እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቡብ ኮርያ፡ ናብ ሰሜን ኮርያ ምስጢራዊ ሰነዳት ዘሕለፉ ሰባት ቀይዳ
ፖሊስ ደቡብ ኮሪያ፡ ወታሃደራዊ ምስጢራት ብምልኣኽ ንዝጠርጠሮም ክልተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ኣፍሊጡ።
ዋና ኣካያዲ ክሪፕቶ ካረንሲን፡ ንሓደ ደቡብ ኮርያዊ ወተሃደራዊ መኮነን ብጉንዖ ገንዘብ ናይ ደቡብ ኮርያ ወተሃደራዊ ምስጢር ክህቦ ከም ዝተሰማምዐ ፖሊስ እታ ሃገር ተዛሪቦም።
እቶም ክልተ ሰባት ብዙሕ ገንዘብ ከም ዝተቐበሉ እዮም ዝኽሰሱ።
ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ካብ 1950-1953 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ደማዊ ኵናት ካብ ዘካይዳ ንደሓር ክልቲአን ሃገራት ከሳብ ሎሚ ኣብ ከቢድ ወጥሪ እየን ዝርከባ።
"ሓደ ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዘሎ ናይ ሰሜን ኮርያ ወተሃደራዊ መኮንንን ሓደ ሲቪል ሰብን ብስለያ ክተኣሳሰሩን ክቕልዑን ናይ ፈለማ ጉዳይ እዩ" ክብል ፖሊስ ገሊጹ።
ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ መጋቢት ኣብ ዘሎ ግዜ እቲ ወተሃደራዊ መኮነን ነቲ ወኪል ስለያ ናይ ካሜራ ሰዓትን ናይ ዩኤስቢ መሳርሒን ከም ዝሃቦ እዩ ዝኽሰስ።
እዞም ክልተ ሰባት ኣብዚ ወርሒ እዚኣ እዮም ተታሒዞም። መንነት ናይቲ ኣባል ሰሜን ኮርያ ምዃኑ ዝጥርጠር ሰብ ብንጹር ኣይተፈልጠን ።
ኣኽበርቲ ሕግን ፖሊስን ደቡብ ኮርያ፡ ሓላፊ እቲ ናይ ክሪፕቶ ካረንሲ ናይ ሸርፊ ትካል ሓላፊ "ሊ" ከም ዝበሃልን እቲ ወተሃደራዊ መኮነን ከኣ "ቢ" ተባሂሉ ከም ዝፈልጥን ክልቲኦም ብጥሕሰት ሃገራዊ ድሕነት ሃገር ተኸሲሶም ከም ዘለው ትማሊ ሓሙስ ሓቢሮም።
ሰበ ስልጣን ደቡብ ኮርያ፡ እቲ ሃብታም ነጋዳይ ኣብ ሓምለ 2021 " ኣብ ንጡፍ ወተሃደራዊ ምስጢራት ንዝዓዩ መኮነን ንምምልማል" ክጽዕር ከም ዝጀመረ ሓቢሩ።
ኣብ ዝቐጸለ ወርሒ ሚስተር "ሊ" ንሻምበል "ቢ" ረኺቡ ብምዝርራብ ወተሃደራዊ ምስጢራት ንክህቦ ንሱ ከኣ ብቢትኮይን ክኸፍሎ ምስተሰማምዑ፡ እቲ ወተሃደራዊ መኮነን ኮድ ከም ዝሃቦ እቲ መግለጺ ይሕብር።
ኣብ ወርሒ ጥሪ "ሊ" "ሰዓት ዝዓይነታ ሕብእቲ ካሜራ" ዓዲጉ ናብ ሻምበል "ቢ" ብፖስታ ከም ዝለኣኸሉን "ቢ" ከኣ ነታ ካሜራ ተቐቢሉ ናብቲ ወተሃደራዊ መደበር ከም ዘምጸኣ ኣገልግሎት ዜና ዮንሃፕ ሓቢሩ ።
ብድሕሪኡ "ሊ" ናይ መርዚ ታፕ ተባሂላ እትፍለጥ፡ ብርሑቕ ምስጢራት እትጉሕጉሕ ሓንቲ ዩ.ኤስ.ቢ.ኤ. (ኤለትሮኒካዊ መመሓላለፊ ዳታ) ዝዓይነታ መሳርሒ ገዚኡ ነቲ ወተሃደራት ደቡብ ኮርያ ብሓባር ዝእዝዝሉን ዝቈጻጸርሉን ምስጢራት ኣብ ላፕቶፑ (ኮምፒዩተር) ብምጥቃም ሓበሬታ ክስሊ ከም ዝፈተነ ፖሊስ ሓቢሮም።
እቲ ወኪል ስለያ ሚስተር "ሊ" ካልእ እንታይ ሓበሬታ ክርከብ ከም ዝኸኣለ ብንጹር ኣይተገልጸን።
እቲ ደቡብ ኮርያዊ ወተሃደራዊ መኮነን 48 ሚልዮን ገንዘብ ደቡብ ኮርያ ኣስታት 49 ሽሕ ዶላር ዝዋግኡ ቢት ኮይን ከም ዝተኸፍለ፡ ሚስተር "ሊ" ከኣ ኣስታት 700 ሚልዮን ዶላር ባጤራ ደቡብ ኮርያ ከምዝወሰደ ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም ።
ፖሊስ፡ ብዛዕባ እቶም ክልተ ሰባት ኣብ ወርሒ ለካቲት ምስጢራዊ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖምን ድሕሪ ነዊሕ ምክትታል ን "ሊ" ብ2 ሚያዝያ ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መኮነን "ቢ" ከኣ ብ15 ሚያዝያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮሞም።
ሰበ-ስልጣን ፖሊስ ደቡብ ኮርያ፡ እቲ ሰላይ ነጋዳይ፡ ሰሜን ኮርያዊ ከም ዝዀነ ካብቶም ጥርጡራት እተዛረብዎ ዘረባታትን ኣብ ቴለግራም ዝተረኽቡ ሓበሬታን ከም ዘረጋገጸ ገሊጾም።
እቲ ምስጢራዊ ላሕኵ ሓበሬታ ን"ሊ"ን ነቲ ወተሃደራዊ መኮነን "ቢ"ን ብምእሳር ከም ዝዓገቶ ሓቢሩ ።
ፖሊስ ብተወሳኺ እቲ ነጋዳይ ክሪፕቶ ካረንሲ ንካልእ ወተሃደራዊ መኮነን እውን ክረኽቦ ከም ዝፈተነን ከም ዝተነጽገን ሓበሬታ ረኺቡ ኣሎ።
ሚስተር "ሊ" ምስ ካልእ ጥርጡር ዝተኣሳሰር ንዘለዎ ጉዳይ ከኣ ገና ይጻረ ከም ዘሎ ፖሊስ ደቡብ ኮርያ ሓቢሩ።