዘይኸውንን ገሊጹ ነይሩ፡፡

ሩስያ ኣብቲ ብ 24 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዝጀመረቶ ወራር ነታ ግዝኣት ከም መበገሲ ተጠቒማትላ እያ፡፡