'ኣሜሪካን ካልኦትን ንኣፍሪቃ ክእዝዛ ኣይግባእን' - ብሊንከን

ጸሓፊ ክፍሊ ጕዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣፍሪቃ እንታይ ምርጫታት ክትገብር ከምዘለዋ ኣሜሪካ "ኣይትእዝዝን" ካልኦት ሃገራት እውን "ክእዝዛ ኣይግባእን" ኢሉ።

"ሃገራት ኣፍሪቃ ንናይ ገዛእ ርእሰን ምዕባለ ዝቃለሳ ዘይኰነስ ከም መሳርሒ ምዕባለ ካልኦት ኣህዛብ ክረኣያ ጸኒሐን እየን" ይብል ኣንቶኒ ብሊንከን።

ብሊንከን ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዘካይዶ ዑደት ድሮ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ይርከብ።

ጽልዋ ሩስያን ቻይናን እናዓበየ ምኻዱ ስዒቡ፡ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ዝምድና ንምሕያል ጻዕሪ ትገብር ኣላ።

ብሊንከን፡ እታ ኣህጉር ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ከም መጻወቲ ኵዕሶ ከምዝጥቀሙላ ዝገልጽ ዕቃበታት ኣፍሪቃውያን ኣልዒሉ፡ "ምስ መዓልታዊ ቃልሲ ህዝብታቶም ዘይራኸብ ኣብ ውድድራት ዓበይቲ ሃገራት ወገን ንኽሕዙ ብተደጋጋሚ ክንገሮም ጸኒሑ እዩ፡" ኢሉ።

ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ብቐዳምነታት ትሰርሓሎም መዳያት ዲሞክራሲ፡ ወፍሪ፡ ጸጥታ፡ ደገፍ ምክልኻል ኮቪድን ቀረብ ዘተኣማምን ምንጪ ጸዓትን ዘጠቓልል ከምዝዀነ ገሊጹ።

ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኬንያን ናይጀርያን ዓበይቲ ምርጫታት ይጽበያ ኣሎ። ነዚ ብዝምልከት ብሊንከን፡ "ኣፍሪቃ ጸገማት ከምዘለዋን ኣሜሪካ ድማ ወሃቢት መፍትሒ" ኰይና ከምዘይትሓስብ፡ እንተዀነ "ብሓባር፡ ከም ማዕረ፡ ጸገማት ብሓባር ንምምካት" ንዘጋጥሙ "ሓባራዊ ብድሆታት" ኣሜሪካ ኣፍልጦ ክትህብ እያ ኢሉ።

ብተወሳኺ ንሱ፡ ነቲ ኣብ ሊብያ፡ ማሊን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ኣብ ዝኣመሰላ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝንቀሳቐስ ዝንገረሉ ኣካታዒ ጕጅለ ዕሱባት ወተሃደራት ሩስያ - ዋግነር ብዝምልከት እውን ኣልዒሉ።

ነቲ ጕጅለ፡ "ብክረምሊን ዝድገፍ" ጕጅለ "ንዘይምርግጋእ መዝሚዙ ሃብቲ ዝዘምትን ብዘይ ፍቓድ በደል ዝፍጽምን" ክብል ከሲስዎ።

መንግስቲ ሩስያ ግን ምስቲ ናይ ብሕቲ ወተሃደራዊ ኩባንያ ዝዀነ ርክብ ከምዘይብሉ ይኽሕድ።

ብሊንከን፡ ኣሜሪካ ዓለማዊ ሕጊ ተጐዳእነት ክትጅምር እያ፣ በዚ ድማ "ንግጭት ኣብ ዝተቓልዐ ከባቢታት ዝያዳ ሰላማዊ፡ ንዅሉ ዝሓቁፍ፡ ተጻዋርነት ዘለዎም ሕብረተሰባት ኣብ ምድንፋዕ ንዓሰርተ ዓመት ዝጸንሕ ወፍሪ ክትገብር እያ" ኢሉ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዓመት 200 ሚልዮን ዶላር ምወላ ከምዝረክብ ብሊንከን ወሲኹ ገሊጹ።

ኣቐዲሙ ብሊንከንን ደቡብ ኣፍሪቃዊ መዘናኡ ናለዲ ፓንዶርን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ታሪኻዊ ርክብ፡ ኣብ ከም ንግዲን ወፍሪን፡ ጥዕናን ሳይንስን ዝኣመሰሉ መዳያት ዝጸንሐን ምትሕብባር ኣገዳስነቱ ኣጕሊሖም ነይሮም።

