እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ንሰሜን ኮርያ ብምጥንቃቕ ሚሳይላት ወንጪፈን
ሰሜን ኮርያ ብሰንበት ባሊስቲካዊ ሚሳይል ድሕሪ ምውንጫፋ፡ ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ሎሚ ሰኑይ ሸሞንተ ሚሳይላት ተኲሰን።
እታ ሃገር ክትገብሮ ንዝጸንሐት ፈተነታት ሚሳይል ኣብ ቀረባ እዋን ኣሐይላቶ ትርከብ።
ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ-ዮል፡ ሃገሩ፡ ካብቲ ብሰሜን ኮርያ ዝመጽእ ምትዅታዅ ተሪር ምላሽ ክህብ ምዃኑ ተዛሪቡ።
“ህይወትን ንብረትን ህዝብና ንምሕላው ዝዀነ ፈቓቕ ከምዘይህሉ ክነረጋግጽ ኢና” ኢሉ።
ንሱ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶል ኣብ ዝተኻየደ መደብ ‘ዝኽሪ ኲናት’ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰሜን ኮርያ እትሰርሖ መደባት ኑክሌርን ሚሳይልን "ንሰላም ሓውሲ ደሴት ኮርያ ጥራይ ዘይኮነስ ንሰሜናዊ ምብራቕ ኤስያን ዓለምን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ብቐጻሊ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ከም ዘካይዳ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ንሰሜን ኮርያ የቘጥዕ።
ሰሜን ኮርያ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕራ ሓያሎ ሚሳይላት ድሕሪ ምትኳሳ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ሰዓታት፡ ሰኑይ ንግሆ፡ ክልቲአን መሓዙት ሃገራት ሸሞንተ - ሓደ ካብ ኣመሪካ፡ ሸውዓተ ድማ ካብ ደቡብ ኮርያ - ካብ ምድሪ ናብ ምድሪ ዝጓዓዝ [ATACMS] ዝዓይነቱ ሚሳይል ወንጪፈን።
እዚ ፍጻመ፡ ደቡብ ኮርያ ብሓገዝ ኣጽዋር ኣመሪካ፡ ቀላጽማ ተርኢ ምህላዋ ዝገልጽ ምዃኑ ተንተንቲ ይእምቱ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ናብቲ ዞባ ድሕሪ ምብጽሑ ብቕጽበት ሰሜን ኮርያ ተኸታታሊ ሚሳይላት ድሕሪ ምትኳሳ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ተመሳሳሊ ግብረ-መልሳዊ ስጕምቲ ካብ ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ዝተገብረ ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዚ ንኻልኣይ ግዜ ዝግበር ዘሎ ስጕምቲ ፍዳይ-ሕነ እዩ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር፡ ኣብ ምምሕዳር’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ መንግስቲ ደቡብ ኮርያ ሳሕቲ እዩ ዝነበረ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቃለ-መሓላ ዝፈጸመ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ ልዕሊ ጐረቤት ሰሜን ኮርያ ዝያዳ ተሪር ኣቀራርባ ክህልዎ ምዃኑ እዩ ዝዛረብ።
እታ ተነጺላ ዘላ ኮሚኒስታዊት ሃገር፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣህጉር-ሰገር ባሊስቲክ ሚሳይልን ካልኦት ዓሰርተታት ሚሳይላት ክትፍትን፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ንፈለማያ እዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰሜን ኮርያ ፈተነታት ባሊስቲክን ኑክሊየርን ብምኽልካል፡ በቲ ቕድሚ ሕጂ ዝተኻየደ ፈተነታት ተሪር እገዳታት ኣጽኒዑላ እዩ።
መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሰሜን ኮርያ፡ ብዛዕባ’ቲ በታ ሃገር ዝተኻየደ ፍጻመ ዝበላኦ ነገር የለን፣ እዚ ኸኣ ገለ ተንተንቲ ከም ዝብልዎ፡ እታ ሃገር ኣብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ብዕሊ ዝነገረትሉ ለበዳ ኮሮና ኣድሂባ ብምህላዋ እዩ ይብሉ።
እዚ ምውንጫፍ ሚሳይላት፡ እቲ ሰሜን ኮርያ መርኣያ ናይቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊኣ ዘለዋ ተጻባኢ ባህሪ እዩ ኢላ ዝዀነነቶ፣ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ዘካየዳኦ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ድሕሪ ምውድኡ ሓደ መዓልቲ ድሒሩ ዝተፈጸመ እዩ።
“እዘን ክልተ ሰብ ኪዳን ሃገራት ዝሃባኦ ህጹጽ ግብረመልሲ፡ ነታ ሃገር [ሰሜን ኮርያ] ብልክዕነት ንምውቃዕ ዘኽእል ድልውነት ከም ዘለወን መርኣያ እዩ፡” ይብል ፕሮፈሰር ለይፍ ኢሪክ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኢውሃ ደቡብ ኮርያ ይገልጽ።
እንተዀነ፡ እዚ እዋናዊ ዓቕሚ ምክልኻል ሚሳይል ደቡብ ኮርያ፡ “ምስቲ ዝዓቢ ዘሎ ስግኣት ሰሜን ኮርያ ዝዳረግ ኣይኰነን፡” ክብል የጠንቅቕ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጄን ማከንዚ ብወገና፡ እዚ ብኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ዝተወስደ ስጕምቲ ሕነ ምፍዳይ እንታይ ውጽኢት ከምጽእ እዩ? ዝብል ሕቶ ብምቕማጥ፡ ንደቡብ ኮርያ ዝያዳ ውሕስነት ዝፈጥር ድዩ? ወይ’ውን ሰሜን ኮርያ ፈተነኣ ክትድርት ወይ ብዝዀነ መንገዲ ባህርያታ ክትቅይር ዘገድድ ድዩ? ክትብል ትትንትን።
ንሳ ወሲኻ፡ እቲ ቀንዲ ብድሆ ኣሜሪካ ኰይኑ ዘሎ፡ ንሰሜን ኮርያ ናብ ኑክሌራዊ ዝርርብ ክትምለስ ምእማን እዩ። ኣብዚ ጉዳይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ሰሜን ኮርያ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ዝሓለፈ ዓርቢ ካብ ደቡብ ኮርያ ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ምስ ሰሜን ኮርያ ንኽትዘራረብ ድልውቲ ምዃና’ኳ [ንሰሜን ኮርያ] እንተረጋገጸት፣ ሰሜን ኮርያ ግን ዝዀነ ተገዳስነት ከምዘየርኣየት ገሊጹ።
ኣብ መንጐ ክልቲአን ኮርያታት ዘሎ ወጥሪ ዝያዳ ክጋደድ ከም ዝኽእል ከኣ ተንተንቲ ይገልጹ።