እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰሜን ኮርያ ፈተነ ኑክሌር ክተካይድ ከምእትኽእል ሓደ ኣሜሪካዊ በዓልስልጣን ኣጠንቂቑ
ሰሜን ኮርያ “ኣብ ዝኾነ እዋን” መበል ሻብዓይ ፈተነ ኑክሌር ክተካይድ ከምእትኽእል ሓደ ኣሜሪካዊ በዓልስልጣን ኣጠንቂቑ።
ፍሉይ ወኪል ኣሜሪካ ኣብ ሰሜን ኮርያ፡ ሱንግ ኪም፡ ነቲ መጠንቀቕታ ዝሃበ፡ ፒዮንግያን ብሰንበት ሸሞንተ ፈተነ ባሊስቲካዊ ሚሳይል ድሕሪ ምግባራ እዩ።
ዝኾነ ኑክሌራዊ ፈተነ “ቅልጡፍን ተሪርን ምላሽ” ክወሃበሉ ምዃኑ ምክትል ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዌንዲ ሸርማን ንጋዜጠኛታት ተዛሪባ።
ሰሜን ኮርያ ንሓሙሽተ ዓመታት ፈተነ ኑክሌር ኣየካየደትን።
እንተኾነ ግና ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ወጥሪ ክዓርግ ጸኒሑ ኣሎ። ካብ ጃካርታ፡ ኢንዶነዥያ መግለጺ ዝሃበ ኪም፡ ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ዓመት ትጽቢት ዘይተገበረሉ ብዝሒ ፈተነ ሚሳይላት ከምዘካየደት ተዛሪቡ።
ፒዮንግያንግ ኣብዚ ዓመት 31 ፈተነ ሚሳይላት ክተካይድ እንከላ ኣብ 2019: 25 ፈተነ እያ ኣካዪዳ።
ንሱ ወሲኹ ሰብመዚ ሰሜን ኮርያ ታክቲካዊ ወይ ንእስ ዝበለ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ናይ ምጥቃም ድሌት ኣለዎም ኢሉ።
ኪም፡ እቲ ዝቕጽል ፈተነ መኣስ ክካየድ እዩ ንዝብል ብጋዜጠኛታት ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ኣብዚ ሰሙን’ውን ክኸውን ከምዝኽእል ብምግላጽ “ኣብ ዝኾነ እዋን” ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ምስ ደቡብ ኮርያውያንን ጃፓናውያንን ሰብመዚ ርክባት ተካይድ ዘላ ዌንዲ ሸርማን ብወገና፡ ኣብ ሲዎል ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዝኾነ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተነ “ንስምምዓት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ” ምዃኑ ገሊጻ።
“ደቡብ ኮርያ፡ ኣሜሪካን ጃፓንን ጥራሕ ዘይኮነ መላእ ዓለም ተሪርን ንጹርን ግብረመልሲ ከምዝህበሉ እኣምን” ኢላ።
ሰሜን ኮርያ ዛጊት ኣብዚ ጉዳይ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።
እንተኾነ ግና እታ ምስ መሻርኽታ ደቡብ ኮርያ ብምዃን ብሰኑይ ሸሞንተ ሞሳይላት ብምውንጫፍ ንሰሜን ኮርያ ምላሽ ዝሃበት ኣሜሪካ፡ ነቲ ጉዳይ ብዲፕሎማሲ ንምፍታሕ “ብዘይቅድመ ኩነት” ድልውቲ ከምዘላ ኪም ሓቢሩ።
እቲ መልእኽቲ ናብ ሰብመዚ ፕዮንግያንግ ብውሽጣዊ መስመራት ከምእተላእኸ’ውን ተዛሪቡ።