ኲናት ዩክረይን እውን ካብ ዘካትዖም ነጥቢታት ሓደ እዩ።

ሚስ ፓንዶር፡ ንሳን ብሊንከንን "ኣብ ገለ እዋናት ዘይንሰማምዓሉ ኣዝዩ ግሉጽ ዘተ" ከም ዘካየዱን ነቲ “ምሕዝነት ግን ከምዘየበላሸዎን" ገሊጻ።

ኣሜሪካ ምስ ካልኦት ዓለማውያን ሓይልታት ኣብ ዘለዋ ርክብ እንታይ ክትገብር ከምዘለዋ ንደቡብ ኣፍሪቃ ክትነግር'ኳ እንተዘይፈተነት፡ "ብመንጽር ኣውሮጳውያን መሻርኽቲ ግን ናይ ምንሻውን ምድንዳን ስምዒታት" ከምዝነበሩ ሓቢራ።

ብተወሳኺ፡ ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ግጭት ዩክረይን ጸግዒ ስለዘይሓዛ፡ ክቕጽዓ ዘኽእል እዩ ትብሎ ኮንግረስ ኣሜሪካ ዘቕርቦ ዘሎ ረቂቕ እማመ ዳግማይ ነቒፋ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣብ ዝገበረቶ ወራር ገለልተኛ ስለዝዀነትን ከምኡ’ውን ምዕራባውያን ንሩስያ ንምዅናን ዝገብርዎ ጻውዒታት ስለዘይተቐበለትን፡ ዝምድና ደቡብ ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ሓርፊፉ'ዩ ጸኒሑ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ን"ወራር" ሩስያ ዝዅንንን ካብ ዩክረን ክትወጽእን ኣብ ዝጠልብ ውሳነ፡ ድምጺ ካብ ዘይሃባ ሃገራትን፡ ዳርጋ ፍርቂ ካብ ኣፍሪቃ እየን።

ብሊንከን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ጠንቂ ናይቲ ንኣፍሪቃ ዝጸሉ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ እኽሊ፡ እገዳታት ምዕራባውያን እዮም ንዝብል ክሲ ሩስያ'ውን መልሲ ሂቡ እዩ።

"ፕረዚደንት ፑቲን ምሉእ ወራሩ ቅድሚ ምጅማሩ'ውን እንተዀነ፡ ኣብ መላእ ዓለም 193 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ምግቢ የድልዮም ነይሩ" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ኣሜሪካ በቲ ኲናት ዝተሃስያ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትድግፍ ከላ፡ ሩስያ ግን ጸገማት ትፈጥር ከምዘላ ሓቢሩ።

ኣስዒቡ፡ "ባንክ ዓለም፡ ብሰንኪ ወራር ሩስያ ኣብዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቍጽሪ [ኣብ ርእሲ'ቲ 193] ተወሳኺ 40 ሚልዮን ህዝቢ ግዳይ ክኸውን ከምዝኽእልን መብዛሕትኡ ድማ ካብ ኣፍሪቃ ከምዝዀነ ይኣምን" ኢሉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ጽልዋ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ብጽልዋ ሩስያን ቻይናን ተዋሒጡ ጸኒሑ እዩ።

ቻይና፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ወፍሪ ክትገብር ዝጸንሐት፡ ኣብቲ ዞባ ልዑል ተራ ዘለዋ ሃገር እያ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ዘይውሕስነት ንምምካት ከኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝመዘዘት ይዝከር።

ቻይና፡ "ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ዝያዳ ዝዓበየ ተራ ክትጻወት እያ" እውን ኢላ ነይራ።

ሚስተር ብሊንከን ንኣፍሪቃ ክስሕብ ዝፍትን ዘሎ ዳሕረዋይ ላዕለዋይ መራሒ ሓንቲ ዓባይ ሃገር እዩ። ኣብ መወዳእታ ሓምለ፡ ሩስያዊ መዘናኡ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ናብታ ኣህጉር ዑደት ብምክያድ፡ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ዘንበራኦ እገዳ፡ ዋጋ እኽሊ ኣብ ኣፍሪቃ ክውስኽ ጠንቂ ከም ዝዀነ ወቒሱ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፕረዚደንት ፈረንሳ ማክሮን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናብ ካሜሩን፡ ቤኒንን ጊኒ ቢሳውን ዑደት ኣካይዱ፣ ነቲ ሚስተር ላቭሮቭ ዘልዓሎ ክሲ ዋጋ ምግቢ ኸኣ ነጺጉ እዩ።

ሚስተር ብሊንከን ናብ ሩዋንዳን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን እውን ዑደት ክገብር እዩ።

ኣሜሪካ ምስ ኣፍሪቃ ሓድሽ ቍጠባዊ ምትእስሳር ንምዕባይ ኣብ ታሕሳስ ዋዕላ መራሕቲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ከተአንግድ እያ።