ኲናት ዩክረይን፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ከቢድ ግፍዕን ዕንወትን ንዝወረዶ ከባቢታት በጺሑ

ኣብ ዩክረይን ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶንዩ ጉተረዝ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ሩስያ ኣትዩ ዝነበረን ብዙሓት ሲቪላውያን ተቐቲሎም ዝተረኽብሉን ቡቻ ዝተባህለ ቦታ ብምኻድ ንዝወረደ ዕንወት ብኣካል ተዓዚቡ።

ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣብ ሞስኮ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝተራኸበ ጉተረዝ፡ እቲ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ዘሎ ኲናት ዩክረይን ከብቅዕን ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበርን ጸዊዑ።

ንሱ እቲ ኣብቲ ዝበጽሖ ቦታታት ዝተዓዘቦ ዝፈረሰን ዝነደደን ህንጻታት ከምዘሕዘኖ ገሊጹ።

"ነዚ ዝዓነወ ህንጻታት ምስ ተዓዘብኩ፡ ስድራቤተይ ኣብዚ ፈሪሱ ዘሎን ናብ ጸሊም ዝተቐየረን ገዛውቲ እንተዝህልዉ ኢለ'የ ሓሲበ። ደቂ-ደቀይ ሰንቢደን ክሃድማ ተራእየናኒ" ክብል ገሊጽዎ።

"እዚ ኲናት'ዚ ናይ መበል 21 ክፍለዘመን ትርጉም-ኣልቦነት'ዩ። ኲናት ሕሱም'ዩ። ነዚ ኩነታት ብዓይንኻ ክትርእዮ እንከለኻ ድማ፡ ልብና ምስቶም ግዳያት'ዩ ዝኸውን፣ ምጽንናዕ ንቤተሰቦም"።

"ስሚዕትና ግን፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ኲናት ቅቡል ዝኾነሉ መንገዲ የለን፡ ራኣይዎ'ዶ" ክብል ጉተረዝ ዝተሰምዖ ጓሂ ገሊጹ።

ኣብቲ ቦታታት ዝተፈጸመ ቅትለትን ግፍዕን ክምርመር ከምዝድግፍ ዝገለጸ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ "ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ [ዘካይዶ መርመራ] ምሉእ ብምሉእ እድግፎ'የ፣ ፈደራላዊት ሩስያ'ውን ምስቲ ቤት ፍርዲ ክትተሓባበር እምሕጸን"።

"ብዛዕባ ኲናት ክንዛረብ እንከለና ግን፡ እቲ ዝኸፍአ ኲናት ባዕሉ'ዩ" ኢሉ።

ጉተረዝ ድሕሪ'ቲ ኣብ ቦረድያንካን ቡቻን ዘካየዶ ምብጻሕ፡ ናብታ ዒላማ ደብዳብ ሓይልታት ሩስያ ኮይና ዝጸንሐት ከተማ ኢርፒን ከምርሕ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ዝዀነት ሃገር፡ ኣብዚ ምስ ዩክረይን ዝግበር ዘሎ ኲናት ኢዳ ክትመልስ እንተፈቲና፡ ቅጽበታዊ ግብረመልሲ ክወሃባ ምዃኑ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣጠንቂቝ።

"ካልኦት ዘይውንናኦ ኣጽዋር ዓጢቕና ኢና፣ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ድማ ክንጥቀመሉ ኢና፡" ክብል፡ ነቲ ሃገሩ ዘለዋ፡ ባልቲክ ሚሳይልን ኑክሊየራዊ ኣጽዋርን ኣመልኪቱ።

ኣሜሪካ፡ ዩክረይን ንሩስያ ክትብድህ ትኽእል እያ ብምባል ብዝተተስፈወቶ ተተባቢዐን፡ መሻርኽቲ ዩክረይን ዝዀና ሃገራት ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ነታ ሃገር ከቕርባ ይርኣያ ኣለዋ።ዝዀነት ሃገር፡ ኣብዚ ምስ ዩክረይን ዝግበር ዘሎ ኲናት ኢዳ ክትመልስ እንተፈቲና፡ ቅጽበታዊ ግብረመልሲ ክወሃባ ምዃኑ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣጠንቂቝ።